ብማእከላይ መሪሕነት ፖሓኤ ዝተማሓየሸ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
2024-09-30 18:18:58 Written by ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ Published in EPDP News Read 237 timesቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ኲነታት ኣብ እትኸደሉ፡ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ምንቁልቋል ንምድሓን ሓድሽ ማዕበል መንእሰያት ኣብ ዝካየደሉ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራውን ሓቢሩ ክሰርሕ ጽላላት ኣብ ዘቑመሉ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ሕድሕድ ውግእን ምቅትታልን ሃለዋት ኣብ ዝተባርዓሉ፡ ኣብ ናይ ቀረባ ጐረቤትና ዝኾነት ክልል ትግራይ ድማ ብናይ ፕሪቶርያ ስምምዕ መሰረት ናይ ሰላም ጩራ ኣብ ዝተራኣየሉ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባና ኮነ ዓለምና ሓድሽ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ ኣብ ዝተጋሃደሉ፡ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ፍልስጤምን፣ መንግስቲ እስራኤልን፣ ዩክረይንን ሩስያን ኣልዒልዎ ዘሎ ነውጺ፣ ናብ ተጠምቀቕ ኣትዩ ኣብ ዘሎ ህሞትዩ ተኻይዱ። ዋዕላ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝቐረብሉ ንድፊ ቀወምቲ ሰነዳት ቻርተን ዓንዲ ሕግን ተመያይጡ ምጽዳቑ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ዓሚቚ ዘተ ኣካይዱ፡ እዚ ዝስዕብ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ድማ ኣሕሊፉ።
እዋናዊ ኲነታት ኤርትራ፣ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ባዕሉ ንዘቖሞም ትካላት’ውን ከይተረፈ ጠሊሙ፡ ናብ ክቱር ክሕደት ስለዝጠሓለ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታት ኣብ ኣዝዩ ክተዓረቐሉ ዘይክእል ዝተረሓሓቐ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዋዕላ ፖሓኤ ገምጊሙ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ዋዕላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ራህውኡን ሓርነቱን መንገዲ ድሕነቱ ንኽጸርግ ጸዊዑ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካልን ኣብ ዘካየድ ዘሎ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ፖሓኤ ቅድሚት ከምዝስለፍ ብምርግጋጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ፖለቲካዊ ሓይልታቱ ንኽስለፍ ጸዊዑ።
ኤርትራዊ ልኡላውነት፡ ኣብ ሃገርነት ኤርትራ እሙን ዘይኮነ፡ ተወላዋሊ ስርዓት ህግደፍ ብዝተኽተሎ ስልጣኑ ናይ ምስፋሕን ምሕላውን ፖሊሲ፡ ናጽነት ኤርትራ ዘይተወሕጠሎምን ንኣፍደገ ባሕሪ ምስምስ ዝገብሩ ገለ ኢትዮጵያዊ ውድባትን ውልቀ ሰባትን፡ ንልዑላውነትና ኮነ ሓድነት ህዝብናን መሬትናን ትርጉም ዘስእንዎ ወስታታት ከርእዩ ክንዕዘብ ጸኒሕና። ይኹን እምበር፡ ፖሓኤ ልዑላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን፣ ባሕርን ኣየርን ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ምዃኑ የረጋግጽ።
ኣድላይነት ሓባራዊ መቃለሲ ጽላል ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡
ፖሓኤ ንተዳላይነት ሓቢርካ ምስራሕ ካብ ምርዳእ ሓሊፉ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳቤታት፡ ግንባራትን ምንቅስቃሳትን ክዝቲ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ኣብ መስራቲ ዋዕላ በጺኡ። እዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ መጀመርታ እምበር መወዳእታ ከምዘይኮነ ስለ ዝኣምን ከኣ፡ ኣብ ዙሪያ’ቲ ከም መእከቢ ኣስፊርዎ ዘሎ ኣርባዕተ መቆሚ ነጥብታት፡ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጀሚርዎ ዘሎ ኣብ ናይ ሓባር ጽላል ናይ ምምጻእ ቃልሱ ክቕጽሎ እዩ። ንዘተን ሓባርዊ ስራሕን ቅሩባት ምስ ዝኾኑ ኣካላትውን ሓድሽ ናይ ዘተ መኣዲ ንምኽፋት ቅሩብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ዝሰማማዕ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምስ ዘለዎም ሓይልታት`ውን፡ ኣብ ሓደ ውዳበ ንኽመጹ የተባብዕ።
ህዝባዊ ማዕበላት፡ ፖሓኤ ምስ ከሎም ኤርትራዊ ህዝባዊ ማዕበላት፡ ብፍላይ ድማ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥን፡ ብዙሓት ኣባላት ፖሓኤ ተጸንቢሮሞ ኣብ ዝሳተፍሉን ዘለዉ ምንቅስቓስ ንክህሉዎም ዝኽእል ሕጽረታት ብብቕዓት መኪቶም ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ቃልሲ ክድይቡ እንዳተባብዐ፣ ሕጋውን ብጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍን ዘይምዝመዝ ኣገባብ ቃልሲ ብምኽታል፡ ንህግደፍ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ካብ መንግስታትን ህዝብታትን ዝንጽልን ንቑጠባዊ ኣታዊታቱ ዘንጽፍን ክኸውን ንመክር። ብፍላይ ድማ እቲ ብሰንኪ ህግደፍ ዘንቐሎ ተጻራሪ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ክረአ ንዝጸንሐ ምቅትታልን ምጉዳል ኣካላትን መርወይ ድሌት ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ዝቕጽል ጠጠው ንኽብል ኣትሪሩ ይጽውዕ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣደዳ ስደት ኮይኖም ከምዘለዉ፡ ከምኡ’ውን ብምኽንያት መግዛእቲ ካብ 1967 ጀሚሩ ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ስደት ዝጸንሑን፡ ብሰንኪ ነጻጊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ፣ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይከኣሉን ዋዕላ ተገንዚቡ። ህዝብና ካብዚ ኣብ ፈቐዶ ዝተሰዶ ሃገር ዝሓልፎ ዘሎ ኣስቃቒ ሃለዋት መታን ክገላገል፡ ሓይሉ ኣወሃሂዱ ወጽዓ ንምልጋስ ክቃለስ ዋዕላና ደጊሙ ይጽውዕ። ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ክቕበሉን ክናብዩን ንዝጸንሑ ሃገራትን ህዝብታትን ኣመስጊኑ። ናይ ስደተኛ መሰል ጠሊሞምን ኣህጉራዊ ሕግታት ጥሒሶምን ስደተኛ ካብ ሃገሮም ኣገዲዶም ናብ ኤርትራ ክሰጉ ንዝደናደኑ መንግስታት ከቋርጽዎ ንምሕጸን።
ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ሕግታት ብምጥሓስን እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት በብግዜኡ ለውጢ ክገብር ዝወሃቦ መተሓሳሰብታት ብምንጻግ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዘይፈለጥ ቦታታት ንዝኣሰሮም ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖታት፡ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ተራ ሃገራውያንን ኮታ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ግዳያት ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዕታት ንኹንኖ። ኩሎም ዝምከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ከሕይሉ ድማ ንጽውዕ።
ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክህሉ ዝግብኦ ዝምድና፡ መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብድልየት ውልቀ መራሕቲ ዘይኮነ ብትካላዊ ኣሰራርሓን ግሉጽ ስምምዓትን ዝተዋሕሰ፡ ኣብ ፖሊሲ ሕድሕድ ጣልቃ ዘይምትእትታው ዝተሰረተ ክህሉ መትከላዊ እምነቱ ምዃኑ ፖሓኤ የረጋግጽ። ብዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ኣካላት እንደገና ከም ሓዲሽ ዝወዓዋዕ ዘሎ ጉዳይ ናይ “ኤርትራ ትግባኣኒ እያን” ኣፍደገ ባሕርን፡ ናብ ዘየድሊ ውግእ ንኸየምርሕ ዋዕላና ሻቅሎቱ ይገልጽ። ነቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉድያትን ዝምድናን ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘካይዶ ዘሎ ሓደገኛ ስጉምታት፡ ንገዛእ ርእሱ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ብምጥቃስ ከኣ ይነጽጎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንኤርትራ ዝምልከት ዝኽተሎ ፖሊሲ ማእከሉ ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ዘኽበረ ንክኸውን ዋዕላ ይጽውዕ።
ኣብ ስምምዕ ኣልጅርስ ዝተመርኮሰ፣ ንቐያድን ናይ መወዳእታን ዶባዊ ኣህጉራዊ ብይን ደንሃግ ሓንሳብን ንሓዋሩ ኣብ ባይታ ክትግበር ድማ ዋዕላ ይምሕጸን። ብፍላይ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ሕቡራት መንግስታት ይኹን ካልኦት ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ብህጹጽነት ክርእይዎ ዋዕላ ይምሕጸን።
ርክብ ኤርትራን ሱዳንን፣ ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ፡ ህዝቢ ሱዳን ኩነታቱ ተቐይሩ፡ ናብ ዝሓሸ ሰላማዊ ህይወት ንምምላስ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ፣ ኣብ ጐኑ ከምዘሎ የረጋግጽ። ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን ወተሃደራዊ መራሕቲ ካብ ዓውዲ ውግእ ናብ ዓውዲ ዘተ ተመሊሶም ባህጊ ህዝቦም ከውሕሱ ይጽውዕ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ነቲ ኣብ ዞባና ከይተረፈ ስግኣት ዝፈጥር ዘሎ ጉዳይ ሱዳን፣ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉን ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ተሸሚሙ ንዘሎ ህዝቢ ሱዳን ክሕግዝን ንምሕጸን። ስርዓት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኣትዩ ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራውን ጸጥታውን ኢድ ኣእታውነት ደው ከብል ህዝብና ብትሪ ክቃወሞ ዋዕላ ይጽውዕ።
ዓወት ንፍትሓዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
ሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ይዓንብብ!!
ውድቀት ንገባትን ጨቋንን ስርዓት ህግደፍ!!
07 ነሓሰ 2024