እቲ መፍትሒ ደኣ እሞ እንታይ’ዩ?

2021-06-27 06:56:47 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1202 times

ህዝቢ ኤርትራ “እቲ መፍትሒ ደኣ እሞ እንታይ’ዩ? ምስ ዝብል ዘይተመለሰ ሕቶ ካብ ዝነብር፣ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ’ሎ። ሎሚ እውን ጋና ካብዚ ብሂልዚ ወጺኡ፡ ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ረኺቡ ኣደልዲሉ  ክስጉም ዝተርፎ ዋኒን ኣለዎ። እዚ ሕቶዚ ክፍታሕ እንዳተገበኦ እንከሎ፥ ዘይተፈትሐ ግድል ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ከምቲ “ዝጸገመ ነገር ንብጻይካ ንገር” ዝበሃል ከኣ፡ ኤርትራዊ ብዛዕባቲ ዘይተፈትሐ ግድል ሃገሩን ህዝቡን፤ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ተራኺቡ ክዝትን ክዕልልን እንከሎ  ዝለዓል እዩ።  ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍካ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ፡ እናገደደ ክመጽእ ዝጸንሐ ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያን፡ ገሊኡ ግላዊ፣ ገሊኡ ከኣ ናይ ሓባርና ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ እንዳኹሉ ዘሎ ግላዊ ወይ ስድራቤታዊ ጸገማት ኣዝዩ ሰፊሕን ብቐሊሉ ሓንቢስካ ዘይትውጻእ ባሕርን ስለ ዝኾነ፡ ምዝርዛሩ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ናብቲ ከም ኤርትራውያን ናይ ሓባርና ዝኾነ ብደሆታት ከነተኩር ተመራጺ ኣተሓሕዛ እዩ።

እቲ ናይ ሓባርና ጸገም እውን፡ ነዊሕ ሱር ዝሰደደን ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽን ንምፍታሑ በዳህን እዩ። ስለዚ እቲ ንጠቕሶ ንኣብነት ዝኣክል እምበር፡ ብምልኡ ንምዝርዛር ኣይኮነን። ህዝቢ ኢርትራ ሎሚ፡ ብዘይ ሕግን መንግስታዊ ትካላትን ክምሓደር። ቆጽሊ ብዘየውደቐሉ ኢደወነናዊ ዲክታቶር ክግዛእ። መሰረታዊ መሰላቱ ምሉእ ብምሉእ ክገህስ። ናይ ሕሳብካ ምግላጽን ምውዳብን መሰሉ ክምንዛዕ። ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ከይቀርብን ነብሱ ዘይከላኸልን። ምስ ፈጣሪኡ የራኽበኒ ኢሉ ዝኣመነሉ ሃይማኖት ከይክተል። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ቀኖናዊ ሕጊ ወጻኢ መራሕቲ ሃይማኖት ክመርጸጸ። ኣብ ሃገሩ ሰሪሑ ናይ ምንባርን ተጠቃሚ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ሃገሩን ከይከውን። መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ተማሂሩን ስድራ መስሪቱን ሓቀኛ ተካኢ ወለዶ ኣብ ክንድዚ ዝኸውን ክስደድ ኣብ ዝተቐሰበሉ። …… ወዘተ መግለጺ ሕሰም ኣብ ዝተሸኸልሉ ህሞት እዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ ክሳብ ክንደይ ሱር ዝሰደዱን ዘይተፈትሑ ብዙሓትን ግድላት ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ከም ዘለዉ መስካሪ እዩ።

ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ከምዚ ዝተገለጸ ጸበባ ከም ዝኣተዉ፡ ኣብ ምቕባልን ምእማንን ኣብ ሕድሕድና ኤርትራውያን ፍልልይ ነይሩ እዩ። ገለ ወገናት ንኩነታት ኤርትራ ኣብ ክንዲ በቲ ባዕሉ ዝዛረብ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ፡ በቲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዘየለ ኩነት ነቒሉ ወይ ነቲ ሓቂ ጠማዚዙ ዝብሎ ነቒሎም “ጽቡቕ ኣለና” ዝብሉ ነይሮም። ገለ ከኣ ከምቲ  “ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑሎኣ እንከላ እፈልጣ” ዝበሃል፡ ንኣካይዳ ህግደፍ ካብ ንግሆኡ ተዓዚቦምን  ካብቲ ዝበሃል ዘይኮነ፡ ካብቲ ዝድህሰስ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ማዕጾ ዝኩሕኩሕን ሓቂ ነቒሎም “ኣብ ህጹጽ መፍትሒ ዘድልዮ ሕማቕ ኩነታት ኢና ዘለና”  ክብሉ ጸኒሖም። ድሕሪ ዝተወሰነ ግና እቲ ዘይነበረ ግና ዝድረፈሉ ዝነበረ “ናይ ህግደፍ “ጽቡቕ ኣለና” በቲ ዝረአን ዝድህሰስን ወጻዒ ተግባራቱ ተቓሊዑ፡ ህግደፍ ኣብ ጐልጐል ዝወግሖ ዝብኢ ኮይኑ። ሎሚ ኣብ ኣረዳድእ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ጃላነት ግዜ ሓሉፉ፡ ኣይኮነንዶ ህዝቢ ኤርትራ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ተርዲእዎ፡ ወጽዓ ህግደፍ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ናይ ሕማቕን ጭካነን ኣብነት ምዃኑ ተገንዚብዎ እዩ። ካብቶም እንተ ንሱ ሓቂ ኮይኑ ተራእይዎም፡ ወይ ብመርዛም ስብከቱ ተደናጊሩም፡ ንህግደፍ ዝድግፉ ዝነበሩ ብዘይካብ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ዝዓበዱ፡ ካብታ “ኣንታ ንበረልና ጥራይ” ዝዝምሩላ  ዝነበሩ ባቡር ተራጊፎም፡ ንቡር ቦታኦም ኣብ ዝሓዝሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና። ብኸምዚ ደርጃ ጸገምካ ተርዲእካ ህዝባዊ መስርዕካ ምሓዝ ሓደ ስጉምቲ  ንቕድሚት ንዓወት እዩ።  ናብ ምፍታሕ ጸገምካ ክትበጽሕ ግና ድሕሪዚ እውን ክኽየድ ዝግበኦ ወሳኒ ርሕቀት ከም ዘሎ  ምስትውዓል ግደን’ዩ።

ሎሚኳ ጉጀለ ህግደፍ ባዕሉ’ውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ቀሪቡ፡ “ጽቡቕ ኣለና” ናይ ምባል ሞራሉ ኣዝዩ ኣብ ዝጐደለሉ ደረጃ ኢና እንርከብ። ብኣንጻሩ ኣምጺእዎ ዘሎ ቅዲ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ  ዘይሕባእ  ጸገማት  ይቕበሎ’ሞ፡ እቲ ፍታሕ ከምጽእ ዝግበኦ ንሱ ክነሱ ተገልቢጡ “ሓታታይ ኮይኑ ናይ ምቕራብ” ስልቲ ይኽተል። ንኣብነት “ማይ፡ ኤልትሪክን ካልእ ቀረባትን ካበይ ይምጻእ?” ኢሉ ይሓትት።  እቲ ካልእ መደናገሪ ስልቲ ከኣ ንኤርትራ ምስ ካብኣ ዝሓሻ ዘይኮነ፡ ምስ ብሰንኪ ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ መራሕተን  ካብኣ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ዝርከባ ሃገራት እናወዳደረ፡ “ኣብ ሰላም ኢና ዘለና”  እናበለ ከደዓዕስ ይፍትን። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ከም ኣብ ዒራቕ፡ የመን፡ ሶርያን ሊቢያን ቀጻሊ ተኹሲ ስለ ዘይስማዕ ንኤርትራ ከም ደሴት ሰላም ጌርካ ብምቕራብ ንትርጉም “ሰላም” ዘይመልክዑ የትሕዝ። እንኮ መዕቀኒ ሰላም ብጥሪኡ ተኹሲ ዘይምህላው ጌርካ ምውሳድ ክሕበኣሉ ካብ ዝፍትኖ እዩ። ንምስዋር፡ ምጭዋይን ብዘይፍርዲ  ምቕታልን ዜጋታት እውን ናይ ሰላም መግለጺ ምዃኑ ኣምሲልካ ከተቕርብ ከም ምህቃን ማለት’ዩ።

ድሕሪ ኤርትራ ብኣዝዩ ብዙሕ ጸገማት ተወጢራ ኣብ ቀረና መንግዲ ምህላዋ ምርዳእ ዝመጽእ “መዋጸኦ ሃሰስ ምባል” ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ኤርትራውያን   “እሞ እቲ መፍትሒ ደኣ እንታይ’ዩ?” ኢልና ብቐጻሊ ክንሓትት ንግደድ ዘለና። እዚ ሕቶዚ ናይ ግድን ክምለስ ከም ዝግበኦ ናይ  ኩልና ኤርትራውያን ተረድኦ እዩ። ኣብ ዝርዝር እቲ መልስታትን ናይ ኣመላልሳኡ ኣገባባትን ግና ፍልልያት ይረአ። ገለ ወገናት ነቲ “ኳሕኩሕ እሞ ክኸፍተካ እየ” ዝብል ቅዱስ ኣበሃህላ ዘንጊዖም፡ ጉዳይና ግዜ ዝፈትሖ እዩ ኢልካ ምጽባይ ዝመርጹ ኣለዉ። ገለ ወገናት ከኣ እቲ እንኮ መዋጸኦ ንህግደፍ ሓቢርካ ተቓሊስካ ምውጋድ ምዃኑ ይቕበሉ። እንተኾነ እዚ ኣገባብን ምርጫን እዚ ተፈቲኑ ከም ዘይተዓወተ ወሲዶም፡ ተስፋ ቆሪጾም ጠጠው ዝብሉ ኣይሰኣኑን። በቲ ኮነ በዚ ግና፡ ናይቲ “እቲ መፍትሒ ደኣ እሞ እንታይዩ?”  ዝብል ሕቶ መልሲ ብዘየማትእ ንጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስካ ምስዓር እዩ። እዚ ክሳብ ሕጂ ናይ ዘይምዕዋቱ ምስጢር ከኣ እቲ መዋጸኦ ንሱ ስለ ዘይኮነ፡ ዘይኮነስ ኣብ ኣተገባብራኡ ዝጐደሎ ከም ዘሎ ምርዳእን ነቲ ዝጐደለ ምምላእን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ንሓቢርካ ክትቃለስ ምብቃዕ ግቡእ ትኹረት ምሃብ ከኣ ዘይስገር እዩ።

Last modified on Sunday, 27 June 2021 09:05