ኤምባሲ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ፡ ደገፍቱ ኣብ ገገዝኦም ብጾም ክዝክሩ ጸዊዑ

2024-06-20 07:28:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 248 times

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ፡ ኤርትራውያን ደገፍቱ፡ 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት ንምዝካር፡ ካብ ገዝኦም ወጻኢ ከይእከቡ መጠንቀቕታ ዘርጊሑ። እቲ ኤምባሲ ኣብቲ ብ19 ሰነ 2024 ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ፡ ብድሮ ኣብ ገገዝኦም ኮይኖም፡ ሽምዓን ጥዋፍን ከብርሁ ኣዚዙ፡ ኣብቲ ዕለቱ ድማ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ገዛ ክጸሙን ሰዓት ሓደ ድማ ንስዉኣት ብጽሞና ክዝክሩ ጸዊዑ።

እቲ ኤምባሲ ድሕሪ 2018 ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሎ ኣብ ዝበሃል ሰፋሕቲ ኣዳራሻት፡  ኣቐዲሙ ገንዘባዊ ኣታዊ ዝረኽበሉ መእተዊ ትኬታት ኣዳልዩ ብምሻጥ፡ ንህግደፍ ዘመጉሱ መደረታት ብምስማዕ እዩ ዘኽብሮ ነይሩ።

ናይዚ ዓመትዚ ብኽንድዚ ብዝተሓተ ደረጃ ምዝካሩ፡ ምልክት ስግኣቱ ኮይኑ፡ እዚ ስግኣቱ ካብ ምንታይ ከም ዝነቅል ዘዘራርብ ዘሎ እዩ። ኣብ መንጎ ህግደፍን ብልጽግናን ናይ ዘሎ ምትፍናን ሓርፋፍ ዝምድናን ውጽኢት’ዩ ዝብሉ ወገናት ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ድማ ናይ ብሪገድ ንሓመዱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ቅሉዕ ኣኼባታት ምክያዱ፡  እቲ ፍልልይ ምስፍሑ ከም ዘመልክት ናይ ብዙሓት እምነት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ጉንበት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ እውን፡ እቲ ኤምባሲ ብኣዝዩ ጸቢብ ደረጃ እምበር፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ደገፍቱ ብዘሳትፍ፡  ኣብ ኣዳራሽ ከኽብሮ ዘይምኽኣሉ ናይ ቀረባ ዝኽሪ እዩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ፡  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዘኽፍሎ ዋጋ ቲኬት፡ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዘኽፍሎ ዝያዳ ክሳብ ሚእቲ ሺሕ ብር ከም ዘብጸሖን ብሰንክዚ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መዲያታት ሓቢሮም።

Last modified on Thursday, 20 June 2024 09:47