ፈነዋ ተስፋማርያም ወ/ማርያም፡
2015-04-10 04:40:18 Written by ጸጋይ ነጋሽ Published in Community Center Read 4873 timesብጸጋይ ነጋሽ
ዓዲ-ዃላ ሰሚዓዶ መርድእ ዕረፍትኻ
ከተማኣ፡ ስግር ማይ-ላፎኣ ውዒላቶ`ዶ ቀብርኻ፣
ደንጎሎ (ማይጻዕዳ)፡ በጺሕዎም`ዶ መኣውይቲ ስንብታኻ።
ምድሪ-ፈላሲ፡ ደቂ-ቦኽሪ ዓይላ-ጉንደት
ቆሓይን፡ እንዳዝማች- ዑቕቢት
ማይ-ጻዕዳ-መራጉዝ፡ ተኸላ፡ ውዒሎም`ዶ ብኽተት።
ወለዶ ዓጽመ-ስጋኻ ዘሳፈሐ ከም ሮማዲ
ንኣካለ-ጉዛይ፡ ንሓማሴን፡ ዝጠርነፈ ስምዲ፡
ኣብ ሓመድ-ድበኻ ዝውዕሉስ ማእለያ ዘይብሎም ህዝቢ።
ሰሚዐን`ዶ ሳንጀርጆ፡ ሳንታ-ፋሚልያ
ኣርከባ`ዶ ኣብ ሓመድ-ድበኻ፡ ብጉያ-ጉያ፣
ቆልዓ ምህረይ ወልደማርያም፡ እቶም በዓል ቅያ።
ኣለኒ ዛንታ፡ ብሰፊሑ ዝዝንቶ
ጸኒሑኒ ታሪኽ፡ ምሁራዊ ኣበርክቶ፡
ናይ ወላዲኻ ፍልጠት፡ ዓሚቝ ትሕዝቶ።
ወሪሲካ`ኻ፡ ሰሚድካዮ፡ ቅኒት ወላዲኻ
ነቢበዮ፡ ``ስነ-ቅኔኣዊ ድፍንቕ`` ግጥምኻ
ኣጽኒዕካዮ ይበል ውርሻ! ` ት ውልቀ-ነጻነት ባህልኻ።
ኣንታ ሓወይ! ኣይተሃውኽካን`ዶ?
ነይሩካ እንድዩ ብዙሕ እትውርቖ እትስንዶ፣
ህይወት ከም ጽላሎት ከም`ትሓልፍ
ዘንጊዕካዮ እመስለኒ፡ ከም`ትብል ኩልፍ?
ተጸብየካ ነይረ ክትጽሕፍ ዘይተኸለሰ ታሪኽ
ስለዝፈልጥ ብርዕኻ፡ ንሓቂ ዘይትሓንኽ፡
ቃልዕ ክኸውን `ቲ ዝነበረ ብድሆታት
ውድብ ኣፍሪሱ፡ ዘምረሐ ናብ ስደታት፡
ኔርካ `ውን ኣብ መብዛሕትኡ ርኽክባት ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ.
ውዒልካ፡ ተኻራኺርካ፡ ሰሚዐ፣
ኣብ ገድሊ ህዝቢ ኣንቢበዮ ነቲ ላህመቱ
ምህላዉ ግን ኣይስሕትን፡ ዝፈርዘመ ክስተቱ።
ተስፋማርያም፡ እወ፡ ተሃዊኽካ
የርክበሉ እንዳበልካ፣
ሒዝካ ግምሪ-ፍልጠት ዘይተበርበረ፡
እንታይ ክዓብሰልና፡ ምስኻ እንተተቐብረ?
ምስ ወያነ-ሓርነት ትግራይ፡ ከምኡ`ውን ኢ.ፒ.ኣር.ፒ.
ንሃገር ወኪልካ፡ ዘቲኻ ዝፈረምካዮ ስድቢ፣
ኣይሰነድካዮን ከይትኸውን ተሰኪፈ-
ኣብ`ታ መጽሓፍካ `` ህያው ደብሪ .....``?
ስነ-ጽሑፋዊ ብቕዓትካ፡ ነባሪ ኣሰር
ሃንዳሲ፡ ናይ ምሕሳብ ብቕዓትካ ተኣምር!
ውስጠ-ሃንደበትካ `ውን፡ ተረዲአዮ
ኣብ`ታ ``ርእሰ-ዘተ፤ ምስ ጽሞና``` ግጥምኻ በጺሐዮ- ... ...
... ... ናበይ ደኣ ኢኻ ብድድ እትብል`ከ?
ብሓደ ኣፊቱ!
ወፍ ከይበልካ?!
ብጻድቃን ኢለካ!
ብርዒ ኣልዒለ`ንደ`የ፣
ኣይፋልካ!!
ኰፍ`ሞ በል።
ምህረይ ጽሞና፤ መዓልካ!!
ግጥሚ`ዶ፡ ቅኔ ከፍልሓልካ!!
ስንብታይ`ያ እዚኣ ኣይተስተዋሕዳ
ኣብ ዘይትምለሰሉ መገሻኻ፡ ይጽናሓካ ጻዕዳ።
ሓውካ፡ ጸጋይ ነጋሽ
04/08/2015