“ደቀይ ኣበይ ኣለዉ?” በል፡  ህዝቢ ኤርትራ

2021-07-02 21:38:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1095 times

ህዝቢ ኤርትራ ኣቦ ጽንዓትን፡ “ንመግዛእቲ ኣይጸዓድን” በሃላይን ከም ዝኾነ ኣይኮነንዶ ፈተውቱ ጸላእቱ’ው ዘይክሕድዎ እዩ። እዚ ናይ ጽንዓት መለለይኡ ብቃላት ጥራይ ዝዝንቶ ናይ ርሑቕ ግዜ ዘይኮነ፡ ናይዚ ቀረባ ግዜን ብተግባር ዝተራእየን፡ ካልኦት ምእንቲ መሰሎም ክሕርኑ ኣበራቢሩ ኣብቲ ዝደልይዎ ንክበጽሑን ዘተባበዐ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ሕራነ ኣትዩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ከምቲ ገለ ስዑራት ዘዘንትዉዎ፡ ናይ ውግእን ጐነጽን ህርፋን ስለ ዝነበሮ ዘይኮነስ፡ ኩሉቲ ዝሓሸ ምርጭታት ምስተዓጽዎ ዝመረጾ ውሳነ እዩ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ህዝቢ ሓያልነት ትሕቲ ዕጥቅን ትዕቢትን ሰሪዖም ከንበርክኽዎ ፈቲኖም ኣይተዓወቱን። “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየና’ዩ” ዝብል ፖሊሲ ክተግብሩ ፈቲኖም ኣይኮነሎምን። ኣሰር’ቲ ጭካነኦም ግና ክሳብ ሕጂ እውን መሊኡ ኣይሃሰሰን። እዚ ክሳብ ክንድዚ መኪቱ ኣብቲ ዝደለዮ ዝበጸሐ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ግና ኣብቲ ዝያዳ ክምክተሉ ዝግበኦ ግዜ ንድሕሪት ዝተመልሰ መሲሉ፡ ኣብነት ንወጽዓ ኣብ ክንዲ ዝቃለሶ ዝረዓሞ ህዝቢ፡ እንዳተባህለ ይጥቀስ ኣሎ። እዚ ኩነታት ነቶም ተወዲብና ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ሓይልታት’ውን  “ብጽሒትና ኣብዚ ኩነታትዚ እንታይ’ዩ?” ክንብል ዘገድደና እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብግፍዒ ገዛእቲ ዘይምንብርካኹ ብምጭባጥ ናጽነቱ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ካብዚ ነቒሉ ኣብ  ናይ ሓርነት ቃልሱ ናብ ከምዚ ሕጂ ወዲቕዎ ዘሎ ደረጃ ክወርድ’ዩ ኢሉ ዝገመተ ኣይነበረን። ብግብሪ ግና ኣብ ከመይ ከምዘሎ ካልእ ዝነግበሮ ዘይኮነ፡ ባዕሉ ዕረ እናጠዓሞ ዝሓልፎ ዘሎ ህይወቱ መስካሪ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቀደም ንመግዛእቲ “ሓንጐፋይ” ኢሉ ዘይተቐበለ፡ ንወጽዓ ህግደፍ እውን ከምዘይቅበሎ ዝርዝር ምቕራብ ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ሎሚ ዘዛርብ ዘሎ ግና ምስቲ ኩሉ ዝተደለበ ተመኩሮኡን ጽንዓቱን ነዚ ህልዊ ዘቤታዊ ወጽዓ ክስዕሮ ዘይምኽኣሉ እዩ። ህዝብና ናብቲ ዘይተርፍ ዓወት  ዘይምብጽሑ ምኽንያት ሰፊሕ ዘርዝር ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። ኣብቲ ዝርዝር ጐሊሑ ዝረአ ከኣ “ኣብ ግዜ ቃልሲ ሓብሒበ ኣብ ዓወት ዘብጻሕኩዎን ሕድሪ ዘሰከምኩዎምን ኣካል ኣይክጠልመንን እዩ”  ዝብል እምነቱ ክኸውን ከምዝኽእልን ብሩህ እዩ። ዝኣመንካዮ ክኽሕድ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከኣ ምስክርነቱ እዚ ንርእዮ ዘለና እዩ። “ዝኣመንካዮ ኣይጥለምካ፡ ዘኾለስካዮ ኣይንከስካ” ዝበሃል ከኣ ከምዚ ምስኣጋጠመ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝብህግ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ክሳብ ክንደይ ምእንቲ ህልውና ሃገሩን ቀጻልነት ናጽነቱን ዝተሓቶ ዋጋ ከም ዝኸፍልን’ውን ኣጸቢቑ ይርዳእ እዩ። ካብዚ ኣፍልጦኡ ነቒሉ እዩ ከኣ ኣብ ስልጣን ንክነብር ንናይ ህዝብና ጹረትን ሓልዮትን ኮነ ኢሉ ዝምዝምዞ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ እምነት ዘንበረሉ ጉጅለ ይጠልሞ ከም ዝነበረ ተረዲኡ፡ “እዚ ኣካይዳኻ ምርጫይ ኣይኮነን” ንክብል ግዜ ከም ዝወስደሉ ርዱእ ነይሩ። እቲ ሎሚ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ግና ካብ ምጽማምን ምጽባይን ሓሊፉ “ምስ ወጽዓ ክነብር ከም ዝመረጸ” ናብ ዝመስል ደረጃ ዝደየበ እዩ። ከምኡ ኢሉ ንሓዋሩ ክነብር ግና ባህርያዊ ኣይኮነን። ህዝብና ኣንጻር ምምሕዳር ህግደፍ ድምጺ ኣልቦ ተቓውሞ ካብ ዘሕድር  ነዊሕ ግዜ ኮይኑ’ዩ። ናብ ግሁድ “እምቢ ብሃልነት” ክድይብ ግና ግዜ ወሲድሉ። እቲ ወጽዓ ከኣ እነሆ ማዕረቲ ስቕታ መመሊሱ ይመርር።

ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ፍሉይ እዩ። ፍሉይ ዘብሎ ከኣ ኣብ  ኩሉመዳያት ህይወት ዝርአ ምዃኑ እዩ። ሃገሩ ናይ ምምሕዳር መሰሉ ገፊፍዎ። ፍትሕን ስርዓትን ኣስኢንዎ። ክትገልጾ ብዘጸግም ኣድክይዎን ኣደንቊርዎን። ኣብ ሃገሩ ከይነብር ዓቕሉ ኣጽቢቡ ናብ ስደት ደፊእዎ፡ ንመንእሰይ ዓለም “ዘመናዊ ባርነት” ምዃኑ ኣብ ዝተቀበለቶ ገደብ ግዜን ስሩዕ ክፍሊትን ኣብ ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርና ቆሪንዎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ብናይ ሓደ መስመሩ ስሒቱ ሰንከልከል ጀሚሩ ዘሎ ውጹእ ዲክታተር ውሳነ ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዘይኮነ ውግኣት ጠቢሱ የህልቖ ኣሎ። እዚ ጉጅለ ካብ ሱዳን ጀሚርካ ክሳብ ጅቡቲ ካብ የመን ጀሚርካ ክሳብ ኢትዮጵያ ሎሚ ከኣ ኣብ ትግራይ ንኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ውግኣት ኣእትዩ ኣህሊቕዎ። ኣብ’ዚ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዘይነበሮን ገለ ብጉጅለ ህግደፍ ዝዓበዱ ኤርትራዊ ወገናት ኣመላኺዖም ምኽንያታዊ ከምስልዎ ዝፈተኑን ውግኣት እቲ ጉጅለ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ህይወት ቀዚፉን ምስሊ ኤርትራ ኣበላሽዩን። ኤርትራዊ ኪኖቲ ብህግደፍ ዝንገሮ ናይ ሓሶት ምኽንያታት “ሰለምንታይ ደቀይ ኣብ ፈቐድኡ ይጠፍኡ?” ኢሉ ካብ ምሕታት ዓዲ ኣይወዓለን። እንተኾነ ነቲ ጉጅለ ብዝውጥር ደረጃ፥ ናይ ሕቶኡ መልሲ ክረክብ ኣይደፈአን። ነቲ ጉጅለ ከኣ እዚ’ዩ ኣሻዲንዎ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ስለምንታይ ናብ ውግእ ትግራይ ከም ዝኣተወ፡ ብመንጽር ኤርትራዊ ረብሓ መሚኻ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከም ዘየብሉ ብሩህ እዩ። ብመንጽር እቲ ጉጅለ ዝበሎ’ውን ካብ ህልኽ፡ ቅርሕንቲ፡ ቅንእን ኣብ ህውከት ናይ ምንባር ወልፍን ወጻኢ ኣይኮነን። እቲ ንኢድ ኣእታውነቱ ንምምልኻዕ ምስ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትሕሓዙ ዝግበር ሃቐነ’ውን መስመሩን ኣገባቡን ዝሰሓተ እዩ። ሰማይ ንሃገርኩምሲ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ” ዝጭረሖኡ መራሒ እየ በሃላይስ ተሓላቒ ዶብን ልኡላውንትን ክኸውን ዘይመስል እዩ። ብዓብይኡ ጸረ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑኸ ተዘንጊዑ ማለት ድዩ። ምናልባት እቲ ግብራዊ ምኽንያቱ ናይቲ ናብ ውግእ ትግራይ ምውፋሩ፡  ከምቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ በዓል ዕጥሩን ዝነገሩና ዝምታ ንብረትን ምዕናው ትካላትን ትግራይ  ነይሩ ክኸውን ይኽእል።

እቲ ኢድ ኣእታውነት ብልቦናን ሓላፍነትን፡ ንጉጅለ ህግደፍን ንህዝቢ ኤርትራን ፈላሊኻ ብምርኣይን “ዝገበረኒ ክገብርስ ዓዲ ነየጋብር” ንዝብል ብምስትውዓል እንተዘይተራእዩ፡ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሃሳዪ ከም ዝኸውን ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ንካለኦት እውን ብሩህ እዩ። እቲ ሎሚ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እምበኣር፡ እዚ ጽሉል ጉጅለ ብዓንተብኡ ብሓያል ናይ ህዝቢ ዓቕሚ ተገኒሑ እንተዝኸውን ሎሚዶ ኣብዚ መበጸሐ ዝብል እዩ። ንመጻኢ እውን ነቲ ሰዲህኤ ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ፡ “…… ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።” ኢሉ ዝኣወጆ ብምስትብሃል፡  ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ “ጎንደር ኬድክን እንታይ ኣምጻክን” ዝበሃል፡ ነቲ ጉጅለ “ኣበይ ኣለዉ ደቅና” ክብሎ ክተብዕ ንምሕጸኖ።

Last modified on Friday, 02 July 2021 23:44