ወርሓዊ ኣኸባ ጨንፈር ስያትል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

2017-10-30 03:46:42 Written by  EPDP North America Information Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2431 times

ጨንፈር ስያትል ብሰንበት ዕለት 10/15/17 ምዱብ ወርሓዊ ኣኸባኡ ኣካይዱ፣ ኣባላት ጨንፈር ስያትል ዝተመያየጡሉ ኣጀንዳ ነዚኦም ዝስዕቡ ዝሓዘ እዩ

ገምጋም ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰደህኤ ከዛርብ ዝቐነየ ናይ ውሑዳት ኣባላት ሕቶን ውሳኔ ሰልፊን ዝምልከት፡

ጨንፈር ኣብዚ ጉዳይዚ እቲ ብባይቶ ሰልፊ ዝተወስደ ውሳኔ ቅኑዕ ምዃኑ እንደገና ኣስሚሮምሉ፣

ጨንፈር ስያትል፡ ውሳኔ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ሓው መስፍን ቅኑዕ ከምዝኾነ፡ ብናይ ገለ ኣባላት ድሌት ዝቕየር ውሳኔ  ከምዘይኮነ፣ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

እቶም ሕቶ ዘልዓሉ ኣባላት ሕቶኦም ብቅዋም ሰልፊ መሰረት ተመሊሱ ከብቅዕ ርእይትኦም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ስለዘይተዓወተ ንመደባት ሰልፊ ክዕንቅፉ ስለዝተረኽቡ ብዓይኒ ቻርተር ወይ ቅዋም ሰልፊ ክርኤ ከሎ ኣብ ጌጋ ከምዘሎው ንጹር ምዃኑ ርእዩ፡

እቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዝነብር ኣባል ሰልፊ በዚ ክሻቐል ከምዘየድሊ፡ ኣባላት ጨንፈር መልእኽቶም ኣምሓልሊፎም።

ካብዚ ሓሊፉውን ዋላ ፍልልይ ናይ ኣርኣእያታት እንተ ተረኽበ እቶም በዚ ፍልልይ ምኽንያት ኣብ ሰልፊ ከምዘየለዉ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ነበር እንበሉ ክጽሕፉ ዝውዕሉ ዘሎው ኣብ ክንዲ ኣትኩሮ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብቲ ውልቀ መላኺ ዝኸውን እዞም ኣሕዋት ግን ንውልቀ መላኺን ጉዳይ ምድሓን ህዝብን ገዲፎም ንብጾቶም ከም ቀዳማይ ጸላኢኦም ገሮም ጊዝየኦምን ጉልበቶምን እንተዘይ ኣባኽኑ ተመራጺ ምኾነ ብማለት ኣባላት ጨንፈር ሓሳባቶም ይገልጹ፣

ምዕባለታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ዝምልከት፡ ጨንፈር ስያትል ነቲ ብሰልፊ ዝቐረበ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብሓደ ምስራሕ ዝብል እማመን ጻውዒትን ደጊፉ፡ ነዚውን ብዓቕሙ ክሰርሓሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡

ኣባላት ጨንፈር ኣብ ኩሉ መዳያትን ምንቅስቓሳትን ናይ ሰልፊ፡ ኮምኡ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝቃለሱ ኤሪትራውያን ዝገብርዎ ውደባን ምልዕዓልን ብሓደ ኰንካ ናይ ምስራሕ ሓሳባትን ብፍላይ ክኣ ኣብ ከተምኦም ዝግበር ምንቅስቓሳትን ስርሓትን ተራኦምን ኣበርክቶኦምን ክሓይሉ ብዳግማይ መብጽዓ ብምእታው ኣኸባ ደምዲሞም፣ 

ዓወት ንህዝብና

ጨንፈር ስያትል 

Last modified on Monday, 30 October 2017 05:03