እቲ ግዜ ይነጉድ ኣሎ፡ ንሕናኸ?

2021-10-08 07:50:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1214 times

ሃገርና እትርከበሉ ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ኣዝዩ ተሃዋስን ቅልጡፍ ለውጥታት ዝረኣየሉን ከባቢ እዩ። እቲ ተሃዋስነቱ ካብ ስትራተጂክዊ ተበሃግነቱን፡ ጠቓምነቱን እዩ ዝነቅል። ብፍላይ ሃገርና ኤርትራ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኪሎሜትር ገማግም ቀይሕ ባሕርን ኣማኢት ደሴታትን ስለ እትውንን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ምርኻብ ኣገዳሲት ስለ ዝኾነትን፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ በሃግታ ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ከኣ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣብ ሃገርና ዝተኸልዎ ዓይኖም ጌና ክሳብ ሎሚ ሰለም ኣይበለን። ስለዚ ኤርትራውያን፡  ብኽንድኡ ደረጃ ኣብ ሓለዋ ሃገርና ወትሩ ድሉዋት ክንከውን ይግበኣና። ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓ ዝማእከሉ ቀልባዕባዕ መራሕቲ ህግደፍ ግና ዝሕልዉ ዘይኮኑስ፡ ንበላዒ ኣሕሊፎም ክህብዋ ዝደናደኑ ምዃኖም፡ ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ብግብሪ ኣርእዩና እዩ።

ብሓፈሻ ካብ ቀደሙ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ቅልጡፍ ምልውዋጥን ተሃዋሲ  ምዕባለን ጉዳይ ሃገርና ንህግደፍ ኣሕሊፍካ ዝወሃብ ኣይኮነን። ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ኤርትራ ምስ ህዝብና፡ ኣብዚ ዝሕቆን ዘሎ ሃገራውን ከባብያውን ማዕበል ተዓዘብቲ ዘይኮናስ ቀንዲ ተዋሳእቲ ምዃና ኣሚንና ብሓላፍነት ክንሰርሕ ከምዘለና ንካልኢት’ውን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ኣብ መስርሕዚ ቃልሲ ንዘጋጥሙ  ውጽኢታት ሓላፍነት ክንወስደሎም፡ እሞ በቲ ኣወንታ እንምጎስ፡ በቲ ከጋጥም ዝኽእል ኣሉታ ከኣ እንሕተት ምዃና ኣይንዘንግዕ።፡ ምስቲ ባህርያዊ ጉዕዘኡ ሓልዩ ንቕድሚት ዝነጉድ ዘሎ ግዜ፡ በታ ዘላትና ዓቕምን ግዜን ክንትግብሮ ዝግበና ዕማምን ክንከዶ ዝግበኣና ርሕቀትን ከነቀላጠፍ ምርጫና ዘይኮነ ግደታና እዩ።

ዋና ኣካያዲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንናይ  ህዝቢ ኤርትራ ናይ ለውጢ ጸዋዒት ጸማም እዚኒ ሂቡ፡ ኣብ ጐዳጉዲ ዓዲ ሃሎ ተሓቢኡ ጸኒሑ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዕምቆትን ትካላዊ ምርኩስን ዘይነበሮ ዘይቅዱስ ዝምድና  መስሪቱ፡ ኣጀንድኡ ንምትግባር  ፈንጠርጠር ካብ ዝብል እነሆ ራበዓይ ዓመቱ ኣቑጺሩ። እቲ ፈንጠርጠሩ ኣብ ዙርያ ኤርትራዊ ኣጀንዳን መሰረታዊ ጠለብ ህዝብን  ዘይኮነ፡ ንኤርትራዊ ትጽቢትን ኣተሓሳስባን ጓስዩ ናብ ግዳም ዘማዕዱ  እዩ። ናይዚ ጉጅለ ኣካይዳ ወትሩ ኣዕናዊ እዩ እንብሎ፡ ኤርትራዊ ጸገም ስለ ዘይፈትሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ ሓዲሽ ማይ ዘይጠዓሞ መዘዝ ዝጐትት ብምዃኑ’ውን እዩ። ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ሰላም፡ ልምዓት፡ ምኽባር መሰላትን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን እግሪ ክተክል ክነሱ፡ እዚ ጉጅለዚ ግን  ብኣንጻርዚ ኩሉ ዕድላት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሃገሮም  ኮሊፉ ዘርሞዘርሞ ዝገበሮም ከይኣኽሎ፡ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ውግኣት ንክሃልቁ  ተንኮላት ክፍሕስን ጻማ ቃልሶም ክጠልምን ዝነብር  ምዃኑ ከኣ ናይቲ ምስ ግዜ ዘይምኻድ ባህሪኡ መርኣያ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ዓቕሚ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ውሱን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚ ዘንጊዑ ንሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዓቕሙ ከየገናዘበ ቅልጡፍ ዓርሞሸሽ ውጽኢት ከመዝግብ ዝጽበ ኣካል እንተልዩ፡ ወድዓዊ ኣይኮነን። እቲ ሓይልታት ለውጢ ከኣ ኣብ ክንዲ ብዘለዎ ውሱን ዓቕሚ ምሱጓም፡ ዘይተደላይ ግዜ ንምብኻን ከዕጠጢ እንከሎ’ውን ክሕተት ናይ ግድን እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ በበይኑ ከድምዕ ከምዘይክእል ተረዲኡ፡ ዝተበተነ ዓቕሙ ምእካብ መተካእታ ከምዘየብሉ ክግንዘብ ይግበኦ። እቲ ዓቕምታትካ ኣብ ዝሰፍሐ ጽላል  ናይ ምጥርናፍ ተግባር ወሳኒ ክነሱ፡ ኣብ ምትግባሩ ማዕረማዕረቲ ዝነጉድ ዘሎ ግዜ እንተዘይሰጒሙ ብደረጃኡ ካብ ተሓታትነት ክሃድም ኣይክእልን እዩ። ሎሚ ክትዓሞ ዝግበኣካ ከይዓመምካ፡ ጽባሕ ከጋጥም ብዝኽእል ብደሆን ስግኣትን ተሸሚምካ ማዕረቲ ዝነጉድ ግዜ ዘይምስጓም ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፍል፡ ኣብ ተመኩሮ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ምፖሓኤ)ን ኤርትራዊ ዲሞክራኣስያዊ ኪዳን (ኤዲኪ)ን ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ። ሕራይ እቲ ዝሓለፈ ክሳራ ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ክንዲ ካብኡ ንመሃር፡ ነቲ ናይ ሽዑ ሕጽረት  ምድጋሙ ግና ፈጺሙ ይቕረ ዘይበሃሎ  ሕጽረት እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቅ፡ ኣንጻር ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ።  ንዝህቢ ኤርትራ ዝበደለን ዝጠለመን ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ምስሉን ስሙን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ  ኤርትራ ዝተደወነን ብሕማቕ ዓይኒ ዝረአን  እዩ። ኣብ ዞባና እንተኾነ’ውን ብዘይካ መራሒ ኢትዮጵያ ንሱ እውን ንግዝያዊ ጠቕምታቱ ኢሉ እንተዘይኮይኑ ካልእ   “ደሓን እቶ” ዝብሎ የብሉን። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ ኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ድሕሪቲ “ዓለምለኻዊ መምዘኒ ኣየማለአን” ዝተባህለ ምርጫኡ፡ ብ4 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዘዳለዎ፡ ንህልዊ ኩነታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ስለ ዘየእተወ፡ ብዙሓት ዝዛረብሉ ዘለዉ ጽንብል ገለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ክርከቡ ከለዉ ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ግን   ኣይተረኽበን።

ንናይ መራሒ ህግደፍ ኣብቲ ጽንብል ዘይምስታፍ፡ ከም ምኽንያት ምናልባታት ይቐርቡ ኣለዉ። እቲ ሓደ ንሱ ምስቶም ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኮነ ኣብ ኢጋድን ርእይዎም ዘይፈልጥ መራሕቲ ኣፍሪቃ ምርእኣይ ስለ ዘሰከፎ  እዩ ዝብል እዩ። እቲ ካልእ ምናልባት ከኣ፡ እቶም ኣብቲ ጽንብል ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ “እንተደኣ ኢሳያስ ኣብቲ ጽንብል ተረኺቡ ንሕና ኣይንሳተፍን ኢና” ስለ ዝበሉ፡ ዶር/ር ኣብይ “ፍቕርናን ምትሕብባርናን ከም ዘለዎ ኮይኑ” ውራየይ ከይተበላሽወለይ ዓዲ ውዓል” ስለ ዝበሎ እዩ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ብወገና ኩሉ እቲ ምናልባታት “ቅኑዕ መልሲ እዩ።” እቲ ካልእ ክውሰኽ ዝኽእል ምኽንያት ተሓቢእካኳ ዘይተርፍ እንተኾነ፣ ስግኣታት ኣብ  መገሻ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ሓደጋ ክኸውን ይኽእል።

 እቲ ዘገርም ወዮ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንምርጫ ብመትከል ዘነኣእስ ኢሳያስ፡ ብደረጃ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ነቲ “ተመሪጹ” ጽንብሉ ዘካየደ መራሒ ኢትዮጵያ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ምትሕልላፉ እዩ። እዚ ተግባሩ፡ እቲ ምርጫ ዘይምቅሮ ኣብ ኤርትራ ክኸውን እንከሎ ጥራይ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። መልእኽቱ ናብ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ከኣ ምስትብሃል የድልየና።

ሕጂ እውን ከባቢና ብዝተፈላለዩ  ምኽንያታት ይሕመስዩ  ዘሎ። ኤርትራን ህዝባን ከኣ ኣካልዚ ዝሕመስ ዘሎ ከባቢ እዮም። ካብ ሳዕቤን ናይዚ ዝሕቆን ዘሎ ከባብያዊ ቅልውላው፡ ኢሳያስ ኣይኮነንዶ ሃገርን ህዝብን ከድሕን፡ መሊሱ ሓዊ ዝኣጉድ እዩ። ንሕናን ህዝብናንከ ካብዚ ከየጋጥም ዘስግእ ዘሎ ሓደጋ ንምድሓን ምስዚ ዝነጉድ ዘሎ ግዜ ዲና ዓቕምና ጸንቂቕናን ኩሉ ክኢልናን ክንጉዓዝ ወይስ ኣብ ገዛእ ጉዳይና ተዓዘብቲ ክንከውን? ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ብግብሪ ክንምልሶ ዝግበኣና ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ እዋናዊ ሕቶ እዩ።

Last modified on Friday, 08 October 2021 09:54