ኣገዳሲ ሓበሬታ መጽሓፍ: ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ

2023-11-16 20:39:12 Written by  ደረስቲ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1109 times

ሓደ ካብ ዕላማታት መጽሓፍ ታሪኻዊ ግደ ሰሓኤ፣ ምስ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝካየዶ ቃልሲንምቕራብ  እኳ እንተኾነ፣ መስርሕ ማሕበራዊ ምዕባለ ሕብረተሰብና፡ ጥንተ ድለባዊ መግዛእቲ ኮነ ምስፍሕፋሕ ኤውሮጳውያን ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ሰረትን ምእታው መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራን ዘይተወደበ ተቓውሞ ኤርትራውያንን ኣስፊራ ስለዘላ፡ ንህሉውን መጻእን ወለዶታት፡ ታሪኽን መንነትን ሃገሮም ንኽፈልጡን ክመራመሩን ኣበርክቶ ክህልዋ  እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ካላኣይ ውግእ ዓለምን ጠንቅታቱን፡  ኣሰላልፋ ሓይልታትን ውጽኢቱን ከተጠቓልል ከላ፡ ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት፣ ምስ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝተፈጥራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ስልፍታት፡ ዕላማታተን፡ ብዝሐን ኮነ ቁጽሪ ኣባላተን፡ ዝተኻየደ ውሽጣውን ግዳማውን ቃልስን፡  ንሃገራዊ ቃልሲ ንምብርዓን ዝተገብረ ውዲታትን ፈላለዪ ፈተነታትን’ውን ተንጸባርቕ እያ። ምስዚ፡ ሓያላን ሃገራት ንረብሓታተን ክብላ፡ ንድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዝረገጸ  ውዲታትን ፈሒሰን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ  ብዝንቡዕ ፈደረሽን ክትተኣሳሰር ምግባረን፡ እቲ ክከላኸላሉ ዘይክእላ ውዑል ድሕሪ ምጥሓሱ ዝተኻየደ ጎበጣ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ፖሊቲካዊ መኸተ፡ ታሪኻዊ ተረኽቦታትን ግደ መደበር ቓኞውን ብሰነድ  ዘጠቓለለት እያ።

ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ መሓዛኦም ዝዀነ ስርዓት ሃይለስላሴ ምስ ተቆርነት፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምስተኣገደ፣ ኤርትራዊ ትካላት ምስ ፈረሰ፡ ዲሞክራስያዊን መሰላት ህዝቢ ምስተጋህሰ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝማዕበለ ስዉር ምንቅስቓስ፡ ንመግዛእቲ ዝተቓወሙ ውፉያትን ግዱሳትን ተመሃሮ ኤርትራውያን ኣብ ካይሮን፣ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ  ወተሃደራትን ብዝወሰድዎ ተበግሶ ናብ መድረኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘሰጋግር ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተኣወጀ። ድሕርዚ ኣመለኻኽታ መግዛእታውን ተፈንጨልትን ሓይልታት፡ ከምኡውን ግደ መንግስቲ እስራኤል ዝሓዘት’ያ። 

መጽሓፍ ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንተራን ሞያን ሰራዊት ሓርነት ካብ 1961 ክሳብ 1974ን ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዝተኻየዱ ውግኣትን ደባይ ስርሒታትን፡ ውሽጣውን ግዳማውን ተጻብኦታትን ምፍንጫላትን፡ ንምእራም ክሳብ ቀዳማይ ጠቕላላ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተገብረ ጻዕርታትን  ውሳኔታት ጉባኤን  ዝነበረ ዝርዝር ኲነታት ናይ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ  ብሰፊሑ ገሊጻ’ላ። ምስዚ ብመሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታትን ሰልፊ ነጻነትን ድሒሩ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንታሪኻዊ ግደ ተሓኤ፣ ንምብራዝን ንምሕካኽን ዝተፈተነ ዘመተ ኣጠቓሊላ ትርከብ።

ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ዝበዀረሉ፣ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምንቅስቓስን ኣብ ዝተነፍገሉ፡  ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ ምልኪ ጅሆ ተታሒዙ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ፣ ርእዩ ከምዘይርኣየ  ኣብ ዝሓልፈሉ  ዘሎ እዋን፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮ ዘለዎምን፣ ኣብ ስነ ጽሑፍ ግዲኦም ብዘበርከቱ ኣሕዋትን ቅድመ ንባብ ተገይሩላ፡ ብደረስቲ ተመኩሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ነጻነትን ምሕበራዊ ፍትሕን  ተሓቲማ ኣብ ምዝርጋሕ ትርከብ ኣላ።

ኣታዊ ሽያጥ መጽሓፍ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤት ትምህርን ኣካለ ጽጉማንን ዝውዕል እዩ።

መጽሓፍ ንምርካብ፡  ብኢመይል፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ተለፎን፡ ኣብ ኣመሪካ +1 408 896 3154፡ ኣብ ጀርመን +49 616 282 793 ኣብ ሆላንድ: +31 686487625 ንምውካስ ይካኣል።

ደረስቲ

Last modified on Thursday, 16 November 2023 21:47