ሱዳናውያን ስደተኛታት ካብ በረኻታት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክምለሱ’ዮም
2024-08-11 21:18:27 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 132 timesኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ኣውላላ ኣብ ዝበሃል ጫካ ዝነበሩ፡ ከባቢ 2500 ሱዳናውያን ስደተኛታት “ናብ ሃገርና ብእግሪ ክንምለስ ኢና” ከም ዝበሉ “ሬድዮ ደባንጋ” ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።
ናይቶም ኣብ ጫካ ተዓጊቶም ዝነበሩ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ኣካል፡ ንሬድዮ ደባንጋ ከም ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ዝበጽሑ ድሕሪ 98 መዓታት ኣብ ጫካ ምጽናሕን ኣብ ክልተ ሰሙን ጥራይ 2ተ ሰባት ብጥይት ካለኦት ክልተ ቆልዑ ድማ ብጥሜት ምስ መቱዎምን ከምኡ ከኣ 23 ሰባት ምስ ቆሰልዎም ምዃኑ እታ ሬድዮ ሓቢራ። በዝን ብካልእን ምኽንያታትን ልዕሊ 6 ሺሕ ዝነበረ ቁጽሮም ናብ ከባቢ 2500 ከም ዝወረደ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
ካብቶም ስደተኛታት 24 ኣካለ-ጐደሎ፡ 64 ሕሙማት መንሽሮ፡ ካብዚ ሓሊፉ፡ ብሕማም ኩሊት፡ ብዝሒ ደምን፡ ልብን ኣዝማን ዝተጠዑ ሰባት ከም ዝርከብዎም፡ እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። ናይቶም ስደተኛታት ኣወሃሃዲ ኣካል፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካለኦት ከም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ ተሓባበርቲ ኣካላትን ነቶም ስደተኛታት ከሰንይዎም ጸዊዑ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ናይ ኢትዮጵያ ትካል ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ብወገኖም ኩመርን ኣውላላን ካብ ዝበሃሉ መደበራት፡ ካብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን 35 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ናብ ዝርከብ ሕድሽ መደበር ኢፍተር ናይ ምስግጋር መደብ ከም ዘሎ ሓቢሮም። እዞም ሱዳናውያን ስደተኛታት ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዝተባርዐ ውግእ ብመተማን ኩምሩክን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ እዮም።