ኤርትራ ደኣ ንኻልእ’ኳ መኾነት

2021-03-23 13:02:53 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1153 times

ኤርትራ ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብውሳነ መግዛእታዊ ሓይልታት እያ እዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጽን ስፍሓትን ሒዛ። እዚ ዝኾነ ድሕሪ ጥልያን ብ1889 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኤርትራ እትበሃል ሓዳስ ግዝኣት ሒዘ ኣለኹ ኢላ ምእዋጃ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ስጥመት ሓድነቱኳ ከምቲ ድሕሪ ምውላድ ኤርትራ ከም ሃገር እንተዘይኮነ፡ ቅድሚዚ እውን ኣብዚ ኤርትራ ዝኾነ ከባቢ ነይሩ እዩ። እዚ ድሕርቲ ኤውሮጳውያን ብ1869-70 ንኣፍሪቃ ምክፍፋሎም ዝመጸ ናይ ብዙሓት ሃገራት ተመኩሮ እምበር  ንኤርትራ ጥራይ ዝምከት ኣይኮነን።

ገዛእቲ ሓይልታት ንኤርትራን ካለኦት ሃገራትን ክኽልልወን እንከለዉ ኣብ ግምት ዘእተዉዎ ብኸመይ ንምምሕዳረን ከም ዝጥዕሞም እዩ ነይሩ። ካብኡ ሓሊፉ ናይ ህዝበን ድሌት፡ መበቆልን ምትእስሳርን ኣብ ግምት ዘእተዉዎ ኣይነበረን። ክሳብቲ እዋንቲ ሓደ ዓይነት ቋንቋ፡ እምነትን ካልእ ዘመሳስልን ዝነበሮም ህዝብታት ናይ ክልተ ሰለስተ ሃገራት ዜጋታት ኮይኖምሉ ዘለዉ ከኣ ሰንኪዚ እዩ። ብሰሪ እዚ ዓይነት ኣካልላዚ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ምስሕሓባት ናይ ህዝብታት ከጋጥም ጸኒሑ እዩ። ጌና እውን ቀጻሊ ኣሎ። ንኣብነት ምስ ኤርትራውያን ዝመሳሰሉ ከም በንዓምር፡ ዓፋር፡ ትግርኛን ኩናማን ኣብ ሱዳን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ንረክብ። ድሕርቲ ዶብ ምንጻር ግና፡ “ናተይ” ዝብልወን ሃገራት ኣለወኦም። ኤርትራ እትርከበሉ ከባቢ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ተዓጢቑ ዝማዕረገ እዩ። ኤርትራ ብሳላዚ ዘለዋ ኣቀማምጣ ከኣ ተበሃግነታ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ከበሳን መታሕትን፡ ጐላጉልን ጎበታትን፡ ደጋ፡ ወይናደጋን ቆላን ትውንን። በብዓይነቱ ኣእካል ዘብቑልን ተመጣጣኒ ዝናብ ዝዘንባን ልሙዕ ሓመድን ተሃራፊ ኣቀማምጣን ኣለዋ። ካብዚ ሓሊፉ ንሕርሻ፡ ምርባሕ እንስሳን ዘኽእል ኩነታት ኣየርን እኹል ማያትን ዘለዋ ሃገር እያ። ብሓፈሻ  እዚ ኩሉ ጸጋታት፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ዝተዓጥቀቶ ኣስታት 1000 ኪሎሜተር ገማግም ባሕራ ትውንን ስለ ዝኾነት ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ናይ ማዕዶ ሓይልታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ኢትዮጵያን  መሓዙታ ሓያላት ሃገራትን ክትወድቕ ኣገዲድዋ ጸኒሑ።

ተኸታተልቲ ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ንናይ ኤርትራ ሃገርነት ብታሪኽ ኮነ ብቑጠባዊ ዓቕሚ ብቕዕትን ሕጋዊትን ክነሳ፡ ንነዊሕ ግዜ፡ እዚ ሓቂዚ ክወሓጠሎም ኣይከኣለን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኤርትራ ሃገር ክትከውን ዘብቀዓ መምዘኒ ዘማልአት እንከላ ዘራይ ናይ ግዳም ተረባሕቲ ሓይልታት ተወሲኽዎ፡ “ኣካል ኢትዮጵያ እያ” ብዝብል ንሓንሳብ ክጐብጥዋ ንሓንሳብ ከኣ ክላፈንዋ ፈቲኖም። ህዝቢ ኤርትራ ግና ነቲ ኣብ ምስምስን ሕንቅልሕንቅሊተይን ዝተመስረተ ኣፍደገ ባሕሪ ናብ ምውናን ዘፍጠጠ ናይ ኢትዮጵያ “ኣካለይ እያ” በሃልነት ስለ ዘይተቐበሎ፡ ብዙሕ ውረድ ደይብን መስዋእትን ክኸፍል ተገዲዱ እዩ። ኢትዮጵያውያን ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምቑራና የቕርብዎ ካብ ዝነበሩ ምኽንያታት ብዘይካቲ ጥምዙዝ ታሪኽ፡ “ኤርትራ ብቑጠባ ነብሳ ኣይትኽእልን እያ” ዝብል ግጉይ ሚዛን ጐሊሁ ዝተራእየ እዩ። ኣይኮነንዶ እቲ ቀደም ሎሚ እውን እዚ ሕልሚዚ ምሉእ ብምሉእ ዝተደምሰሰ ኣይኮነን። ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ዘይህዝባውን ዘይሓላፍነታውን ምሕደራ ህግደፍ ኣብ ሃገርና ሱር ሰዲዱ ዘሎ ድኽነትን ስእነትን ምስዚ ዕባራ መጐቲኦም የዛምድዎ እዮም።

ኣብቲ ሓቂ ንምምጻእ እምበኣር፡ ኤርትራ ብዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ንኣፍሪቃን ኢስያን ዘራኽብ ባሕራን ኣይኮነንዶ ንገዛእ ርእሳ ንኻልእ እውን እትኾነሉ ህርኩት ህዝብን በብዓይነቱ  ጸጋታትን ዘለዋ ሃገር እያ። ነወዳድረን እንተደ ኢልና፡ ኤርትራ ብመንጽር ታሪኽ እዚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ኣብ ምሓዝ ንኢትዮጵያ ትቕድማ እያ። ብደረጃ ሃብቲ እውን ናይ ኤርትራ ስፍሓት መሬትን ብዝሒ ህዝብን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ኣወዳዲርካ ኤርትራ ነብስኻ ናይ ምኽኣል ብልጫ ኣለዋ። እዚ ኣብ ሕርሻን እቶት ዘራእትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ትሕቲ መሬት ብዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እውን ዓቕሚ ጐዲልዋስ ካብ ኢትዮጵያ ዝምጽወተላ ኣይኮነትን። እኳ ደኣ እቲ  ሓቂ ብኣንጻሩ’ዩ ምባሉ እዩ ዝቐልል። ካብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ሃብትን ንግዳዊ ምቹእነትን እንተተወሲኽዎ ከኣ ብኣንጻሩ “ኢትዮጵያ ብዘይ ኤርትራ ጽግምቲ እያ” ምባልዩ ዝቐልል። እቲ ዘሳኒ መፍትሒ ከኣ፡  ኣህጉራውን ክልተኣውን ውዑላት ዘሰነዮ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ዝተሰረተ፡ ትካላውን ግሉጽን ዝምድናን ምትሕብባርን ምፍጣር ጥራይ እዩ።

ጠንቂ ናይቲ “ኤርትራ ነብሳ ኣይትኽእልን እያ” ዝብል ዓምጣሪ ሸፈጥ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ረኺቡ፡ ህዝባዊ ምሕደራ ዝውንነሉ ህዱእ ኩነታት ተፈጢርሉ ብጸጋታቱ ክጥቀም ዘይምኽኣሉ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ  ሕጽረ ተፈጥራዊ ሃብታ ኮነ ሕመቕ ሰብእዊ ዓቕማ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጐይታ ሃገርካን ሃብታን ናይ ምዃን ዕድልዚ ካብ ሓይልታት መግዛእቲ ኣይተጸበዮን። ብመሰረቱ ምእንቲ ናጽነቱ ዝተቓለሰ እውን እቲ ብጸጋታትካ ናይ ምጥቃም ዕድል ተቓሊስካ ዝመጽእ እምበር ለሚንካ ዝትኮበልካ ከምዘይኮነ ስለ ዝተገንዘበ እዩ። ድሕሪ ናጽነቱ ምጭባጡ ከኣ ርእሱ ኣቕኒዑ ዝኸደሉን ኣደልዲሉ ዝረግጸሉን ዕድል ጥራይ ዘይኮነ፡ ከብዱ ዝመልኣላን ዕርቃኑ ዝኸድነላን፡ ዝመሃረላን ጥዕናኡ ዝሕልወላን ኩነታት ከም ዝረክብ በዓል ምሉእ ተስፋ ነይሩ። እንተኾነ ብሰንኪ ናይ  ጉጅለ  ህግደፍ ሕድሪ ሰማእታትን ተስፋ ህሉዋትን ምጥላሙ፡ እነሆ ህዝብና “ናይ ርኹብ ስኡን” ኮይኑ ኣሎ። ነቲ ኢሳያስ ኣብዚ እዋንዚ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ጉንብሕ ጥልዕ” ዝብሎ ዘሎ “ኤርትራ ነብሳ ክኢላ ክትነብር ስለ ዘይከኣለት ኢና ናብ ኢትዮጵያ ንመጽእ ኣለና” ይብል ከም ዘሎ ገይሮም ዝወስድዎ ብዙሓት እዮም። ብሓቂ ከኣ ናይዚ ዘይርጉእ ሰብእይ ኣካይዳ ከምኡ ዘየብል ኣይኮነን። እንተ እታ እንብህጋ ኤርትራ፡ ቅስንቲ ዓዲ ቅዋምን ዲሞክራስን ኣብዝኾነትሉ እዋን፡ “ንኻልእ’ውን መኾነት።”

Last modified on Tuesday, 23 March 2021 14:05