ዝኸበርክንን ዝኸብርኩምን
ከም ፖለቲካዊ ብጻይን ከም ወኪል ሰልፊ ሓምላይ (Bündnis 90/Die Grünen) እየ ተዓዲመ ዘሎኹ። ከም ወኪልን ፖለቲከኛን ብጻይን ድማ ናይ ልቢ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ሰልፍና ይኹን ኣነ ኣብ ጎኒ ኩሎም ንፍትሕን ንመሰል ደቂ ሰብን ዝቃለሱን ከምኡ‘ ውን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ደው ክንብል ምኻና ነረጋግጸልኩም።
ከምቲ ኩላትና ንዕዘቦ ዘሎና፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ዕርቂ መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ናይ ዕርቂ መስርሕ ግን ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ፓለቲካዊ ለውጢ ክምጽእ እዩ ኢልካ ክትግምት ኣጸጋሚ እዩ። ብርግጽ ግን: እዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንመላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዉሑዳት ብጾቱን ዘገልግል እዩ። ነታ ሃገር እውን ጨዉዮማ እዮም።
ብርግጽ ኣብዞም ዝመጹ ዘለዉ 10 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ከብቅዕ ምኻኑ ርዱእ እኻ እንተኾነ: መላኺ ኢሰያስ ግን ብፍርሒ ዝተገዝኤ ሰብ ስለዝኾነ: ንኡ ዝትክኦ እውን ከዳሉ ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል: ኣብ ደገ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ደንበ ተቓዉሞ: ብሓባር ነዛ ዕለት ክዳሎን ሓላፍነት ክስከምን ኣለዎ። ኣነ እውን ብዝተኻእለኒ መጠን ክተሓባበርን ክሰርሕን ድሉው እየ።
ናይ ሎሚ ሰሚናር ዛዕባ „ናይ ትምህርቲ ድሕሪ ባይታ ዘይብሎም መንእሰያት ስደተኛታት ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ሕብረተ-ሰብ ጀርመን ይወሃሃዱ?“ ዝብል እዩ።
ከም ናይ ቆልዑን መንእሰያትን ናይ ስነ ኣእምሮ ሓኪም: ንነዊሕ ዓመታት ንብዙሓት ሰደተኛታት ኤርትራዊያን ኣገልግሎት ሂበ እየ። ኩነታት ኤርትራ ብዝያዳ ስለ ትፈልጥዎ ብዕምቆት ምግላጽ ኣየድልን እዩ። ግን ብሓርፋፍ ምልካዊ ሂወት ኣብ ቆልዑን መንእሰያትን ዘስዕቦም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ክገልጽ እየ።
ብዙሓት መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭኮና: መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስቅያትን ኣብ ዓዶም ገዲፎም፣ ምድሪ በዳ: ሊብያ ከምኡ እውን ባሕሪ ጥሒሶም ንኤውሮጳ ይኣትዉ።
ወላ እውን ስድራ-ቤታዊ ኣተዓባብያን ሂወትን ንጠባይ ቆልዑን መንእሰያትን ኣጸቢቑ ይጸልዎ እዃ እንተኾነ: ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ግን: ኣተዓባብያን ሂወትን መንእሰያት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
- እኹል ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ኣብ ግዜ ቁልዕነት ስለ ዘይርከብ: ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ኤርትራ እኹል ናይ ኣካላትን ሓንጎልን ምዕብልና ስለዘብሎም: ትምህርቲ ክከታተሉ ጸገም ኣለዎም። ብቀጻሊ ዝረኣዩ ሕማማት እውን የጥርዩ።
- ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ብጣዕሚ ትሑት እዩ። ብዙሓት መምሃራን እውን ካብ ሃገሮም ስለተሰዱን: ብዙሓት ተማሃሮ እዉን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ከይከዱ ብምባል: ትምህርቲ ብግቡእ ኣይከታተልዎን እዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ: ብዙሓት መንእሰያት ስደተኛታት ቛንቛ ጀርመን ክመሃሩን ስሩዕ ትምህርቲ ክከታተሉን የጸግሞም።
- ብሰንኪ ውትህድርና: ብዙሓት ቆሉዑን ንኣሽቱ መንእሰያትን ኣብ ኤርትራ ብዘይ ኣቦ ይዓብዩ። በዚ ምኽንያት እዉን ጉድለት ስድራ-ቤታዊ ሂወት ኣሎ። ጠንቁ ድማ: ስእነት ስሩዕ ሂወትን ጉድለት ኣኽብሮትን እዩ።
- ብፍላይ ንሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝትንክፎምን ሂወቶም ኣብ ጀርመን ንኽሰርዑን ዘጸግሞም: ዘይምትእምማምን ጥርጠራን እዩ። ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣሕዋት: ኣደ: ኣቦ: ቆልዑ: ነንሕድሕዶም ከይተኣማመኑን ከምዝፈርሑን ገይርዎም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዙሓት ስደተኛታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ዝሕግዝዎም ዝተሓባበርዎን ጀርመናውያን እምነት የብሎምን። ሓጋዚ ምኽሪ ናይ ዝኣልይዎምን ዝተሓባበርዎምን እዉን ኣይቅበሉን።
- ኣብ መደምደምታ: ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ንቡዙሓት ሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘጓንፎም ምጥቃስ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኩሉኻትኩም ዘይትስሕትዎ: በቲ ዝሕለፍዎ ሕማቅ ተመኩሮን: ስቅያትን: መግረፍትን ኣብ ውትህድርና ይኹን ኣብ ምድሪ-በዳ: ኣብ ሊብያ ከምኡ እውን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ: ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ዘይምድቃስን ፍርሕን ኣሕዲሩሎም። እዚ ሕማቅ ተመኩሮ ግን: ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣብ ሰላም ድሕሪ ምንባር: ክሓዊ ይኽእል እዩ። ውሱናት ሰባት ግን: ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና የድልዮም እዩ።
ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩሙኒ የቀንየለይ
ዶ/ር ክላውስ ዲተር ግሮተ
Dr. Klaus-Dieter Grothe
3 ነሓሰ 2018፣ ምሕዳስ ሰልፊ ዝኣርእስቱ ሰሚናር ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት፣ ሃገር ጀርመን ተኻይዱ። ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ) ፈስቲቫል ንኽሳተፉ ካብ ዝተፈላለየ ዞናታት ናይ ዓለም ተጓዒዞም ዝመጹ ናይቲ ሰሚናር ተሳተፍቲ ነይሮም።
ነቲ ሰሚናር ዝኸፈተ ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኣቶ ተስፋማርያም ክብርኣብ፣ ንኣኼበኛ እንቃዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል፣ ብዛዕባ ተቐሪቡ ዝነበረ ሰሚናር መእተዊ ብምሃብ ንኣባላት ኮሚሽን ሕደሳ ብምልላይ መድረኽ ኣረኪቡ። ሰሚናር ብኣቦ መንበር ሕደሳ ኮሚሽን ኣቶ ፍስሃየ ሓጎስን ዶክተር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃንን ተኻይዱ።

ኣባላት ኮሚሽን ሕደሳ ሰልፊ፣ ኣምር ሕደሳ ብምግላጽ፣ ንሓደ ዓመት ዝተኻየደ መጽናዕትን ትግባረኡን ኣመልኪቶም "ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን?"ዝብል ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብ ናይ ተሓድሶ መስርሕ ንምእታው ብግምገማ ሓያልን ድኹምን ሰልፊ ተበጊሱ፡ ንሓያል ጎድንታቱ ብምዕቃብ ዝያዳ ንምሕያሉ ክጽዕር፡ ንዽኹም ጎድንታቱ ድማ መአረምታ ወይ መተካእታ ክረኽበሎምን ከምዘለዎ ኣብሪሆም። ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝተዋህለለ ናይ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ዝርዝር ነጥብታት ብምልዓል፣ ኣኼበኛ ዘሳተፈ ዓሚቝ ክትዓት ተኻይዱ።
ኣብ መደምደምታ ካብ ኣኸበኛ ንዝቐረበ ሕቶታት ብምብራህ፣ ዝቐረበ ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምምዝጋብ ሰሚናር ተዛዚሙ።
ራብዓይ ዞባዊ ጉባኤ ጨንፈር ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ኣደራሽ ፈስቲቫል ተኻይዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ሎሚ ዓርቢ 3 ነሓሰ 2018 ፡ 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ብኣቦወንበር ኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ሽማግለ ሓው ጸሃየ ቀለታ ተኸፊቱ። ሓው ጸሃየ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ወከልቲ ኩለን ጨናፍር ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኤውሮጳ ከም ዝተሳተፉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ገለ ኣባላት ጉባኤ ድማ ብሕጋዊ ምኽንያት ከርክቡ ዘይከኣሉ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምሕባር ናይ ጉባኤ ምልኣተ ጉባኤ ከም ዝተረጋገጸ ኣመልኪቱ። ሕጋዊ ጉባኤ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ ከኣ ብወግዒ ምጅማር ስርሓት ጉባኤ ኣበሲሩ።
ኣብዚ ጉባኤ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣባላት ማእክላይ ባይቶን፡ ፈጻሚት ሽማግለን ከም ተዓዘብቲ ተሳቲፎም።
ጸብጻብ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ብሓው ጸሃየ ድሕሪ ምቕራቡ፡ መድረኽ ንኣቦ ወንበር ዞባዊ ሽማግለ ኣቶ ኢሳቅ ወልደማርያም ተዋሂቡ። ሓው ኢሳቅ ከም ኣቦ መንበር ስማግለ ዞባ ነቶም ኣብ ዉሽጢ 2 ዓመታት ዝተኻየዱ ዕዮታት ዞባ፡ ነተራ ነፍሲ ወከፍ ኣባላ ስማግለ ዞባ፡ ንተራን ሃለዋትን ጨናፍር ሰልፊ ኣብ ኤውሮጳ ዝምልከት ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ንተራን ኣበርክቶታት ዞኣ ኤውሮጳን ምስ ሓይላታት ተቓውሞ ዝገብሮ ኣገዳሲ ናይ ዝምድና ምዕባሌን ኣውን ገሊጹ። በተወሳኺ ናይ ሓይልን ድኽመታትን ዞባ ዝርዝር መብርሂ ድሕሪ ምሃብ እዚ ዞባዚ ንሓያሎ ሃደስቲ መንእሰያት ሓተትቲ ዕቕባ፡ ዘይሕለል ደገፋት ዘበርክት ዞባ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ድሕሪ’ዚ ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ቀሪቡ። ሓው ተስፋይ ንህልው ኩነታት ሃገርን፡ ደምበ ተቓውሞን ብምምልካት ኣብ ቅድሚ ህዝቢና ኰነ ሃይልታት ተቓውሞኡ ዘቐምጦ ብድሆታት ኣብሪሁ። ብተወሳኺ ንሃልዋት ሰልፍን ዞባ ኤውሮጳን ብዝምልከት፡ ብዓይኒ መርሕነታዊ ትካላት ክርአ ከሎ፡ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ እዋን ቅልውላው ውን ከይተረፈ፡ ሓድነቱ ሓልዩ ብኣድማዕነትን ተሪር ሰልፋዊ ሓልዮትን ቃልስታቱ ከካይድ ዝጸንሐ ዞባ ምዃኑ መስኪሩ። ኣብ ቅድሚ’ዚ ጉባኤ’ዚ ካብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ዓቢ ትጽቢታት ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ። ከምቲ ተነቢሩሉ ዘሎ ትጽቢታት ብዓወት ስራሓቱ ክዛዝም እውን ተመንዩ።
ቀጺሉ ጸብጻብ መሪሕነት ዞባ ናብ ምይይጥ ወሪዱ። ምስ ዝተገብረሉ ምምሕያሻት ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ከኣ ንመጻኢ መድረኽ ዝጠመተ ክትዓትን ውሳኔታትን ለበዋታትን ተመሓላሊፉ።
ኣብ ምዝዛም ጉባኤ 7 ቅዉማትን 2 ተጠባባቕትን ዝኣባላታ መሪሕነት ዞባ ከምኡ’ውን ናይ ዞባ ኦዲተር በደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ 4ይ ጉባኤ ዞባኡ ብዓወት ዛዚሙ።
ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!
ክቡር ኣቦ ወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ተ/መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክቡራት ኣባላት ፈጻሚት ሽማገለን ክቡራት ኣባላት ማእከላይ ባይቶን፡
ክቡራት ኣባላት ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ.
ክቡራት መራሕቲ ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰ.ዲ.ህ.ኤ.
ክቡራት መራሕቲ ጨናፍር ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ.
ክቡራት ኣባላት ወከልቲ 4ይ ጉባኤ ሰ.ዲ.ህ.ኤ.
ብስም ኣሳናዳኢት ሽማገለን ሓጻይት ሽማገለ ዞባ ኤውሮጳ ሰላምን እንቋዕ ብሰላም መጻእኩም፡ እዚ ታሪኻዊ 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ድሕሪ ሓጺር ጊዜ ማለት ልክዕ ዕለት 01 06 2018 ጀሚርና ብጽዑቅ ኣኼባታትን ርኽክባት ብምክያድ ብድሓን ዝኾነ ዉጺኢት ምብቃዕና ብዝነበረና ስጡም ዉፉይ ትግሃት ጻዕር እንሆ ብምልኣተ ተሳታፍነት ኣብ ትሕቲ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ: ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ !!! ዝብል መሪሕ ጭርሖ ጉባኤና ክኸፍት ከሎኹ ምስ መሳርሕተይ ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማገለ ሓበን እናተሰምዓና እንቋዕ መጎሰና ይብል።
ክቡራት ተሳተፍቲ 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ፡
ዞባኹም ዞባና ዞባ ኤውሮጳ ስ.ዲ.ህ.ኤ. ፡ ብሓደ ንኡስ ዞባን፡ 11 ጨናፍርን ዝሓቆፈ ኮይኑ፡ ኣብ 8 ሃገራት ኤውሮጳ ዝነብሩ ህርኩታት ኣባላት እዮም። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ዝተንከፍኩዎ ኣብ ባሕቲ ሰነ 2018 ብኣቦ ወንበር ሽማገለ ዞባ ኤውሮጳ ዝተማእከለ ኣኼባ 5ተ ዝኣባላታ ኣሳናዳኢትን ሓጻይትን ሽማገለ ቆምና። ንጊዜኡ ናይ በይንና ኣኼባ ጌርና ነብስና ንምስራዕ ናይ ስራሕ ምምቃል ማለት ኣቦ ወንበር ጸሃየ ቀለታ ( ካብ ሽወደን ) ዋና ጸሓፊ ታደሰ ኣስመላሽ ( ካብ ጀርመን ) ሰነዳትን ሎጂስቲክን ሙሴ ዓማር ( ካብ ኖርወይ ) ተኽለሰንበት ገ/ማርያም ( ካብ ሆላንድ ) ባይረ ገ/ወልዲ ( ካብ ሽወደን) ኮና ስራሕና ጀመርና። ብጻይና ባይረ ገ/ወልዲ ብሰንኪ ዉልቃዊ ጸገም ኣብ ሳልሳይ ኣኼባና ሲሒቡ። ዝተረፍና ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማገለ ድሕሪ 9 ስሩዕ ኣኼባታትን ኣቦ ወንበርን ዋና ጸሓፍን ከም ኣድላይነቱ መዓልታዊ እናተራኸብና ብግዱስ ተሓባበርነት ብ/ትዕበን ብ/ነጋስን እንሆ ብሓርፋፍ ካብ ዝረኸብናዮ ጸብጻብ ንጡፋት ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ እንሆ 47 ተሳተፍቲ ጉባኤ ክኾኑ ከለዉ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ንምትብባዕናን ስሪዒታዊ ክብርን ከኣ ከም ተዓዘብቲ ኣብ መንጎና ብምህላዎም ንሕበን።
ክቡራት ተሳተፍቲ 4ይ ጉባኤ ፡
ሎሚ 4ይ ጉባኤና ኣብ እነካይደሉ ዘሎና እዋን ብፍሉይን ኣገዳሲን ዝገብርዎ ጸለውቲ ዝኾኑ ዕዉታት ብድሆታት እነስምረሎምን ዕዉታት ብድሆታት ንምዝካር ፡ 1ይ. ብመጀመርታ ሰልፍና ሰልፍኹም ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዝሰገሮም ሓያላት ጽንኩራት መድረኽ ስጡምን መትከላዊ ንቅሓት ግዛተ ሕጊ ዝመለልያኡ ሓያል መሰረታት ኤውሮጳ ኣገናዕ ብምባል፡ ንለባምን ተባዕ ሕጋዊ ኣታላልያ መሪሕነት ሰልፍና ከኣ ኣድናቆትና ንገልጽ።
2ይ. ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ደምበ ተቋውሞኡን ብዓሚቁ ብምኩር ንቅሓትን ብምምዛን ምስ ኩሉ ደላይ ለውጢ እንኮፍትሒ ሓባራዊ ቃልሲ ምኻኑ ኣሚኑ ዘውጽኦ እማመ ብድርብ ነስምረሉ።
3ይ. ሓድሽ ተረኽቦ ናይ ኢትዮ ኤሪትረያ ሰላም ድምጺ ብወገ ኢትዮጵያ ብሩህ ግብራዊ ዕርቅን ምሕረትን ምስ ህዝቡ ጽቡቅ ክኸይድ ከሎ ብወገን ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ቀጻሊ ዕንደራን መናወራትን እንተዘይኮይኑ ጌና ጸልማት ብምህላዉ ስክፍ ከቢድ እዩ። ኮይኑ ግና መሪሕነትና ብጥንቁቅ ኣስተብህሎ ይከታተሎ ስለ ዘሎ እምንቶና ንጥቅሚ ተቃላሳይ ህዝብና ኣሕሊፉ ከም ዘይህብ ንኣምን ሙሉእ ደገፍና ደጊምና ነስምረሉ።
ኣብ መደምደምታ ከም ኣሳናዳኢት ሽማገለ ኣብ ሓጺር ጊዜ ዝተመኮርናዮ ክፍሊ ስርርዕ ሰልፍና ንኣሽቱ ድኽመታት ስለ ዝሬኤና ንምጽጋኑ ንምብርባሩ ኣስተምህሮ ሓጸርቲ ኮርስ ኮንፈረንስ ናይ መራሕቲ ጨናፍር ናይ ኣባላትን ንምምልማል ቅልጡፍ መደብ ክሰርዕ ንላቦ። ምዕቡል ዘሎናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን ቅኑዕ ብቁዕ ሰብ ናብ ቅኑዕ ቦታ !!! ተመክሮን ግድምናን መንቀሊ እምበር ዓይነታዊ ለውጢ ዝጥረ ብትምህርቲ ጥራሕ እዩ ብምባል ንላቦ።
ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ፡ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ !!!
ኣሳናዳኢት ሽማገለ 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. 03 08 2018
“ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ፡ ብሓባር ነድምጽ ከነስሞ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ምስንዳእ ዝጸንሐ፡ ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ምድላዋቱ ወዲኡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ካብ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ደንማርክ፡ ፈረንሳ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ኣመሪካን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጀርመንን ዝመጹን ዝመጻን ኣጋይሽ ምቕባል ጀሚሩ ይርከብ። ብዘይካዚ ክልተ ካብቶም ንሕና ምስ ህዝብና ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ተራኺብና በታ እንኽላ ሞያ ከነሐጉሶ ድሉዋት ኢና ዝበሉ ኣባላት ኪነት እውን ካብ ስዊዘርላንድ ፍራንክፎርት ምብጽሖም ተረጋጊጹ ኣሎ። ካብዚኣቶም ሓው ዓሊቶ ኣርባዕተ ካብ ቋንቋታት ኤርትር መሊኹ ዝጻወት ከምዝኮነውን ተገንዚብና ኣለና።
ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማግለ እንተኮነ እውን ብዕለት 02.08.2018 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቦታ ፈስቲቫል ተረኪቦም፡ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ገይሮም እቲ ዝግባእ ምስንዳእ ከምዘጠናቐቁን፡ ቁጽሪ ተወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡ ወሲኩ ምህላዉን፡ ናይቶም ብኣካል ክሳተፉ ዘይካኣሉ ማሕበራትን ትካላትን ድማ ብጽሑፍን ብቃልን ዝተሰነ ናይ ደገፍ መልእክትታት ዝመጸ ምህላዉ ብምግንዛብ፡ ኣብተዳልዩ ዝጸንሐ ፕሮግራም ፈስቲቫል ምምሕያሻት ገይሮም ከምዘለዉ ተነጊሩ።
ኣብ ተክኒካውን ምምሕዳራውን ጉዳያት እንተኮነ’ውን፡ ኣደራሽ ተሰሪዑ፡ ንፈስቲቫል ዘድሊ መዘናግዒ ንብረት ኣብ ክልተ ኣደራሻት ተዳልዩ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ብጽቡቕ የራኽበና!!
ቦታ ፈስቲቫል፡ Merton str. 26 – 28
Frankfurt am Main- Bockenheimer warte.
Vital Eritrean Dialogue Expected to Take Place at Festival 2018 in Frankfurt
Written by EPDP Information OfficeProminent veterans of the prolonged Eritrean struggle for freedom and democracy will be among the presenters at this year's Eritrea Festival 2018 scheduled to be held between 3 and 5 August inside the Johann Wolfgang Goethe University at Bockenheimer Warte section of Frankfurt, the financial capital of central Europe.
Among the expected senior speakers at this year's Eritrea Festival include Mr. Hussein Khalifa, chairman of the Eritrean Liberation Front (ELF); Ambassador Andebrhan Weldegiorghis, Executive Committee member of the Forum for National Dialogue (FND/Medrek); Dr. Yusuf Berhanu Ahmedin, chairman of the Eritrean National Salvation Front (ENSF) and their host, Mr. Menghesteab Asmerom, chairman of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP).
Other senior representatives expected to make position statements from the Festival podium on 4 August will include delegates of the following movements:
Ø United Eritreans for Justice (UEF), a coalition founded in Israel representing several organizations and associations;
Ø the Eritrean National Salvation Front - Hidri (ENSF-Hidri);
Ø the Eritrean Democratic Party (EDP);
Ø the Eritrean Federal Democratic Party (EFDP);
Ø the Eritrean Nahda Party;
Ø Eritrean Women's Movement;
Ø Eritrean Democratic Unity Front (EDUF- Sagem)
Ø Eritrean Revolutionary Democratic Front (ERDF-Sedege'e)
Ø Dialogue for Eritreans;
Also so far confirmed Festival speakers will include a representative of CDU, the ruling party in Germany, and the German Green Party.
The annual Eritrea Festival is organized by the Germany-based Eritrean Democratic Association (EDA) in close collaboration with Europe branches of the EPDP. Organizers expect this year's festival to be unique of its kinds because of the new political developments in the Horn of Africa region. Eritrean political participants are expected to have an extended dialogue on the situation.
ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ መኽሰብ ኣልቦ ማሕበን ብጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ኣብ ከተማ ፍራክፎርት ቦከንሃይመር ቫርተ Mertonstr. 26 - 28 Frankfurt am Main ካብ ዕለት 03 ክሳብ 05 ነሓሰ 2018 ኣብ ሓድሽ ኲነታት ሃገርና ክካየድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ እዩ። ካብኡ ዝነቐለ ንፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣካቢብዎ ዘሎ ሓድሽን ኣዝዩ ዘደንጹን ተደራቢ ፍሉይ ኲነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ፡ “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ክልተ ኣህዛብ እዩ ዝብል እንተሎ፡ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ” ዝብል መበገሲ ዝገበረ፡ “ካብ ሕጂ ንዳሓር ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ እዚ ንቐላዓለም ዝብሎ ዘለኩ ዘይኮነስ ብሓቂ እዩ” ክብል ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፣ ነቲ ዋንነት ህዝቢ ኤርትራ ክነሱ ብኢደ ወነኑ መንዚዑ ሃገርን ህዝቢን ክረግጸሉን ከብርሰሉን ዝጸንሐን ዘሎ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ክናቈተሉን ዝጸንሐ በትረ-ምልኪ ንቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ከረክብ ዝተሰለመ ፈረስ ምስራኣየ ናይ ዕብዳን ቃል ዝኣተወሉ እዋንዩ ዝካየድ ዘሎ። ሽማግለታት ህዝቢ ሃዋሳ ዝተሰለመ ፈረስ ንኢሳያስ ከቕርብሉ እንከለዉ ምናልባሽ ዝፈተዉዎ መሲልዎ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ኣብ ባህሊ ህዝቢ ሃዋሳ ግን ካብ ዕርቂ/ሽምግልና ሓንጊዱ ንዝኸደ፡ ዝተሰለመ ፈረስ ኣምሪሖም እዮም ኣብ መንገዲ ዝኽርፍዎ። ብሓጺሩ እስኪ ሕለፋ ዝብል ካልእን ዓብይን ትርጉምን እዩ ዘለዎ።
ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፣ ንጠባያትን ፖለቲካዊ ሃምን ኢሳያስ ዘንጊዑ፣ ማዕረ ኢሳያስ ኣብ ደልሃመት ይኣቱ እዩ እኳ እተዘይተባህለ፣ ኩሎም መለኽቲ ግደፍዶ ስልጣን ብፍቶቶም ንካልእ ከረክቡስ፣ ህዝቢ ኣገዲዱ ምስ ሳዓሮም እውን፣ ብኣኣ ክግነዙ ከምዝጽዕሩ ዝፍለጥ እዩ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ድማ፣ ነቲ መራሒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝመጣጠሮ ዘሎ ብሂላት ብሓባራዊ ርድኢትን ተበግሶን ክዓጽፎ ኣብዚ ሰፊሕ መድረኽ ፈስቲቫል ኤርትራ ጅማርኡ ከርኢ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ድማ፣ ይንኣስ ይዕበ ዘይኮነስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘንጸላሉ ዘሎ ጥልመት ደው ንምባል፡ እወንታዊ ጅማሮታት ስለዝብህግ እዩ፣ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቃሳትን ንኸሳትፍ ክጽዕር ዝጸንሐን ዘሎን።
ንኣገዳስነት ናይዚ ንነብረሉ ዘለና ፖለቲካዊ ኲነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ብዙሓት ካብ ዕዱማት እወንታዊ መልስታት ለጊሶም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይዘን ዝስዕባ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምንቅስቓሳትን ኣብ ፈስቲቫል 2018 ክሳተፉ ምዃኖም ዘመልክት ሕድሽ ሐበሬታ ዝተረኽበ ምህላዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
- ሰልፊ ኣልናህዳ ኤርትራ
- ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓ ኤርትራ
- መድረኽ ኤርትራውያን ንዘተ
- ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ
- ድሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
- ምንቅስቓሳት ደቂ ኣንስትዮ
-
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ኣብዝሓለፈ ዜና ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ከምዝጠቐስናዮ፡
- ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ
- ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
- ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ
- ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ክሳተፉ ምዃኖም እውን ሓቢርና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክሳብ ሎሚ ዘይመለሱ እንተኮነ እውን፣ እቲ ውራይ ሓባራዊ ስለዝኾነ ፡ ኣብ ዝተመደበ ሃገራዊ ጉዳይ ግዲኦም ከበርክቱ ዳግማይ ጸዋዒት ዘድሊ ኣይመስለናን።
ብዘይካዚ፡ተወከልቲክልተጀርመናውያንሰልፍታት፣CDU Frankfurt Fraktionvorsitzender Herr Michael zu Löwenstein und Gießen Bundinis 90 die Grünen vertreter Herr. Dr. Klaus Dieter Gothe ኣብ ፈስቲቫል 2018 ክሳተፉ እዮም።
ድሕሪ ቀዳማይ ፖለቲካዊ ዕማም ፈስቲቫል 2018 ምፍጻሙ፡ ካልኣይ መደብ ፈስቲቫልና ባህልን ልምድን ህዝብና ምዕቃብን ምዝውታርን ስለዝኮነ ወናማት ሙዚቐኛታትን ገጠምትን ብዘቕርብዎ ዜማታትን ሙዚቓን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ክዘናግዑ ምዃንም ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ብደሓን የራኽበና!!!
Eritrea Festival 2018 in Frankfurt Making Exceptional Preparations for Eventful Year
Written by EPDP Information OfficeEritrea Festival 2018 in Frankfurt Making Exceptional Preparations for Eventful Year
Written by EPDP Information OfficeThe fast unfolding and still unclear Ethio-Eritrean relations will be the main agenda of the Public Discussion on Saturday, 4 August, at the annual Eritrea Festival in Frankfurt which is expected to conduct various political and cultural activities between 3-5 August 2018.
Organized by the Eritrean Democratic Association (EDA), a non-profit charity in Germany, in collaboration with Europe branches of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), the 2018 Festival is expected to be unique of its kind.
Mr. Tesfamariam Kibreab, the EDA chairman, announced recently that a good number of Eritrean political organizations and civil society movements have positively responded to invitations to take part in the Festival Panel as represented by high-level delegations.
The Panel will dwell on the mixed messages being received from Eritrea and Ethiopia these days. The absolute dictator in Eritrea has been doing whatever he wanted for decades in the past. Now, the big question to be answered is: who and how can the Eritrean dictator be stopped from making hard-to-reverse deals affecting the sovereignty and territorial integrity of Eritrea?
Besides panel talks, Eritrean political and civic figures attending the festival are expected to hold bilateral and group consultations on what is to be done to confront the pending dangers to the nation in the hands of the dangerous one-man dictatorship.
Cultural, Artistic Events
Eritrea Festival 2018 will not only be long political presentations and friendly chit-chats.

Singers, musicians and persons of artistic caliber are announcing their determination to be at the Festival to entertain and educate. Among the so far reported entertainment personalities coming from Germany include Artist Eyob Haile, known for his traditional songs with his 'krar/wata' instrument and Ahmed (Hamada) Ibrahim, who will be expected to come with moving poetic narrations of what is going on between the hopeless dictator in Eritrea and the new-found 'saviour' Ethiopian friend, Dr. Abiy Ahmed, who appears to be willing to appease and go along (at the cost of the entire Eritrean nation) with a person accused of perpetrating crimes against humanity. Other musicians/singers coming from other places will include two young men from Switzerland - Tesfai Jentile and Aliton.
EPDP Australia Addressed by EC Members; Joins Party Renewal Passion
Written by EPDP Stringer in AustraliaFollowing a chain of meetings with regional and local EPDP chapters in recent weeks, the EPDP leadership took time on 15 July 2018 to address party members in Down Under (Australia) to brief them on latest developments in the political and organizational spheres relevant to Eritrea and the party.
Reaching EPDP members in five urban centres in Australia via electronic media, party chairman, Menghesteab Asmerom, and the head of organizational office, Tesfai Woldemichael (Degiga), made extensive presentations on current affairs and responded to various questions raised during the meeting.
One of the key issues raised and discussed at the meeting was the urgency of strengthening the EPDP to enable it to effectively play its much expected role in the struggle for change in Eritrea and the subsequent hard work in build a state of reliable democratic institutions.
The immediate response was a fund-raising drive started with pledges of six colleagues for $3,500 and the commitment to continue the drive throughout Australia.
It is to be recalled that, during the past three months, substantial amounts were collected in EPDP North America and Europe following the project of funding a successful mission to Israel, and the plan of expanding such missions to regions where Eritreans reside in big numbers.
More...
ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ምስ ጨንፈር ኣውስትራልያ ኣኼባ ኣካይዶም
Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ጨንፈር አውስትራልያብዕለት 15 ሓምለ 2018፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣቶ መንግስተኣብ አስመሮምን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ፡ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካአልን ዝመርሕዎ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ጨንፈር አውስትራልያ ተኻይዱ። እዚ ብመስመር ኢንተርነት እተኻየደ ኣኼባ አብ ሓሙሽተ ከተማታት አውስትራልያ ዝርከቡ አባላት እተሳተፍዎ ኮይኑ፡ አብ ህልው ፖለቲካውን ውድባውን ጉዳያት ዘትኮረ ነይሩ፤
ብመራሕቲ ኣኼባ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካውን ውድባውን ኩነታት መግለጽን ሓበሬታን ድሕሪ ምቕራቡ፡ ብኣባላት ንዝቐረበ ሕቶታት መብርሂ ተዋሂቡ። ርእይቶን ለበዋታትን አባላት ውን ቀሪቡ።
ጨንፈር አውስትራልያ ነቶም ንጉዕዞ ልኡኽ ሰልፊ ንእስራኤል መታን ክዕወት ገንዘብ ዘወፈዩ ኣመስጊኑ። ገንዘብ ዘዋጽኡ እዞም ዝስዕቡ አባላት እዮም፤
1- መብራህቶም ፍትዊ $1500
2- ደስታ ተኽለ $1000
3- ሃይለ ገብሩ $500
4- ጸጋይ ተስፋይ $200
5- ብንያም ሃይለ $200
6- ካሕሳይ አስፍሃ $100
እቲ ወፈያ ጌና ቀጻሊ እዩ፤ ስርሓት መሪሕነት ክዕወት ጨንፈር ኣውስትራልያ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር እዩ።
አብ መወዳእታ አባላት ነቲ ብመርሕነት ዝቐረበ ሓበሬታን መብርህን ድሕሪ ምምስጋን፡ ንስራሕ ጨንፈር ናህሪ ዝውስኽ ተወሳኺ ጻዕርታት ክገብሩ ተመባጺዖም።
ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ጨንፈር አውስትራልያ
ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018፡ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኣብ ምፍላስ ዝጸንሓ ሓይልታት ናይ ዕርቅን ሰላምን ተበግሶታት ክወስዱ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ዝጸንሐ ኣይውግእ ኣይሰላም ኲነታት ድማ ብፍላይ ንረብሐ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዳኣ ይግበሮ እምበር፡ ህጸት ዘሰነዮን ሓድሽን ሞብልናታት ኣብ ዝራኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ ካብ ዕለት 03 – 05 ነሓሰ 2018 ክካየድ ኣብ ምድላው ዘሎ። እቲ ጉዕዞ ነቲ ብጸሓይ ባድመ ምሒሉ ዝገዘተን ቅድሚ ዶብ ምሕንጻጽ ዘበት ምዝታይ ዝብል ዝነበረ መድሓኒ ቆርበት ስልጣኑ ገይሩ ክወስዶ ይኽእል ይኸውን፡ ኣብ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ግን፣ ብዙሕ ምጥርጣራት ዘልዕል ብምዃኑ፡ ልኡላውነት ሃገርና ዝዕቅብን፡ መሰላት ህዝብና ዘረጋግጽን መስመር ንምውሓስ ተቓላሳይ ህዝቢ ክድቅሰሉ ዘለዎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጉጅለ ህግደፍ ዶብ ሃገርናን መሬትናን ዘድፈረን ኣሕሊፉ ዝሃበን ሓደን ንሱን ጥራሕ እዩ።
ስለዚ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባትን ኮታስ መላእ ናይ ለውጢ ኣካላት፣ ካብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ስምዒታዊ ከቢድ ደበና ንደመር፣ ህዝቢ ቅኑዕ መንገዲ ንምትሓዝ፣ ኩሉ ገዲፉ ልዕሊ ዝኮነ ይኹን ግዜ ክብገሰሉን ሓቢሩ ክምክተሉን ዘለዎ ዕድል ሕጂውን ከምልጦ የብሉን።
በዚ መሰረት፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018፣ ንህልዊ ኵነታት ብዝገጥም ኣገባብን ዕላማን ክስራዕ፡ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ሓሳባቶም ዘዋሃህድሉን ሓባራዊ ናይ ግጥምያ መስርሕ ዝፈጥርሉን መኣዲ ክኸውን ኩሉ ዝካኣላ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ትርከብ ኣላ። ኣብ ከባቢኣ ንዝርከቡ ተወከልቲ ውድባትን ምንቅስቃሳትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ዕድመታታ ዘርጊሓ፡ ዝተዘንግዐ እንተነይሩ እውን ኣስዒባ ብምልኣኽ ኣጠናቒቓ ምህላዋ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ብሸነኽ ዕድመኛታት እንተኮነ እውን፡ ኣገዳስነት ናይቲ መድረኽ ተገንዚቦም ብኣግኡ፣ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ክሳተፉ ምዃኖም ዘፍለጡን ዘቕርብዎ መግለጺ ምህላዉን ብጽሑፍ ዝሓበሩ ምህላዎም ኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓው ተስፋማርያም ሓቢሩ ኣሎ። ሰውራዊ ዲመክራስያዊ ግንባር ኤርትራን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን፡ ኣወንታዊ መልስታቶም ካብ ዘቐደሙ ውድባት ክኮኑ እንከለዉ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እውን፡ “ነቲ ዘለና ናይ ቃልሲ ዝምድና ንምዕዛዝ ላዕለዋይ ሉኡኽና ኣብ ፈስቲቫልኩም ክንርከብ ምዃኑ ክንሕብረኩም ደስ ይብለና” ክብሉ ኣወንታዊ መልሲ ኣቅሪቦም ምህላዎም ተሓቢሩ።
ብዘይካዚ ሓድንት ኤርትርውያን ንፍትሒ፡ ቀንድን ሓያልን መበገሲኦም ኣብ እስራኤ ዘሎ መንእሰይ ኮይኑ፡ ብፍሉጥ ኲነታት ሃገርና ግን መንእሰይ ኤርትራ ዘይተብተኖ ሃገር ኮነ ክፍለ-ዓለም ስለዘየለ፡ ኣባል መሪሕነትን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፍን ምንቅስቃስ መንእሰያት ንፍትሒ ሓው ኣቤል ሃይለ ካብ ኖርወይ፣ ኣነውን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ተረኺበ ንመንእሰያትና ዝኸውን መልእኽቲ ኣለኒ ይብል ብምህላዉ፡ ፈስቲቫል 2018 ተወሳኺ ድምቀት ክትረክብ እያ።
እዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ፡ ንሕና ቀደም ተቓለስቲ ሕጂውን ተቓለስቲ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ርትዕን ክሳብ ዝረጋገጽ ድማ ክንቃለስ ስለዝኮና፡ ከም ሃገራውያን፡ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ዝገብርዎ ውራይ፣ ናትና ኢዩ ኢልና ስለእንኣምን፡ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ድማ እጃምና ከነበርክት ድሉዋት ኣለና ካብ ዝበሉ ስነ-ጥበበኛታት ሓው ኢዮብ ሃይለን፡ ኣሕመድ (ሓማዳ) እብራሂምን ካብ ጀርመን፡ ዓሊቶን ተስፋይ ጀንትሊን ሙዚቐኛታትን ድማ ካብ ስዊዘርላንድ ክሳተፉ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ። ልቦና ስነ-ጥበበኛታትና ድማ ኩሉ ተቓላሳይ ክስዕቦን ክብገሰሉን ትስፉዋት ኢና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኩልና ክንስዕቦ ዘለና ኣወንታዊ ባህሊ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።
ካብዞም ኣርባዕተ ሓደ። ሓው ሓማዳ ኣብራሂም ካብ ዝልለየሉ ስነ-ጥበብ ድማ፡ ወኒ ናይ ቃልሲ ዘበራብር መድረኻዊ ግጥምታቱን ንባቡን ምስ ምቅርራብ መድረኽን ምዃኑ ተሳታፊ ፈስቲቫላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውርዊ ባይቶ ካብ ዝምስክሮ ሓቕታት ምዃኑ ከይዘከርካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።
ንሎሚ ዜና ፈስቲቫል 2018 ኣብዚ ወዲእና ኣለና፡ ዝስዕብ መደባትናን ሓበሬታ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ድማ ኣብ ዝመጽእ ከነካታትለኩም እያ።
ርክብና ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ይኹን።
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ መንግስተኣብ ስመሮም ብ7 ሓምለ 2018 ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባ ኣብዚ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣብዚ ኩነታት ግደ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ መሪሕነት ሰዲህኤ ነቲ ምዕባለ በብደራጃኡ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኣረዳድኣ መሪሕነት ሰዲህኤ ኣብዚ ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ምስ ዘርዘረ ናይቲ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማ ከኣ ኣባላት ሰልፊ ነቲ ሚዛን ዝያዳ ንከህብትምዎ መድረኽ ምኽፋት ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎን ኣብ ኤርትራ እውን ጽልዋ ዘሕድር ምዕባለ ድፍኢት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብይ ከም ዝጸንሐን መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሽጡ ንክርኢ ከም ዘገደዶን ገሊጹ። ካብቲ ምዕባለታት እቲ ዝያዳ ጐሊሑ ዝረአ እቲ ደስኪሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምብርባሩ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ኩነታት መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ልኡለውነትና ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ጉዳይ ዶብ ከይተሓንጸጸ ኣይዛተን እየ ክብሎ ዝጸንሐ ጐስዩ፡ ኣብቲ ካልእ ክሕሰሞ ዝጸንሐ ኣገባብ ምድሃቡ ናይ ክሳብ ሕጂ ኣካይዳኡ ናይ ሓሶት ምንባሩ ዝተቓለዓሉ ኩነታት ከም ዝተጋህደ ኣብሪሁ። እዚ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኩሉ ግዜ ቀዳምነቱ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ምዃኑ ከም ዘርኢ ተወሳኺ መረጋገጺ እዩ ኢሉ። ምስዚ ኣተሓሒዙ እዚ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡን ንናይ ህዝብና ናይ ሰላም ህርፋን መዝሚዙን ዝኸዶ ዘሎ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከየውድቖ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንሕና ግና ከም ወትሩ ምስ ህዝብና ኮይና ልኡላውነት ሃገርናን ቀጻሊ ሰላም ህዝብናን ንምርግጋጽ ቃልስና ቀጻሊ እዩ ኢሉ።
ብጻይ መንግስተኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብብን ብዘይቅመ ኩነታ ምቕባሉ፡ እሱራት ምፍትሑ፡ ንተቓወምቱ መድረኽ ምኽፋት ብዝምልከት ዝወሰዶም ስጉምትታት ኣውንታዊ ምዃኖም ጠቒሱ፡ እቲ ምስኡ ክዛመድ ዝደልዮ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣንጻር ኩሎም እዞም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወዱ ስጉምትታት ስለ ዝኾነ ናይቲ ዝምድና ቀጻልነትን ኣድማዕነትን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ከም ዘዘራርብ ብምጥቅስ፡ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ሰላም ምርካብ ግና ሰዲህኤ ዝድግፎ ጥራይ ዘይኮነ ክቃለሰሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ብጻይ መንግስተኣብ ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ሓድሽ ምዕባለ ከይተራእየ’ውን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓባር ንክሰርሕ ደጋጊሙ ክጽውዕ ከም ዝጸንሐ ብሰፊሑ ኣብሪሁ፡ እዚ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ከኣ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ብሓባር ንክንሰርሕ ዝያዳ ከም ዝድርኽን ሰዲህኤ ብኣኡ መሰረት ጸዋዒቱን ጻዕሩን ክቕጽለሉ ምዃኑ ኣብሪሁ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ በቲ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ክጥለም ክነብር ከምዘይግበኦ ተረዲኡ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ከዛይድ ግዜኡ ምዃኑ ጸዊዑ።
ነዚ እዋናዊ መግለጺ ብጽምና ዝተኸታተሉ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ናይ መሪሕነት ናይ ክሳብ ሕጂ ኣተሓሕዛ ንኢዶም፡ ንመጻኢ ክውሰድ ብዛዕባ ዝግበኦም ጉዳያት ሓቢሮም። ተሳተፍቲ ዝያዳ ዘተኮርሉ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተሓቢእሉ ዝጸንሐ መመሳመሲ ራሕሪሑ ኣብ ካልእ ኣጀንዳ ዝኣትወሉ ዘሎ ኩነታት ብሓባር ክሰርሕሉ ከም ዝግባእ ብምጥቃስ እዚ ኣድማዒ ክኸውን ንሓቢርካ ምስራሕ ዝምልከት ሓሳብ ሰዲህኤ ካብ ወረቐት ናብ ግብሪ ዝሰግረሉ ኩነታት ንክፍጠር ካብኣቶም ዝደለ ዘበለ ከበርክቱ ድሉዋት ምህላዎም ኣነጺሮም።
ኣብ መወዳእታ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ገምጋም መሪሕነት፡ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ሓደ ዓይነት ርኢቶ ከም ዘለዉ ዘመልክት ምዃኑ ጠቒሱ፡ መሪሕነት ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝቐረበ ሃናጺ ሓሳባት ብግቡእ ክሰርሓሉ ምዃኑ ብምጥቃስን ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ደገፍ ወትሩ ቦታኡ ምዃኑ ከም ዝተኣማመን ብምጥቅስ ኣኼባ ዛዚሙ።
EPDP Evaluates Regional Developments; Calls Upon Eritrean Opposition to Do its Own Homework
Written by EPDP Information OfficeFollowing an emergency meeting, the EPDP Executive Committee on 2 July issued a strong statement forewarning the new Ethiopian Prime Minister not forge any hasty relation with the unreliable regime in Eritrea which failed to reconcile with its people that it abused and wronged for so long. The EPDP leadership also sent an urgent call to sister Eritrean organizations to meet and see what can be done at their level.
The statement further wished to remind Dr. Abiy Ahmed of Ethiopia that "the repressive and anti-people ruling clique in Asmara, now showing unlimited enthusiasm to befriend itself with Ethiopia, is not reconciled with the Eritrean people in abused and wronged, and that the relation wanted by that regime with Ethiopia can be both dangerous and short-lived."
The EPDP leadership also repeated its call to the international community "to give appropriate attention to the suffering of the Eritrean people and not to unwind its scrutiny over the repressive regime because of the reported pledges for rapprochement between Eritrea and Ethiopia".
(Printed below is the full text of the 2 July statement of the EPDP EC)
****
EPDP Statement on Regional Developments
And a Call to the Eritrean Opposition Camp
The EPDP Executive Committee finds it appropriate to once again look into the continually growing developments in our region whose impact is felt beyond Eritrea and Ethiopia. The huge importance of the winds of change in the region drew early on the attention of the EPDP whose EC welcomed on 27 May 2018 the fast unfolding phenomenon in fraternal Ethiopia. The EC action was followed on 24 June by the EPDP Chairman's public statement clarifying the extent of the party's support to the well-intended gestures. Now, backed by additional evaluation of the situation, the EPDP EC finds it absolutely necessary not only to take position on the new Ethiopian initiative related to Eritrea but also to make an urgent call to sister organizations in the Eritrean opposition camp to start thinking of what must be done at their level.
First and foremost, the Executive Committee repeated its commendation to the Ethiopian decision to end the "no-peace-no-war" stalemate by fully supporting the final and binding ruling of the Eritrea-Ethiopia Boundary Commission (EEBC), a wise step and right position which the EPDP also supported and struggled for in the long past relentlessly.
It is true that there has not been any reason for the one-man dictatorship in Asmara to cause untold suffering to the steadfast people by depriving them of rule of law and most basic human rights because of an unresolved border conflict. Based on the Algiers Agreement, the EEBC expected the two sides to expeditiously implement the final and binding ruling with the support of UN experts. This could not be achieved because, contrary to EBBC ruling, Ethiopia asked "dialogue" prior to the start of demarcation process. Nevertheless, Ethiopia's full acceptance of the EBCC ruling after 16 years and its seeming determination to implement demarcation without prior dialogue is a major step promising the hope for peace and stability in our troubled region.
Amidst this good tidings, what utterly surprised Eritreans and the watching world was the unexpected reactions of the Eritrean regime, which until recently bragged of making no contact whatsoever until a start of a process for demarcation, hastily sent its delegation to Addis Ababa. This was done before it even knew the extent of the Ethiopian call for action, and without the knowledge of the guarantors of the Algiers Agreement. It is becoming apparent that the regime was less concerned with Eritrea's national sovereignty; and may be the very destructive border war itself was not war because of the border issue. Therefore, it is time for us Eritreans to be fully aware of the dangers that can befall to Eritrean sovereignty because of the actions of the regime in Asmara.
We know there existed problem related to the Ethio-Eritrean border before Eritrea's independence, an issue which could have been solved easily soon after 1991. It indeed was a mistake to leave it unaddressed till 1998. Today, the regime's border related second betrayal, and the possible dangers of not resolving it now are grave concerns. It distresses all forces of change and peace because it is not a concern of only one political force or one social group. Only to stress, the danger of not resolving the border problem is the burden of all Eritrean political and civic associations and interested citizens. And as a follow up of previous proposals for joint work, the EPDP once more comes with this highly important call to the Eritrean opposition camp to meet as a matter of urgency and address the ever disquieting Eritrean situation and avert additional dangers to the country and its people.
We in the EPDP are fully aware of the fact that the entire nation, nowadays including pro-regime sections, are shocked by the sudden decision of the regime to send its envoys to Addis Ababa after having held all Eritreans hostage of its excuses about the border issue. We do not only want peace between the peoples of Eritrea and Ethiopia but we have been struggling and paying heavy price for its sake, including irreparable damage to the social fabric and the generations. The misplaced language and theatrics of the regime's delegation in Ethiopia raise many big questions. The well placed fear of many Eritreans is that the Asmara regime could be bent at yet unknown betrayal of Eritrean sovereignty by allowing the underhand of alien interests. Our people therefore should no longer allow the regime to find other hiding corners for its betrayal of people's interests. Nor will the agenda of the Eritrean struggle end with resolution of the border issue. In fact, the main Eritrean agenda is winning and guaranteeing peace, democracy and prosperity for the long deprived nation. Therefore, it is time for the entire nation, including the defense forces and other organized groups, to make a united stand and solve their national problem.
The EPDP, which relentless struggled for the implementation of the ruling of EBBC, warmly and promptly welcomed the determined right step taken by the Government of Ethiopian Prime Minister Dr. Abiy Ahmed to end the border conflict without further delay believing that it serves the best interests of our two peoples.
The EPDP feels it as a duty to remind the Ethiopian Prime Minister that, compared to what prevailed in Ethiopia, the Eritrean situation was an all-round disaster. We therefore are inclined to believe that the Ethiopian Prime Minister is not bent at denying Eritreans the democracy and good governance that he wants to prevail in Ethiopia. Therefore, we wish tell Ethiopian PM Dr. Abiy Ahmed to be fully aware of facts: that the repressive and anti-people ruling clique in Asmara, now showing unlimited enthusiasm to befriend itself with Ethiopia, is not reconciled with the Eritrean people in abused and wronged, and that the relation wanted by that regime with Ethiopia can be both dangerous and short-lived.
Likewise, we ask the international community to give appropriate attention to the suffering of the Eritrean people and not to unwind its scrutiny over the repressive regime because of the reported pledges for rapprochement between Eritrea and Ethiopia.
Voicing Together, We Get Heard!
Working Together, We Get Effective!
The EPDP Executive Committee
2 July, 2018