“ተመሊስካ እትረድኦ፡ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ”

2021-05-09 07:56:37 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1863 times

ኤርትራውያን፡ ብዘይካ ቁንጣሮ ሰዓብቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ዕማም ማዕረ እዩ ዝብጸሖም። እቲ ድሌት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ናብዚ ዘይተርፍ ዓወት ንምብጻሕ ዝኽፈል ናይ ቃልሲ ዋጋ እውን ብኹሎም ዝኽፈል እምበር፡ ሓደ ከፋላይ እቲ ካልእ ተዓዛባይ ዝኾነሉ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ነዚ ክበቕዑ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ  ረጊጽዎ እንዳ ሓለፈ ዘይኮነ፡ ከምቲ  “ተመሊስካ እትረድኦ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ እንዳተደጋገፉን እንዳተመላልኡን ዝካየድ መስርሕ እምበር፡ ብምንጽጻግ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ብግብሪኸ ከምኡዶ ንመላላእን ንተሓላለን  ኣለናን ወይስ ኣይፋልናን ዝብል  ወትሩ ብጽሞና ክንሓስበሉ ዝግበና እዩ።

መንቀሊ ኮነ ሸቶ ቃልስና ሓደ እዩ። ንሱ ከኣ “ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ ሕገመንግስታዊ፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ  ስርዓት ምውሓስ”  እዩ። እቲ ዘራኽበና ክሳብ ክንድዚ ዓሚቕን ብሩህን እንዳሃለወ፡ ብዙሓት ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ትካላት ሚድያን ክንከውን እንከለና ዘየገርም ኣይኮነን። ተረሓሒቕና ዘይንረሓሓቕ ኮይና ከነብቅዕ ብሕማቕ ዓይኒ ክንጠማመትን ብናይ ሓሳብ ደናጉላ ክንኮራረብን እንከለና ከኣ ኣዝዩ ዘስደምም እዩ። እቲ ቀንዲ ፍልልይና ኣብ ዙርያቲ ናብቲ ናይ ሓባርና ሸቶና ንምብጻሕ እንኽተሎ ኣተሓሳስባ እዩ እምበር፡ “ምምሕዳር ህግደፍ ክውገድ’ሞ ብህዝባዊ ዲሞክራሲ ክትካእ”  ዝብል መትከልስ ናይ ሓባርና እዩ። እቲ ምብዛሕ ናይ ውዳበታትናን ትካላትናን መሰልን ምርጫን ናይቶም ተዋሳእቱ ስለ ዝኾነ “ኣእዳው ጠዊኻ እተውሕዶ ወይ እተብዘሖ” ኣይኮነን። ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣኽቢርካን ኣመሓዲርካን፡ ኣብቲ እትሰማመዓሉ ዘራኽበካ ሰፊሕ መድረኽ ምግባሩ  ዘይስገር እዩ። ብመሰረቱ እውን ማእከላይ ነጥቢ ናይቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማምን ብደሆን እዩ።

ብሰንኪ ብሓባር ክንቃለስ ዘይምብቃዕና ዝኣትወና ሓደገኛ ንፋስ ንኣድማዒ ዓቕምና ዘዳኽም ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ሓደገኛ  ናይ ሓባር  ጸላኢና ንክበታትነና እውን ዕድል ዝህብ እዩ። ስለዚ ተኸኣኢልካን ተጸዋኢርካን ዝኽየደሉ መንገዲ ክንረክብ ክንጽዕር እንከለና፡ እንተዘይበቒዕናዮ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና ንውስን ከም ዘለና ክንርዳእ ይግበኣና። ካብዚ ንምድሓን፡ ነቲ “ተመሊስካ ንእትረድኦ፡ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝብል ምስላ እንተላይ ነቲ ረቂቕ ምስጢራዊ ትርጉሙ ከነስተውዕለሉ ይግበኣና። ዝያዳ ኣዕሚቚና እንተሓሲብናሉ እምበኣር “ኣነ ብዘይበኣኻ፡ ንስኻ ብዘይበኣይ ኣይከንድምዕን ኢና እሞ ኣይንረሓሓቕ” ዝብል ዓሚቕ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ።

እቲ ብዙሓት ውዳበታት ክንከው ዘብቀዓና፡ መበገሲናን መዓርፎናን ሓደ ክነሱ፡ ኣብቲ ጉዕዞ ነናትና መዋጸኦ ኢልና ንኣምነሉ ኣተሓሳስባ ምሓዝና እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትዚ ምናልባት ብዘይድሌትና  ተባዚሑ ይኸውን። እንተኾነ “ሰብ ኣይውሓድ ምስ ድራሩ” ከም ዝበሃል፡ ነቲ ብዙሕነት  ኣሳኒና፡ ንኹልና ዘማእዝን ሓቛፊ ባይታ ኣማዕቢልና፡ ነቲ ምንጽጻግን ምርሕሓቕን ናብ ተስፋን ምቅርራብን ከነማዕብሎ ግደታና እዩ። ብመሰረቱ  እውን ነዚ ክንገብር ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ብቕዓትና ዝምዘነሉ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ኩለ-መዳያት ብዙሕነት ዝጸውር ትዕግስትን ሓላፍነትን ዘየብሉ ጉጅለ ህግደፍ ብመሰረቱ ዝተፈለና ምዃና ጸብለልታ እነመዝግበሉ’ውን እዩ። ናብዚ ክንበጽሕ ከኣ “እንኽእሎ እዩ” ዝብል ኒሕን ሓቦን እምበር “ድሕሪ ሕጂ ምስ እገለ ሓቢርካ ምቅላስ ኣይከኣልን  እዩ” ብዘስምዕ ዝዓረበ ሕልናን ተስፋን ክኸውን ኣይገበኦን።

ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ብዓይኒ ክዕረቕ ዘይክእል ጽልእን ምንጽጻግን ክንርደኦ ኣይግባእን። ብዓይኒ ጽልኢ ምርእኣይ ቅድሚ ሕጂ ብብዙሓት ተፈቲኑ ዘየዐወተ ምርጫ እዩ። ኣብነት ክኾነና፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣዕራብ ይጸልአን’ዩ ብዝብል ዝንቡዕ ሕሳብ፡ ንሰውራ ኤርትራ “ናይ ኣዕራብ መሳርሒ እዩ” ኢሉ ብህዝቢ ከጽልኦ ፈቲኑ። ጉጅለ ህግደፍ “5ይ መስርዕ” ብዝብል ሕንጉጉ ሰኒዑን ምስ ህዝቢ ኣጻሊኡን፡ ንሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ምስዚ ኣጐዝጊዙ ብህዝቢ ከጽልኦን ከብርሶን ብዙሕ ፈቲኑ። ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ወያነ  ተጻሊኡ እዩ ብዝብል፡  ንሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ምስ ወያነ ደሪቡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክንጽሎ ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን። 

ሎሚ ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ እሞ ኣብ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ከባቢናን ጽልዋ ምስ ኣሕደረ ከኣ፡  እቲ ግጉይ ኣስማት እናለጠፍካ ምውቃዕን ምጽላምን ዝልማዱ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ በቲ ዝለመዶ ይቕጽል ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ደንበ ተቓውሞና እውን እቲ ምውቕቓዕን ምጽልላምን፡ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ርኢኢቶ ንዝወነነ ኣካል ጁንታዶ ብልጽግና ብዝብሉ ቃላት ተሰንዩ ይቀላቐል ኣሎ። ብልጽግና ወይ ጁንታ ከይኮንካኸ፡ ከም ኤርትራዊ ረብሓ ሃገርካን ህዝብኻን ኣቐዲምካዶ፤ ናትካ ርትዓዊ መርግጽ ምሓዝ  ዘይከኣል ኣይኮነን። መሰል እውን እዩ። እቶም ብግጉይ  ኣስማት እንዳኣጠመቑ  ኣብ ጸለመ ተዋፊሮም ዘለዉ ንረብሓ መን ከምኡ  ይገብሩ ከም ዘለዉ  እንድዒ። ስለዚ እቲ ኣስማት እንዳውጻእካ ምጽላም፡ ካብ “ቅድም ንነብስኻ ምርኣይ” ንምህዳም ዝመሃዝ መመሳመሲ እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ግና ከምቲ ሰውራና ናይ ኤርትራ እምበር ናይ ኣዕራብ ከምዘይኮነ ብግብሪ ዝተራእየ፡ እቲ ካለኦት ጸለምታት እውን ኩነታት እንዳኣነጸሮ ሓቀኛ መልክዑን መንነቱን ካብ ምሓዝ ዝዓግቶ ከም ዘየለ ምርዳእ የድሊ።

Last modified on Sunday, 09 May 2021 09:59