ካብ ትግራይ፡ ናይ ዘይምውጽኡ ምኽንያት

2021-06-01 07:01:38 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1092 times

ጉጀለ ህግደፍ ካብ ዝግለጸሎም ብዙሓት መምዘኒታት፡ ካብ ኤርትራዊ ጉዳይ ንምሕባእ ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ምእታው ሓደ እዩ። እቲ ናይ ቅድም ነዊሕ ግጉይ ተመኩሮታቱ ገዲፍካ፡ እቲ ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያዊ መራሒ ሰልፊ ብልጽግና ዝምድና ክገብር እንከሎ፡  “ጸወታ ወያነ ደጊም ተወዲኡ” ዝበሎ ናይዚ ቀረባ ግዜ ናይ ኢድ ኣእታውነቱ  ህያው ኣብነት’ዩ።

ኣብ መንጎቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክሕቆን እንከሎ ጉጅለ ህግዲፍ ኣካሉ ከም ዝነበረ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ክሕቆን ዝጸንሕ፡ ብ4 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ውግእ ዓሪጉ። እቲ ካብ ቅድሙ ክሕንሕን ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ  ኣካልዚ ውግእ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደሉን። ከም ናይ መጀመርያ ኢድ ኣእታውነቱ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ክዓጥቕን ክሰንቕን እቲ ኣፍደገ ጋሕ ኢሉ ተኸፍተሉ። ንኹሉ ትሕተ-ቅርጻዊ መሳለጥያታት ኤርትራ ክጥቀም ከኣ ምሉእ ዘይጐደሎ ዕድል ተዋሂብዎ። እዚ ከምቲ ብንጹር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብወግዒ ኣብ ቅድሚ ፓርላማኡ “ኤርትራ እንተዘይትህልወናስ እንታይ መኾንና?”  ዝበልዎ እምበር ብወረወረ ዝዝረብን ዝጸሓፍን ኣይኮነን።

እቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ንዝተወሰነ ግዜ ምስ ቀጸለ፡ እቲ ኣብ ተዳሎ ዝጸንሐ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብምሉእ ዓቕሙ ኣትዩ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ተሰሊፉ።  ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ ናይ “ፈጺምካ ኣሉ” ባህሉ፡ ህልውናኡ ኣብቲ ውግእ ክፍለጠሉ ኣይደለየን። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገለ ኣካላት እቲ ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ደንጽይዎም፡ ክሓብእዎ እንከልዉ፡ ነቲ ጉዳይ ሕልናኦም ዘይተቐበሎ ወገናት ግና ክእመኑ ተገዲዶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብወገኖም ንዝተወሰነ ግዜ ከመኻንዩ ምስ ጸንሑ፡ ደሓር ግና “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይኒ ኣይተሓብእን” ኮይንዎም ተኣሚኖም። ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታት ከኣ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ውግእ ክወጽእ ምዃኑ ኣውጆም። ኢሳያስ ግና እቲ ኣበሃህላ ዘኾረዮ ብዝመስል ድምጹ ኣየስመዐን።

ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ዝተፈላለዩ ወገናት ተቓዊመሞ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዓንተውኡ፣ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ ነቲ ኩነታት ኣብ ዝመዘነሉ “ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ። እዚ ሰራዊት እዚ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡  እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር ይጽውዕ” ብዝብል ስምዕታኡ ኣስፈረ።

እዚ ንሰራዊት ጥራይ ዘይግደፍ ምዃኑ ብምርዳእን  ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዘይስገር ምዃኑ ብምግንዛብን  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣስዒቡ፡ “ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።” ዝበሎ ምስትብሃል’ውን ኣድላይን ኣገዳስን እዩ። ሰዲህኤ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጥራይ ኣይኮነን ዓገብ ኢሉ። ብዓብይኡ መፍትሒ ናይቲ ሎሚ ሰማይ ዓሩጉ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝምልከት እውን “ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።”  እውን ኢሉ እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ፡ ዝፍጽሞ ተግባራት ሓደገኛ ከም ዝኸውን ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፡ ሰዲህኤ “.......... ነዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ጉልባብ ጌርካ ዝዝመት ንብረት ህዝቢ ምስ ዝህሉ ብገበን ዘሕትትን ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንብረት ናብ ዋንኡ ክምለስ ስለ ዝግባእን፤ ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝዀነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ  ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።”  ከኣ ኢሉ።

ኣብዚ እዋንዚ እዚ ጉዳይ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነቲ ሰዲህኤ ኣቐዲሙ ዘጠንቀቖ  ክብደት ወሲኹ ኣቕሪብዎስ እነሆ ኣዛራቢ ኮይኑ። እዚ ነቶም ሓድሽ ዝኾኖም ደኣ ይሕደሶ እምበር፡ ሰዲህኤስ  ኣቐዲሙ ዝኣመቶ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ እቲ ካልእስ ይጽናሕ እሞ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  ዘይተነግረ እምበር  ዘይፈጸሞ ገበን የለን። እዚ ሎሚ ኣብ ትግራይ ይፍጽሞ ኣሎ ዝበሃል ከኣ ካብኡ መሊኡ ዝፈሰሰ’ዩ። እንተኾነ እቲ ገዛ ዓጽዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበናት ከምቲ ክብደቱ ሰማዒ እዝኒ ከይረኸበ’ዩ ጸኒሑ። ጉጅለ ህግደፍ ከኣ “ኩሉ ግዜ ፋሲካ” መሲልዎ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ ከይተወዓውዐ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ስርሑ ሰሪሑ ክወጽእ ኢሉ እዩ ኣትዩ። እንተኾነ ውግእ ብናቱ መንገዲ እምበር ብናይ ተዋሳእቱ ድሌት ስለ ዘይውሰን፡ እነሆ ንሓጺር ግዜ ምስ ኣተወ፡  ካብቲ ባዕሉ ዝተሸኽሎ ኣይወጸን። ዓንዳሪ ተግባራቱ ኣብ ዓይኒ ሓያላት ኣትዩ ከኣ “ካብ ትግራይ ውጻእ፡ ኣብኡ ንዝፈጸምካዮ ገበናት ከኣ ተሓታቲ ኢኻ” ዝብል ደወል ድቃስ ከሊእዎ ኣሎ። እንተኾነ ከምቲ “በዚኣ እንተኸድሙ መርዓዊ ይሞተኩም፡ በቲኣ እንተኬድኩም ከኣ ሕጊ ይጠፍኣኩም” ዝበሃል ኮይንዎ፡ ኣየናይ ከም ዝመርጽ ጠፊእዎ የዕነኒ ኣሎ።

ደገፍቲ ህግደፍ፡ ቅድም ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣይኣተወን ክብሉ ፈቲኖም።  ተግባር ምስ ሰዓረ ግና ክእመኑ ተቐሲቦም። ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ትግራይ “ንጹሃት ይቐትልን ይደፍርን፡ ንብረት የዕኑን ይዘምትን ኣሎ” ምስ ተባህለ ከኣ ኣዕለቢጦም። እንተኾነ፡ ቅድም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ  ብዛዕባ ምዝማት ንብረት ክዛረቡ እንከለዉ ዝተጠልፈ ዘሕፍር ተግባሮም ተቓሊዑ። ነዚ ኣብቲ ውግእ ዝተማረኹ እውን ኣራጒደምዎ። ብዘይካዚ ናይቲ ህግደፍ “ናተይን መኻይደይን” ዝብሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ብዘካየዶ መጽናዕቲ “ኣብ ትግራይ 110 ሲቪል ንጹሃት ብሰራዊት ኤርትራ ተቐቲሎም” ዝብል ምስክርነቱ ሂቡ። ድሕሪዚ ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦሞ፡ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል ደገፍቲ ህግደፍ እውን ነቲ ክዉን ክርዕምዎ ክግዱዳት እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ህይወት ኣሸሓት ኤርትራውያን የህልቕ ከም ዘሎ ዕሸል ኤርትራውያን ግዳያት ይምስክሩ ኣለዉ። እንተኾነ፡ ከምቲ “ንነዊት ጨነቖ፡ በቲ ዕርፊ ጠወቖ፡ በቲ ከኣ ኣርዑት ሓነቖ” ዝበሃል፡  ሓርቢትዎ ኣሎ። ኣብ ትግራይ እንተቐጸለ ክሳርኡ ክዛይድ እዩ። እንተወጸ እውን እንታይ ከም ዝስዕቦ ኣይፈልጥ እዩ። ስለዚ ካብ ትግራይ ናይ ዘይምውጻእ ምኽንያቱ  እዚ ምክሕሓድ’ውን ዘንጸላልዎ ዝመስል ኩነት እዩ።

Last modified on Tuesday, 01 June 2021 09:19