“ባህ ክብላ ልባ፡ ጽብሓላ ዱባ” ምዃኑ ድዩ፥

2021-04-01 08:13:19 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1329 times

ብሓፈሻ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየደ ዘሎ፡ ኣብቲ መጀመርያ “ምኽባር ሕጊ” ተባሂሉ ዝነበረ ሎሚ ግና ዲቕ ዝበለ ውግእ ምዃኑ ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ ምዕባለ ዓብይ ናይ ዓለምና ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራ ከኣ ጐረቤት ትግራይ ስለ ዝኾነት ጥራይ ዘይኮነ ብሰንኪ ህግደፍ ደቃ ኣብቲ ውግእ ተነቊቶም  ስለ ዘለዉ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክለዓል እንከሎ፡ ስማ ብሕማቕ ዝለዓል ኮይና ኣላ።

ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ተኸቲሉ፡ ብዙሓት ኣብ ምምላሶም ኣብ ኤርትራውያን ፍልልይ ዝፈጠሩ ሕቶታት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም። “ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣትዩዶ ኣይኣተወን?፡ እንተ ኣትዩኸ ኣብቲ ብኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ዝተፈርደ ቦታት ጥራይ ድዩ ተደሪቱ  ወይ ናብቲ ዘየሰሓሕብ መሬት ትግራይ እውን ኣሳፊሑ እዩ?፡ ምስ ኣተወኸ፡  ምስ ምጥሓስ ሰብኣውነት ዝተተሓሓዘ ገበናት ፈጺሙ ዶ ኣይፋሉን?“ ዝብሉ ካብቶም ክለዓሉ ዝጸንሑ ሕቶታት እዮም።

ኣብዚ እቲ ውግእ 5ይ ወርሑ ሒዝሉ ዘሎ እዋን  ከምቲ “ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ይፈኩስ” ዝበሃል እቲ ምስምስ እንዳበነነ፡ እቲ ክዉን ሓቂ ተጋሂዱ እዩ። ንተግባራት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ከም ዘለዎ ምርዳእ፡ ሓቂ ሓቢኦም ከጸባብቕሉ ዝፈተኑ ወገናት ኣብ መልሓሶም ዝሓይክሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ካብ ቅድሙ’ውን  ንምዕጥጣይን ክፍቶ በሃልነትን እንተዘይኮይኑ፡ ድሕሪ ኢሳያስ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና ስለ ዝኾነ ስቕ ኢልና እንርእዮ ዘይኮነ ዓቕምና እነበርክተሉ’ዩ” ምባሉ፡ ንኽትሓብኣሉ ኢልካስ ዕባራ ምኽንያታት ምቕራብ’ውን ኣይመድለየን። ከምቲ “ካብ ጳጳስ ንላዕሊ ካቶሊክ የለን” ዝበሃል፡ ካብ ኢሳያስ ንላዕሊ ህግደፍ ክትከውን ሃንደፍደፍ ምባል ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ነስተውዕል ካብ ቅድም’ውን ኢሳያስ “ጉዳይ ብፍርዲ ዝተበየነልና መሬት  ኤርትራ የገድሰና’ዩ” ኣይኮነን ኢሉ። ንጉዳይ ዶብ እሞ “ንእሽቶይ ጉዳይ እዩ” ካብ ዝብሎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብመሰረቱ ናይቲ ካብ ቅድም ጀሚሩ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ውግእ ጠንቂ’ውን ዶብ ኣይነበረን። ኮታ ንኢሳያስ  ዘገደሶስ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብዓባያን ስልጣኑን እዩ።

ሎሚ “ዋላ ትንፈር እምበር፡ ጤል እያ” ንምባል እንተዘይኮይኑ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታዉ ተረጋጊጹ እዩ። ኣብ ወሰናስ ዘይኮነ ከኣ ኣብ ማእከል ትግራይን ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ዘዳውብ ከባብታትን ከይተረፈ ይዋጋእ ከም ዘሎ ዘይሕባእ ሓቂ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ካብ ዶብ ርሒቑ ናብ ትግራይ ኣዕሚቑ ዝኣቱ ቦታታት ኣድያቦን ኢሮብን ናይ ኤርትራ መንነት ይዕድል ከም ዘሎ እውን ናብ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ደዊልካ ምርግጋጽ ኣብ ዝከኣለሉ ግዜ ኢና ዘለና። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ፡ “ህይወት ንጹሃት ይቐዝፍ፡ ንብረት መንግስቲ ክልል ትግራይን ውልቀ-ሰባትን ይራሲ፡ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት የዕኑን ይዝርፍን ኣሎ” ብዝብል ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን ዘይሻራዊ ትካላትን ዘዕለቕልቕ ዘሎ ሓበሬታታት’ውን፡ ካብ ክትነጽጎ ክትቅበሎ ናብ ዝቐለለ  ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ብብዙሓት ወገናት ዝምዘን  ዘሎ እዩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ እውን ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ከቢድ ገበን ከም ዝወዓሎ’ዩ  ኣጻርዩ። ገለ ወገናት “ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኤርትራዊ ባህሊ ኣይኮነን” ብዝብል መከራኸሪ ምኽንያት፡ ነቲ ህግደፍ ንጥፍኣት ዝለኣኾ ሰራዊት ክከላኸልሉ ይስምዑ እዮም። ብመሰረቱ ምስ ህግደፍን መጨቆኒ ትካላቱን ዘባእሰናስ፡ ካብ ኤርትራዊ ባህልን ድሌትን ወጻኢ ብምኻዶም ኣይኮነን ድዩ። ነዞም ከምዚ ዓይነት መህደሚ ክፈጥሩ ዝደልዩ፡ “ዘይኣነስ ኣይትበከ እዩ ዘብክየኒ ዘሎ” ጥራይ ኢና እንብሎም።

ኤርትራውያን ምናልባት ደኣ ግዜኡን ደረጃኡን ይፈላለይ ይኸውን እምበር፡ በዚ ሕጂ ንህዝቢ ትግራይ ዘጋጥሞ ዘሎ በደላት ዝሓለፍና ህዝቢ ኢና። ንመሰል ርእሰ-ውሳነና ስለ ዝተቓለስና፡ እቲ ናይ ዓውዲ ውግኣት ግጥማት ሳዕቤን ገዲፍካ፡ መግዛእታዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ሰላማዊ ህዝብና ቀቲሎም፡ ዓድታት ኣንዲዶም፡ ናይ እምነት ትካላትና ኣፍሪሶም፡ ኣብያተ- ትምህርትን ሕክምናን ምስ  መሳርሕኡ ዘሚቶምን ኣንዲዶምን፡ ቁጠባዊ ትካላትን ፋብሪካታትን ፈታቲሖም ወሲዶም። እዚ ምስዚ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ዝመሳሰል ናይ ቀረባ ግዜ ዛንታና እዩ። ኤርትራውያን ነዚ ተግባራት ወረርቲ ሓንጐፋይ ኢልና ኣይተቐበልናዮን። በዚ ፈሪሕና ካብ ቃልስና ኣይበኾርናን። እኳ ደኣ ተቓሊስና ስዒርናዮም። ድሕሪ ሕጂ ከምዚ ዓይነት በደል ከየጋጥመና ከኣ ወትሩ ድሉዋት ክንከውን ይግበኣና። ካብዚ ነቒልና ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ዝፍጸም ዘሎ በደል ክንቃወሞ ጥራይ ዘይኮነ ክንቃለሶ እውን ሞራላዊ ግደታ ኣለና። ኣብ ልዕሌኻ ክፍጸም ዘይትደልዮ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ክወርድ እንከሎ ብውሕዱ “ዓገብ” ኣብ ክንዲ ምባል “ይርከብዋ ደኣ” ምባል’ሞ ከኣ ነውሪ’ውን እዩ። ደሓር ነቲ “ጽባሕ ነዓየ” ዝብል ወረጃ ኣበሃህላ ወለድና ክንርስዖ ኣይግበኣናን። ንሕና ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታ ክንዛረብ እንከለና፡ ብጥሪኡ “ኣብ ዘይጉዳይካ ምእታው” ጌርና ክንወስዶ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ብሩህ ስለ ዝኾነ።

ንጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ግድን ካብ ኤርትራን ህዝባን ፈሊና ክንርእዮ ክንበቅዕ ኣለና። እዚ ብልቢ ክንትግብሮ ዝግበኣና እምበር፡ “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ክኸውን ኣይግበእን። ኣብዚ እንተዘየነጺርና፡ ንህግደፍ ከነቃልዖ እንከለና ንኤርትራን ህዝባን ንብድልን ንጠልምን ከምዘየለና እንተዘይተረዲእና፡ ከይተፈለጠና ኣገልገልቲ ህግደፍ ክንከውን ኢና። ኣገልገልቲ ህግደፍ እንተኮይና ከኣ ህዝብና ንጠልም ከም ዘለና ኣይንረስዕ። ንጉጅለ ህግደፍ ምስ ልኡላውነት ሃገርና ነተኣሳስር እንተሊና’ውን ኣብ ጌጋ መንገዲ ኣለና። ነዚ ንምብራህ ኣብ ካልእ ዝርዝር ከይከድና፡ እቲ ጉጅለ ጉዳይ ልኡላውነት ንመኸወሊ ዝጥቀመሉ እምበር፡ ካብ ልቡ ኣውጺእዎ ሰማይ ሰማይ ካብ ዘመዓዱ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ህግደፍ ባዕሉ ቀዲዱ ንዝደርበዮ ካባ ልኡላውነት ከነልብሶ ክንብል ህዝብና ኣይንበድል።

ጉጅለ ህግደፍ መጸዋዕታን ምሕጽንታን ህዝብና ኣይንታዩን እዩ። እኳ ደአ መንገዱ ኣንጻርቲ ህዝብና ዝመርጾ እዩ። ንናይ ሕብረተሰብ ዓለም ምሕጽንታ’ውን በቲ ንጉዳይ ህዝብና ዝርእየሉ መነጽር ክርእዮ ከም ዝጸንሐ ፍሉጥ እዩ። እነሆ’ኳ ነቲ “ሰራዊትካ ካብ ውግእ ትግራይ ኣውጽእ” ዝብል መጠንቀቕታ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ዝምልስ ጎቦጎቦ ይኸይድ ኣሎ። ከም ዘይትግብሮ’ኳ ናይ ብዙሓት ግምት እንተኾነ፡ ከምቲ “ጽብሓላ ዱባ፡ ባህ ክብላ ልባ” ዝበሃል መዳህለልን መሕብእን ወስታ ክወስድ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣብ ባይታ ኣሎ።

Last modified on Thursday, 01 April 2021 10:15