ኣዛዚ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ፡ ናብ ሰራዊት ሱዳን ተጸንቢሩ
2024-10-22 11:46:44 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 628 timesኣቡ ኣግላ ( ቀይሕ ቆቢዕ ዝለበሰ ጀነራል)ን ሰዓብቱን ምስ ሰራዊት ሱዳን (ስእሊ ካብ ሱዳን ትሩቡን)
ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ናይቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ናብቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝእዘዝ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸንበረ መርበብ ሓበሬታ ሬድዮ ዳባንጋ ኣፍሊጣ። ናይዚ ኣቡ ኣግላ ከይኪል ዝተባህለ ኣዛዝን ሰዓብቱን ነቲ ስጉምቲ ምውሳድ ንህላወ ሰራዊት ሕመቲ ኣብ ማእከላይ ሱዳን ዓብይ ጽፍዒት ምዃኑ ተገሊጹ። ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ናይቲ ኣዛዚ ናብኡ ምምጻእ ኣረጋጊጹ፡ ኣገዳሲ እዋናዊ ሱምቲ እዩ ከም ዝበሎ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ከይኪል ቅኑዕ ምርጫን ከም ዝወሰደ ክጠቅስ እንከሎ፡ እቲ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣዛዚ ብወገኑ ነቲ ዝጸንሖ ወገን፡ ናይ ወጻኢ መሳርሒ እዩ ኢልዎ። ከይኪል ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ውግእ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ሓይሊ ሕመቲ ተቖጻጺርዎ ዝጸንሐ ቦታታት ንምምላስ ሓድሽ ወተሃደራዊ ተበግሶ ኣብ ዝወሰደሉ እዩ።
ከይኪልን ሰዓብቱን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣብቲ ዝነበርዎ ወገን፡ ወተሓደራዊ ሓለፍቲ፡ መራሕቲ ቀቢላታትን ቤተሰብ ከይኪልን ይዛተዩ ኣብ ዝነበርሉ፡ ሩፋ ኣብ ዝተባህለ ጽዑቕ ውግእ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ከባቢ ኣልጀዚራ እዩ። ውተሃደራዊ ክኢላታት እዚ ኩነታት ኣብቲ ከባቢ ንዝጸንሐ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ክቕይሮ እዩ ዝብል ርኢቶ ይህቡ ኣለዉ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ኣካላት ናይቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከቡ መደበራቱ ኢዶም ንክህቡ ማዕጾ ክፉት ምዃኑን ምሉእ ምሕረት ኣከም ዝገብረሎምን ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ። እዚ ስጉምቲ ብካለኦት ኣዘዝቲ’ውን ክቕጽልዩ ዝብል ግምት ኣሎ።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ ዘሎ ዕጡቕ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ፡ ናይ ምድኻሙ ጠንቂ ሕቡራት ኤመራት ዓረብን ካለኦት ሃገራትን ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ኣጽዋር ይህበኦ ምህላወን’ዩ ኢሉ ክኸስስ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።