ዜና ድራር ምስዮት፣ ንሓገዝ ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

2023-11-24 19:56:44 Written by  ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 662 times

EDA Germany 2010ብዕለት 18.11.2023  ኣብ ኣዳራሽ ዛልባው ግሪስሃይም ከተማ ፍራንክፎርት  ከምቲ ልሙድ  እተን ንነዊሕ ዓመታት ነቶም ኣካለን ዝኾኑ ኣብ ከሰላ ዝነብሩ ጽጉማት ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ከይተሓለላ ዝጽዕታ ግዱሳት  ደቂ ኣንስትዮን  ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማትን ኤርትራን ብምትሕብባር፡ ዉጉኣት ሓርነት  ንምሕጋዝ ዝተዳለወ  ናይ ድራር ምስዮት፣ ከም ወትሩ ብዕዉት ልግሲ ተሳተፍቲ እዩ ተዛዚሙ።

እዚ ቅዱስ ተግባር ዘሰነዮ ምስዮት‘ዚ፣ ብናይ  እንቛዕ  ዳሓን መጻእኩምን መጻእክንን ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ጀርመን  ተኸፊቱ። ብዛዕባ ህሉው ኲነተት ኣባላት ውጉኣት ሓርነትን ጽጉማንን መደበር  ከሰላን፣ ምዕብልና  ማሕበርን ሓጺር ሓበሬታ ንተኣተፍቲ ናይቲ ምስዮት ድማ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ  ሓው መዓሾ ኣስራት ተሓዝ ገንዘብ ማሕበር በቲ ኩሉ ጊዜ  ከይሰልከዩን ደኺምና ከይበላን ነዚ ማሕበር ኣብ ምሕብሃብን ምጥዋርን ዘለዉ/ዋ  ግዱሳት ዕዱማት  ኤርትራውያን ብብምስጋን፣ ኣስዒቡ ሓውና ዓንደጼን ግርማይ ብጥዕና ምኽንያት ክሳተፍ ብዘይምኣሉ፡ ነተን  ነቲ ምስዮት ዘዳልዋ ዘለዋ ዘይሕለላ ጽኑዓት ደቂ ኣንስትዮ ዘቕረቦ ምስጋናን ብመንፈስን ብተግባርን ኣብቲ ምድላው ከምዘለኹ ሓብሩለይ ክብል ዘማሓላለፎ መልእኽቲ ኣቕሪቡ።            

ኣብዚ ካብ ሰዓት 16፡00 ክሳዕ 22፡00 ዘሎ ሰዓትታት ዝተኻየደ ምስዮት‘ዚ፣ ዝተፈላለየ ትምህርቲ ሓዘል ዋዛ ምስ ቁምነገር ብምቕራብ፡ ነቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ዘሰነዮ ዝተቐረበ ሽሻይ ዓቢ ድምቀት ሂብዎ  ኣምስዩ።

ድሕሪ‘ዚ ተሳተፍቲ ከም ወትሩ፣ ነቲ ተገዲሶም  ንምዕዋቱ ዝመጽዎ ቅዱስ ዕላማ ንምትግባር፣ ብልቢ ዝምስገንን ብርኩትን ኣስተዋጽኦኦም  ክሳብ €1.713.66  (ሓደ ሽሕን ሸውዓተ ሚእቲን ዓሰርተው ሰለስተ ኤውሮን ሱሳን ሹዱሽተን ሳንትን) ኣታዊ ተገይሩ፡ ኣብ መደበር ጽጉማት ዝነብሩ ኤርትራውያን ተዓንጊሎም ከምዝሓድሩ ገይሮም።   

ተሳተፍቲ ምስዮት፡ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ እቲ ዕማም ንኽምዕብ ኣብ መጻኢ ብተገዳስነት ንኽሰርሓሉ ኣገዳስን   ሃናጽን ምኽርን ለበዋን ብምሃብ እቲ ልግዚ ዝመልኦ ቅዱስ ምስዮት ተዛዚሙ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ድራር ምስዮት፣ ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ብዘይካተን ናይ ኮሮና ተላባዒ ሕማም ዓመታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እንዳተዳለወ ብዘይምሕላላ ዝካየድ ዘሎ ሓልዮት ዝመልኦ ሰናይ ተግባር ምዃኑ ክፍለጥ ድማ ይግባእ።

ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

ጨንፈር ሃገረ ጀርመን

Last modified on Friday, 24 November 2023 21:02