ኣምበሳድር ኤርትራ ጉዳ ሓቢኣ፣ ንካለኦት ትኸስስ

2024-06-19 10:39:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 215 times

ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ሶፍያ ተስፋምርያም፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ናይቲ ባይቶ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ነቲ ንሳ እትውክሎ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ በደላት ሓቢኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ እገዳት ዘይሕጋዊ ከተምስሎ ተሰሚዓ።

ካብቶም ዕሉላት መሳርሒ ሕግደፍ ምዃና ዝንገረላ ሶፍያ፡ ነቲ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባን ሰብኣውነትን ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን መዳርግቲ ዘየብሉ ገበናት ሸፊና፡ እቲ ቅድም መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘንበሮ ደሓር ድማ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝደገፎ እገዳ ንናይ ምዕራባውያን ፖለቲካዊ ሕሳብ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ክትብሎ ፈቲና።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ወዮ እቲ ዝወከለቶ ኣካል በብግዜኡ ዝጥሕሶ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ዘንጊዓ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ እገዳ ዓለምለኻዊ ኣሰራርሓ፡ ሕግታት ንግድን ፖሊሲ ዝምድናን ዝጠሓሰ እዩ ኢላቶ።

ሶፊያ ቀጺላ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍትን ቁጠባዊ ትካላትን ህግደፍ ዘንበሮ እገዳ ከም ዘሕደሶ ተኣሚና፡ ዕላምኡ ከኣ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ፡ ናይ ከባቢና ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ንምዝራግ  ዝዓለመ እዩ ኢላ ገሊጻቶ። ኣብዚ እቲ ዘገርም እቲ ዞባዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ንምዝራግ ዘይቅዱስ ዝምድናታት ክፈጥር ከይደቀሰ ዝሓድር ህግደፍ ምዃኑ ክትሓብእ ምፍታና እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣንበሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ ዝሃቦ ምስክርነት ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክውሰን ዝጸንሐ እገዳታት፡ ብመንጽር ድሌት ናይቶም ዝውስኑ ኣካላት እምበር፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ በደላትን ገበናትን ህግደፍ ክንድቲ ዝድለ ኣብ ግምት ዘይምእታዉ ከዛርብ ዝጸንሐ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Wednesday, 19 June 2024 13:08