ሕጂ እውን ወስኑ

2020-12-08 09:08:52 Written by  ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1764 times

ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባዕዲ ንናጽነትን ሓርነትን ኢሉ ን 30 ዓመታት ክኸይድ ከሎ፡ ኣብ 1975-1976 ኣቢሉ ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ ደሓር ህወሓት ኣብ ውሽጢ መሬት እየን ቓልሰን ብሓገዝ ጀብሃ ኣንጻር ደርግ ዝጀመራ።ናይ እቲ ግዜ ዝዓበየ ስፍሓት ዝርጋሔ ምንቕስቓስ  ስለዝነበራ ተሓኤ ኣብ ከባቢ ባድመ እቲ ህወሓት ክኣትውዎን ነቲ ተቐማጢ ህዝቢ ከማሕድርዎን ብምድላይ ዘይምርድዳእን ናብ ጎንጺ ዘምረሐ እዩ ነይሩ ኣብ መወዳእታ 1979።

  እዝን ካልእን ዘይምርድዳእ ዝነበሮም ምኽንያት ብምግባርን፡ እታ ኢሰያስ ዝመርሓ ህ ግንባር ነዛ ነቓዕ ብምስትብሃል ሓድሽ ዝምድና ምስ ህወሓት ዝተጀመረሉ እዩ ነይሩ። ብእኡ መሰረትዩ ኢሰያስ ከም ሜላ ነታ ባድመ ህወሓት ከመሓድርዋ ዝሃቦም። ስዒቡ እውን ብ 1985 ብመሰረት ሓበሬታ ካብ እቶም ማእከላይ መሪሕነት ህዝባዊ  ግንባር ዝነበሩ ዝበሉ ብዕሊ ባድመ ንህወሓት ከም እተዋህበት ብኢሰያስ ተገሊጹሎም። ህዝቢ ኤርትራ ነታ ግንቦት 24 1991 ናጽነቱ ክብሰር እንከሎ ፡ ግቡእ እዩ'ውን ክሕጎስ። እንተኾነ ጎደሎ ባድመ ኢና ነጻነት ዝረኸብና፡ስለምንታይ?

 እቲ መስርሕ ረፈረንዱም ተባሂሉ ንክልተ ዓመት ዝኸደ ጉዕዞ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ዕርቒቂ ፈጢርካ ሃገራዊ ሓድነት ዝፍጠር ነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ስልጣኖም ንኸደልድሉ፡ ብካልኣይ እዛ ነጻ እትኸውን ዘለ ኤርትራ በቲ ግዚያዊ ቕዋም ኢትዮጵያ ዝንደፍ ዘሎ ምርኩስ ብምግባር፡ኤርትራ ካብ ዓባይ ኢትዮጵያ ከም እትግንጸል ዘላ ብዘስምዕ ነቲ ገዛኢ ሓይሊ ኢትዮጵያ ( ህወሓት) ጉልባብ ክኾኖም ዝብል ድራማ ተኻይዱ 1993  ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ረኺባ ተባሂልና። እዚ'ኣ እውን ካልኣይቲ ጌጋ ጎደሎ ልዕላዊት መሬት ባድመ ተፈጺሙ፡ስለምንታይ?

    ኣብተን ሸውዓተ ዓመታት ዝኸደ ጉዕዞ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብዙሕ እዃ እንተ ዘይተኻየደ ሓደ ካብ'ቲ ዝልለ ምምስራት ናይ ቕዋም ኮሚሽንን መስርሑን ኣብ መወዳእታ'ውን ከም'ቲ ዝረኣናዮ ኣብ ተግባር ክትውዕል ኣይተኻእለን፡ስለምንታይ?

  እቲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ድቦላ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ባድመ ብዘስምዕ ተወሊዑ። ኩሉ ሳዕቤን ናይ ውግእ ርእይናዮ ልዕሊ 20 ሽሕ መንእሰይና ኣጥፊእና። ኣማኢት ኣሻሓት ህዝብና ካብ ቦታኡ ተዘናቢሉ።ኣብ መወዳእታ ከም'ቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልካ ዝፍታሕ እቲ ጉዳይ'ውን ስምምዕ፡ ኣልጀርስ ይሕብረና። ብመሰረት እዚ እውን ናይ ዶብ ኮሚሽን ኣብ 2002 ናይ መወዳእታን ቐያድን ዝብል ውሳኔ ኣሕሊፉ እዚ'ውን ከይጀመረ ጸገማት ክርኤ ጀሚሩ። ከም'ቲ ዝረእናዮ ብዘየገድስ ኣበይ ከይዱ መስመራት ምሕንጻጽ ዶባት ነቲ ውሳኔ እንተ ዘይተቐበልኩሞ ንዘተ ኣይኮንኩን ድሉው ክብል ከሎ ብወገን መንግስቲ ኢሰያስ፡ እቲ በውገን ኢትዮጵያ ዝመርሕ ኢህወደግ ብፍላይ ኢቲ መለስ ዝመርሖ ጉጅለ  ህወሓት  እቲ ተበይኑ ዘሎ ዓድን ቤተ-ክርስትያን፣ መቓብርን ዝስንጥቕ ስለዝኾነ መጀመርታ ኮፍ ክንብል የድሊ ዝብል ነጥቢ የልዕሉ ነይሮም።እዚ ክልተ ነገራት ግን ብሰፊሑ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንመንእሰይ ኤርትራ ሃሳይ ኮይኑ ደረት ዘይብሉ ኣገልግሎት ( ባርነት) ነዚ ንምብንጣስ ድማ እንቢ ኢሉ ሃጽ ኢሉ ናብ ጎረባብትን ርሑቕ ሃገራትን ብኣሽሓት ክስደድ ተራእዩ።

  ኣብ'ዚ ክልተኦም መንግስታት ኣብ ሓደ ነጥቢ ነይሮም። ኢሰያስ ነታ መለስ ዝሓዛ መርገጽ ብምምዝማዝ ከይወጹ ኣይንዛተን ኢሉ ነቲ ሰፊሕ ዝተደናገረ ህዝቢ ከሲቡዎ ፡ከም መጻልኢ ፖለቲካ ሰሪሑላ፡እዚ'ኣ እያ እታ ሎሚ ሕራይ ገበሮም ኣብይ ዝብል ሸነኽ ዘሎ፡ እቲ ብወገን መለስ ( ህወሓት) ነዚኣ እንተ ተቐቢልናያ ንኢሰያስ ኣንበሳ ክንገብሮ ማለት እዩ ዝብልን፡ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ድማ ነቲ ውግእ ባድመ ክሳብ ኣስመራ ዘይኣተኹም ኢሎም ዝኸሱዎም ጉጅለ ኣምሓራን ሎሚ ምስ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዘለው ካልኣይ ከይክሰሱ ኣይ ውግእ ኣይ ሰላም ንህዝብና ሸኸም ኮይኑዎ ጸኒሑ።

  እቲ ኢትዮጵያ ካብ 1991 ጅሚሩ ክሳብ ምምጻእ መንግስቲ ኣብይ፡ ምስ ናትና ከነነጻጽሮ ከለና ሰማይን ምድርን ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ምዕብልናታት ዘርኣየት ብኹሉ መዳያት ከም ምዃና ኩሉ ተዓዛቢ ዝምስክሮ እዩ። ዋላ ኢሰያስ 'ውን ኣብ መገሻኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣዋሳ ከምኡውን ባህር ዳር ከረጋግጾ ዝኽእል ምዃኑ ብሩህ እዩ።

ብፖለቲካዊ መዳይ ብፍላይ ክንርእዮ ከለና እቲ ኤትኒክ ፈደራሊዝም እንብሎ፡ ዋላ እኳ ብውሕዱ ንገለ ብሄራት መሰል ናይ ምምሕዳርን ዝዛረብኦ ቛንቃታት ልዕል ዝበለ ቦታ እንተ ተረኽበ ኣብ ሓደ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝተመስረተ ቕዋም ብዘይምኽታሎም ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ተራእዩን፡ብብልሽውና እውን ኣብ ልዕል ዝበለ ፖለቲካዊ ቕልውላው ኣብ 2015 ብዝያዳ ዝተራእየሉን ብዙሓት ፖለቲካ ባእታትን፣ ናይ መድያ ሓለፍትን ምእሰርትን ህዝባዊ ናዕቢ ዝተላዕለ ምምጻእ ናይ ኣብይ ኣሕመድ  መራሒ ኢህወደግ ክኸውን በቒዑ።

  ብወገን ኤርትራ  ድማ ሓደ እቲ ብመንግስቲ እቲ ዝምድና ኣይ ውግእ ኣይሰላም ብምንባሩ፡ እቲ ብወገን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ  ኢትዮጵያ ድማ ክልተ መድረኻት እዩ ሓሊፉ፡እቲ ሓደ ኣብ መንጎ ናይ መለስ ናይ ኢሰያስ መንግስትን ጽቡቕ ዝምድና ክሳብ እቲ ውግእ ባድመ ዝጅመር ስለዝነበረ ንገለ ኣባላት ውድባት መራሕትን ካድራትን ኤርትራ ንህግደፍ ኣሕሊፎም ስለዝሃብዎ ዝተሃድነን ዝተእስረን ነይሩ እዩ። እቲ ብድሕሪ ናይ ውግእ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ግን ናይ መለስ መንግስቲ ንኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞ ርኽክባትን ሓገዛትን ገይርሉ ኢዩ።ብፍላይ ድማ ነቲ ስደተኛ ኤርትራዊ ብዙሕ ሓገዝ ገይርሉ። ካልኣይ ነታ ኤርትራ ልዕላውነት ዝተቐበልዋ ኢዮም ነይሮም ብጀካ ሓደ ሓደ ዘንባዕ መርገጻት።ብኣጠቓላሊ ክርእዮ ከለኹ ንደንበ ተቓውሞ ኣብ ክንዲ ምድጋፍ መቓቒሎሞ፡ኣዳኺሞሞ፡በቲ ናቶም ፖለቲካ ኣተሓሳስባ "ኤትኒክ ፈደራሊዝም" ክሰርዕዎ ፈቶኖምን ንኻልኦት ሃገራውያን  ውድባትን ሰልፍታትን ወጋኒ መንገዲ ወሲዶም ነጺሎመን ዝብል እምነት ኣለኒ።

   እዚ ዝተረኽበ ሓድሽ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ነቲ ፖለቲካ ስልጣን ዝለዓለ እጃም ዝነበሮ ህወሓት ካብ ማእከል መንግስቲ ኣልዩ ናብ ክልል ትግራይ ክሰግሮ ከሎ ኩሉ ሓጥያትን ብልሽውናን ናይ ኢትዮጵያ ተሸከምትን ተሓመይትን ክኾኑ ነቶም  ብፍላይ ብወገን ኣምሓራ ዝያዳ ዕድል ከፊቱሎም። እቲ ኢህወደግ ኣፍሪስካ ብልጽግና ሰልፊ ምምስራት'ውን ነቶም ዓባይ ኢትዮጵያ ወይ ኣሃዳዊ ክምስረት ኣለዎ ዝብሉ ሓደ ዝዕንቕፎም ሓይሊ ጥርኑፍን ናይ ህዝቦም ተቐባልነት ዘለዎም ህወሓት ስለ ዝኾኑ እዚኦም ክዳኸሙሉን ክንጽልዎም ጉጅለ ምዃኑ ዘብርህ ወይ ዝሕብር ምንባሩ ከም ኤርትራውያን ዝተዓዘብናዮ ጉዳይ እዩ።

ምምጻእ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ግን ብቐጥታ ንኤርትራ ዝጸሉ ብዘይ ቕድመ-ኩነት ነቲ ውዕል ኣልጀርስ ክቕበሎ እየ ብምባል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ውዕላት ህዝቢ ብዘይፈልጦ ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ።ኣብ'ዚ እታ ቐንዲ ነጥቢ ብጉዳይ ባድመ እንተ ዘይወጺእኩም ካብ ባድመ ኣይንዛተን ኢሉ ንመለስ መንግስቲ ዝሃቦ ቓል ኣብይ ኣሕመድ 'ውን ከይወጸ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣዋሳ ጉዕዞ ርእይና፣ ብምቕጻል ኣብ ቲቪ- ኤረ ጉዳይ ባድመ ኣገዳሲ ኣይኮነን ድማ ኢሉ ነጊሩና።  ኣስዕብ ኣቢሉ ገይም ኢዝ ኦቨር ድርብይ ኣቢሉዋ።

እቲ ሰላምን ስምምዕን ግን ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ ኣይረኸበሉን፣ እቲ ስምምዕ  " ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታዊየይ" ዝብል ተኸቲሎም ክልቲኦም መራሕቲ ንህወሕትን ብምስዓብ 'ውን ህዝቢ ትግራይ ምንብርካኽ ዝተጠጀኤ ምዃኑ ብሩህ ዝገብሮ እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና "ሕጊ ምኽባር" ብዝብል ምስምስ ሓደ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ናቱ ህዝቢ ዝብሎ ኩናት ኣውጅሉ፡ ናይ ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ምእታው እውን ደሓን  ይእቶ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ ሳላ ዓቢ ሓገዝ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ተዓዊትና ኢሉ ነጊሩና።

 ሕጂ እዚ ጉዳይ ናበይ ኢዩ ዝብል ኣካታዒ ኣርእስቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ምህልዉ ጽቡቕ እዩ በሃላይ ክኸውን ከለኹ፡ እቲ ነጥቢ ክንሕዞ ዘለና ግን ካብ ውልቃዊ ነጥቢ ወጺእና ብሃገር ወይ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ረብሓ ክንርእዮ ክንክእል ዝጽውዓና ግዜ እዩ ዘለናዮ። እቶም ክኢላታት ነዚ ኣርእስቲ፡ እቶም ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ሎሚ እዩ ነቲ እትቓልስዎ መስመር ወይ ኣብ ኤርትራዊ ረብሓ ዘለኩም ርእይቶን  ፖለቲካዊ መርገጽኩምን እተነጽርሉ፣ እቶም ባይቶ ይኣክል ድማ ናብ'ቲ ዝምልከተኩምን ዝውክለኩም ከተማ ንህዝቢ ዝተደናገረ ይኹን ዝቓወም ምልዕዓል ዘድልየኩም፡ እቲ ፖለቲካ ንዝምልከቶ እንተኾነ ካብ ምድብላቕ ንድሕን።

  ኣብ ምድምዳም እቲ ውግእ ናብ ትግራይ ዝተሓጽረ ጥራሕ ኣይኮነን፡እንታይደኣ እታ ኣሃዳዊት ኢትዮጵያ ትምስሊ ዝሰዓርናዮም ትምክሕታውያን ሎሚ ዓሰብ፡ ምጽዋዕ ናብ ዶብ ዝኸይድ ሰራዊት ብለይቲ/  ብኮቪድ-19 ምኽንያት ብምግባር ህዝቢ ኣጸልሚትካ፣ ነፈርቲ ብብዝሒ ንመዓልቲ ካብ ኢትዮጵያ ቱሪስትስ ዘይኮኑስ ወተሃደራት ዝራገፉላ፡ኣብ ጥቓ ዶባት ዘሎ ህዝብና ቦምብ ዝወድቐሎምን መግቢ ንወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝገብርሉን፡ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝቖሰሉ ኤርትራውያን ወተሃደራት ብግሉጽ ዘሎ፡ እዚ ጉጅለ ኢትዮጵያ ብዝያዳ ነታ ዝኸሰራ ኤርትራ ንምምላስን፡እቲ ኣቶ ኢሰያስ " ክልተ ህዝቢ እዮም ኢሉ ዝሓስብን ዝዛረብን ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ" ዝበለና እታ ናይ ኩላትና ኤርትራ ልዕላዊት ሃገራዊ ረብሓ ካብ ናይ ህግደፍ ረብሓ  ዝዓበየ ብምዃኑ እቲ ናይ ብልጽግና ዕንደራ ቕድሚ ናብ ኤርትራ ምኻዱ ኣብ ትግራይ ክሰዓር ስለዘለዎ ረብሓና ህዝቢ ትግራይ ንጹር ናብ ነጻ (ሃገር) ትግራይ ክምስርት ኣለዎ ዝብል ምርጫ ጥራሕ እዩ ኣብ ቕድሚኦም ዘሎ እሞ ሕጂ'ውን ወስኑ።

Last modified on Tuesday, 08 December 2020 10:12