ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሩኻት ወተሃደራት ፈደራል ብናጻ ኣፋንዩ

2024-03-24 09:35:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 455 times

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ (ግምት) ኣብ ግዜ ውግእ ካብ ዝማረኾም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብ22 መጋቢት 2024፡ 112 ብናጻ ከም ዘፋነወ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር ኣፍሊጣ።  እቲ ምምሕዳር ጌና ካለኦት ምሩኻት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ እቲ ምፍናው ብመሰረት እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ  ንኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝምልከት ገምጋም ዝተኻየደ ምዃኑ ምግላጹ እቲ ዜና ሓቢሩ።

መግለጺ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ እዞም 112 ምሩኻት ካብቶም “ከቢድ ገበን ዝፈጸሙ” ተባሂሎም ተታሒዞም ዝጸንሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ልዕሊ 16 ሺሕ ምሩኻት ወተሃደራት ፈደራላዊ መግስቲ ኢትዮጵያ ብናጻ ከም ዝፈትሐ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ድሕሪ’ቲ ውግእ ምጅማሩ ብፈደራላዊ መንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተጋሩ ብናጻ ንክፍትሑ ብተደጋጋሚኳ ክጽውዕ እንተጸንሐ ክሳብ ሎሚ ዘይተፈትሑ ኣሸሓት ኣለዉ። ኣብ መጻኢ መዓልታት ግና  ክፍትሑ ተስፋ ኣሎ ዝብል ናይ ብዙሓት ትጽቢት እዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ ካብ 16 ክሳብ 23 መጋቢት 2024 ክካየድ ዝቐነየ፡ 1055 ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሕት) ዝተሳተፍዎ ኣብ ትሕቲ ‘‘ውድብና ብምድሓን ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ነብቕዕ’’  ዝብል ጭረሖ ዝተኻየደ፡ ሰፊሕ ኣኼባ መግለጺ ብምውጻእ ከም ዝተዛዘመ ናይቲ ውድብ ልሳናት ኣፍሊጠን።

ኣብቲ መግለጺ 11 ኣገደስቲ ነጥብታት ዘስፈረ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነይኹን ኩነታት ውዕል ፕሪቶርያ ብምትግባር ሰላማዊ መፍትሒ ምርካብ እምበር፡ ውግእ ከም ምርጫ ከምዘይድግፍ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ፈደራላዊ መግስቲ ኢትዮጵያን ምትሕብባሩ ከም ዝቕጽልን ኣብ ቀረባ ግዜ መበል 14 ውድባዊ ጉባአ ከም ዘካይድን ኣፍሊጡ።

Last modified on Sunday, 24 March 2024 10:39