ጉዳይ ልኡላውነት፡ ይጽነሓለይ ዘይበሃል’ዩ

2023-11-20 09:13:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1078 times

ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝተኸፈለ ዋጋን ዝወሰዶ ግዜን ረዚንን ነዊሕን እዩ። ነዚ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ነቲ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞን ዝተጓዕዘን ከኣ፡ ብዓብይኡ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ ናይ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ፖለቲካዊ ውድባቱ እውን ነናተን መሪሕ ብጽሒት ነይርወን እዩ።

ናጽነትን ልኡላውነትን ምርግጋጹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻሊ ሓለዋ እውን ዘድልዮ እዩ። ኣብዚ ብፍላይ  ግደ ሰራዊት ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ምኽንያቱ መሰረታዊ ሓላፍነት ሰራዊት ከምዚ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘለና፡ ዝቆጻጸር ሕገመንስታዊ ቀጥዒ ዘየብሉ፡ ኣብ ዘይጉዳይካ እናኣተኻ ምድኻር ዘይኮነ፡  ቅዋም ብዘሰክሞ ሓላፍነት ህዝብን ዶባትን ምሕላው እዩ ክኸውን ነይርዎ። እንተኾነ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ኣብ ዝምጥን ብራኸ  የለን።

ንጉዳይ ልኡላውነት ክሳብ ክንድዚ ዕዙዝ ቆላሕታ ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ብዘይብእኡ ህላወ ሃገርን ህዝብን ስለ ዘየለን፡ ናይ ኩሉ ህንጸት ህዝባዊ ስርዓት፡ ምስፋን ሰላምን ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤትን  መሰረት ስለ ዝኾነ እዩ። ምሕላው ልኡላውነት ክበሃል እንከሎ፡ ምዕቃብ ሩባታት፡ ጎበታት፡ ጐላጉልን ባሕርን ጥራይ ማለት ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ናይ ህዝቢ ልኡላውነት ምርግጋጽን ኩሉ መሰላቱ ምውሓስን ማለት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እዚ ማለት ልኡላዊት ሃገር ብዘይልኡላዊ ህዝቢ፡ ልኡላዊ ህዝቢ ድማ ብዘይልኡላዊት ሃገር  ትርጉም ዘየብሎም ምዃኖም ምንጻር እዩ።

ህግደፍ ብጉዳይ ምዕቃብ ልኡላውነት ዝግደስ መሲሉ ብምቕራብ እዩ ዘጉባዕብዕ። ነዚ ዝመርጸሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ካብቲ ከም መንግስቲ ክዓሞ ዝግበኦ ዝነበሮ ህዝባዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳታት ካብ ምዕማም መህደምን መሕብእን ንክኾኖ እዩ። ንነዊሕ ዓመታት ”ዶብና ከይተጠረረ” ዝብል ሸፈጥ ብምድግጋም ክሳብ ክንደይ ንኹለ መዳያዊ ምንቅስቓስን ህዝባዊ ጠለባትን ጅሆ ሒዝዎ ከም ዝጸንሐ ርኡይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ቀንዲ ዓቃቢ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣግሊሉ፡  ንገዛእ ርእሱ ከም እንኮ ተገዳሲ፡ ተሓላቕን ሓላውን መሲሉ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ተንኮል፡ ዘይግበኦ ምስሊ ናይ ምጽብባቕ ሸፋጢ ጉርሒ ምንባሩ ሎሚ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ ብካለኦት ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝከታተሉ ኣካላት እውን   ዝተቓለዓሉ ኮይኑ ኣሎ።

ህግደፍ ካብዚ ግጉይ መደምደምታ ስለ ዝነቅል እዩ፣  ነቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ንዝቃወሙን ዝቃለስዎ ዘለዉን ኤርትራዊ ወገናት፡ ሰማዒ እዝኒ ደኣ ኣይረኸበን እምበር፡ ናቱ ኣቐሚጡ፡“ጸረ ልኡላውነት ሃገር፡ ከዳዓትን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ልኡኻትን” ኣምሲሉ ክገልጾም ዝፍትን። ብግብሪ ግና ብሓፈሻ እቲ ብናይ ሓደ ሰብ ሳንቡእ ዘስተንፍስ  ጉጅለ ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ መራሒኡ ሕሉፍ ዲክተተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ናይ ቅድም ገዲፍካ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ልኡላውነት ዝዕቅብ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ ዓው ኢሉ ኣብ ኣደባባያት ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ብዘውድቕ ክምድር፡ ተሓቢኡ ክወዓዓልን ክመጻደቕን ዝጸንሐ ጠላም  ምዃኑ ንኹሉ ኣብ ዝበርሃሉ እዋን ኢና ዘለና።

ኣብዚ በበቲ እንኣምነሉ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ተወዲብና ነካይዶ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡  ምስ ገሊኦም ባዕልና ንፈጥሮም፣ ገሊኦም ድማ ካብ ድሌትና ወጻኢ ዝፍጠሩ ዛዕባታት ኢና እንዋሳእ ዘለና። እቲ ቀዳምነት እንህቦ መሰረታውን ቀጻልን ኣጀንዳና “ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ” ኮይኑ፡ ነዚ ከነዕውት ዝሕግዙና ከም “ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ፖለቲካዊ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ” ዝኣመሰሉ  ኣጀንዳታት እውን ይጽንሑልና ዘይንብሎም እዮም።  ካብዚ ሓሊፉ “ድሕሪ ውድቀት ህግደፍከ ሃገርናን ህዝብናን ብኸመይ እዮም ክመሓደሩ” ዝብል እውን ግቡእ መስርዑ ኣትሒዝና እነሰጉሞን ደሓር ብህዝቢ ኤርትራ ዝውሰንን ረዚን ዛዕባ እዩ። ጉዳይ ልኡላውነት ከኣ ብፍላይ ምስቲ ሎሚ ተባራዒ ኮይኑ፡ በብግዜኡ ዝፍጠር ዘሎ  ናይ ርሑቕን ቀረባን ትንዕምንዕ ቀዋሚ ቆላሕታ ዘይንነፍጎ መሰረታዊ ኣጀንዳና ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግበኣናን።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ነቲ ህግደፍ ከካይዶ ዝጸንሐ ንልኡላውነት ኤርትራ ግቡእ ክብደት ዘይህብን ዘይእርኑብን ምንቅስቓስ ተኸቲሉ፡ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነትና ዝደናደን ህበቡላ ብቐጻሊ ይነፍስ ኣሎ። ምስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ብዙሓት ኣጋጣምታትን ኣኼባታት ትካላት መንግስቱን  ብብዙሕ መምዘንታት ክረአ እንከሎ፡ ዘይዛመድ ተረኽቦታት እናገጣጠመን ንታሪኻዊ ሓበሬታ ኣብ ዘይቦታኡ እናጠቓቐሰን፡ ዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕን ዘይሓላፍነታውን ጐስጓስ፡ “ልኡላውነትና ውሑስ እዩ፡ ኣብይ ኣበይ ከይበጽሕ” ኢልካ ሸለል ዝበሃል ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ግዜ፡ ዓለም ናይ ሓያልን ዓመጸኛን ከም እትኸውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣተኩሮ ክንህቦ ኣብ እንግደደሉ ኢና ዘለና። እንተ እቲ ትማሊ ልኡላውነት ዩክረይን ብሩሲያ ክገሃስ እንከሎ ካብ ኣፍሪቃ በይኑ፡ ካብ ዓለም ድማ 5ይ ርእሱ ወራር ዝደገፈ ህግደፍ፡ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ክምጉት ዘብቀዖ ሞራል የብሉን። በመንጽር’ዚ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብሓባር፡ “ቀዳምነትና ምውጋድ ህግደፍ ስለ ዝኾነ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ቀዳምነት እንህቦ ኣጀንዳ ኣይኮነን” ኣብ እንብለሉ ደረጃ ከምዘየለና ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ጉዳይ ልኡላውነትና ነቲ “ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ” ዝብል መሰረታዊ ኣንፈትና ብዘየስሕትን ብዘየረስዕን ግቡእ ግምትን ቆላሕታን ክንሃቦ ይግበኣና። ክንድቲ ንኽእሎ ኣብ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን መዳይ እውን ክንዋሰኣሉ ዝግበኣና እዩ። ምኽንያቱ ልኡላውነታ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐት ኤርትራ፡ ምውጋድ ህግደፍ ንበይኑ እቲ እንብህጎን ንቃለሰሉ ዘለናን ክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ዘውሕስ፡ ምምስራት፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታዊ፡ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት  ክዕወት ኣይከኣልን እዩ።

Last modified on Monday, 20 November 2023 10:26