ፈስቲቫል 2018 ፍራንክፎርትን ምድላዋቱን

2018-07-13 11:08:16 Written by  Festival committee Published in EPDP News Read 3000 times

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018፡ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኣብ ምፍላስ ዝጸንሓ ሓይልታት ናይ ዕርቅን ሰላምን ተበግሶታት ክወስዱ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ዝጸንሐ ኣይውግእ ኣይሰላም ኲነታት ድማ ብፍላይ ንረብሐ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዳኣ ይግበሮ እምበር፡ ህጸት ዘሰነዮን ሓድሽን ሞብልናታት ኣብ ዝራኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ ካብ ዕለት 03 – 05 ነሓሰ 2018 ክካየድ ኣብ ምድላው ዘሎ። እቲ ጉዕዞ ነቲ ብጸሓይ ባድመ ምሒሉ ዝገዘተን ቅድሚ ዶብ ምሕንጻጽ ዘበት ምዝታይ ዝብል ዝነበረ መድሓኒ ቆርበት ስልጣኑ ገይሩ ክወስዶ ይኽእል ይኸውን፡ ኣብ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ግን፣ ብዙሕ ምጥርጣራት ዘልዕል ብምዃኑ፡ ልኡላውነት ሃገርና ዝዕቅብን፡ መሰላት ህዝብና ዘረጋግጽን መስመር ንምውሓስ ተቓላሳይ ህዝቢ ክድቅሰሉ ዘለዎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጉጅለ ህግደፍ ዶብ ሃገርናን መሬትናን ዘድፈረን ኣሕሊፉ ዝሃበን ሓደን ንሱን ጥራሕ እዩ።

ስለዚ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባትን ኮታስ መላእ ናይ ለውጢ ኣካላት፣ ካብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ስምዒታዊ ከቢድ ደበና ንደመር፣ ህዝቢ ቅኑዕ መንገዲ ንምትሓዝ፣ ኩሉ ገዲፉ ልዕሊ ዝኮነ ይኹን ግዜ ክብገሰሉን ሓቢሩ ክምክተሉን ዘለዎ ዕድል ሕጂውን ከምልጦ የብሉን።

በዚ መሰረት፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018፣ ንህልዊ ኵነታት ብዝገጥም ኣገባብን ዕላማን ክስራዕ፡ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ሓሳባቶም ዘዋሃህድሉን ሓባራዊ ናይ ግጥምያ መስርሕ ዝፈጥርሉን መኣዲ ክኸውን ኩሉ ዝካኣላ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ትርከብ ኣላ። ኣብ ከባቢኣ ንዝርከቡ ተወከልቲ ውድባትን ምንቅስቃሳትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ዕድመታታ ዘርጊሓ፡ ዝተዘንግዐ እንተነይሩ እውን ኣስዒባ ብምልኣኽ ኣጠናቒቓ ምህላዋ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብሸነኽ ዕድመኛታት እንተኮነ እውን፡ ኣገዳስነት ናይቲ መድረኽ ተገንዚቦም ብኣግኡ፣ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ክሳተፉ ምዃኖም ዘፍለጡን ዘቕርብዎ መግለጺ ምህላዉን ብጽሑፍ ዝሓበሩ ምህላዎም ኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓው ተስፋማርያም ሓቢሩ ኣሎ። ሰውራዊ ዲመክራስያዊ ግንባር ኤርትራን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን፡ ኣወንታዊ መልስታቶም ካብ ዘቐደሙ ውድባት ክኮኑ እንከለዉ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እውን፡ “ነቲ ዘለና ናይ ቃልሲ ዝምድና ንምዕዛዝ ላዕለዋይ ሉኡኽና ኣብ ፈስቲቫልኩም ክንርከብ ምዃኑ ክንሕብረኩም ደስ ይብለና” ክብሉ ኣወንታዊ መልሲ ኣቅሪቦም ምህላዎም ተሓቢሩ።

ብዘይካዚ ሓድንት  ኤርትርውያን ንፍትሒ፡ ቀንድን ሓያልን መበገሲኦም ኣብ እስራኤ ዘሎ መንእሰይ ኮይኑ፡ ብፍሉጥ ኲነታት ሃገርና ግን መንእሰይ ኤርትራ ዘይተብተኖ ሃገር ኮነ ክፍለ-ዓለም ስለዘየለ፡ ኣባል መሪሕነትን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፍን ምንቅስቃስ መንእሰያት ንፍትሒ ሓው ኣቤል ሃይለ ካብ ኖርወይ፣ ኣነውን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ተረኺበ ንመንእሰያትና ዝኸውን መልእኽቲ ኣለኒ ይብል ብምህላዉ፡ ፈስቲቫል 2018 ተወሳኺ ድምቀት ክትረክብ እያ።

እዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ፡ ንሕና ቀደም ተቓለስቲ ሕጂውን ተቓለስቲ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ርትዕን ክሳብ ዝረጋገጽ ድማ ክንቃለስ ስለዝኮና፡ ከም ሃገራውያን፡ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ዝገብርዎ ውራይ፣ ናትና ኢዩ ኢልና ስለእንኣምን፡ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ድማ እጃምና ከነበርክት ድሉዋት ኣለና ካብ ዝበሉ ስነ-ጥበበኛታት ሓው ኢዮብ ሃይለን፡ ኣሕመድ (ሓማዳ) እብራሂምን ካብ ጀርመን፡ ዓሊቶን ተስፋይ ጀንትሊን ሙዚቐኛታትን ድማ ካብ ስዊዘርላንድ ክሳተፉ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ። ልቦና ስነ-ጥበበኛታትና ድማ ኩሉ ተቓላሳይ ክስዕቦን ክብገሰሉን ትስፉዋት ኢና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኩልና ክንስዕቦ ዘለና ኣወንታዊ ባህሊ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።

ካብዞም ኣርባዕተ ሓደ። ሓው ሓማዳ ኣብራሂም ካብ ዝልለየሉ ስነ-ጥበብ ድማ፡ ወኒ ናይ ቃልሲ ዘበራብር መድረኻዊ ግጥምታቱን ንባቡን ምስ ምቅርራብ መድረኽን ምዃኑ ተሳታፊ ፈስቲቫላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውርዊ ባይቶ ካብ ዝምስክሮ ሓቕታት ምዃኑ ከይዘከርካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ንሎሚ ዜና ፈስቲቫል 2018 ኣብዚ ወዲእና ኣለና፡ ዝስዕብ መደባትናን ሓበሬታ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ድማ ኣብ ዝመጽእ ከነካታትለኩም እያ።

ርክብና ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ይኹን።

Last modified on Sunday, 15 July 2018 23:12