ፍልልያት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሱዳን ኣብ ሲቪላዊ ተሳትፎ ተንጸባሪቑ

2024-03-27 09:32:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 318 times

ሌፍተናንት ጀነራል ኢብራሂም ጃብር፡ ምክትል ኣዛዚ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን፡ ወተሃዳራዊ ሓይልታት ሱዳን ተሳትፎ ሲቪላዊ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ብወግዒ ከም ዝነጽግ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። እቲ ጀነራል ሓደ ዓመት ኮይንዎ ዘሎ ውግእ ሱዳን ንምፍታሕ ዝተገብረ ፈተነታት ክሳብ ሎሚ ከምዘይተዓወተ ጠቒሱ፡ ምምቕራሕ ስልጣን ምስ ሲቪላዊ ጉጅለታት ዝነጸገሉ ምኽንያት ምስቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ምድንጋጽ ስለ ዘለወን ምዃኑ ኣስፊሩ።

እቲ ጀነራል ኣብ ገዳርፍ ንዝርከቡ ወተሃደራት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ተሳትፎ ሲቪል ፖለቲከኛታት ኣብ ልዕሊ ምንጻጉ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ሱዳን ካልእ ተወዳዳሪ ዘየብሉ፡ ሓደ ሃጋራዊ ሰራዊት ጥራይ እዩ ዘሎ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ  ዝኾነ መሰጋገሪ ዝበሃል ኣካል ኣይህሉን እዩ። እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ባዕሉ ህዝቢ   ሱዳን  መንግስቲ ናብ ዝመርጸሉ መስርሕ ከም ዘሰጋግሮ  ኣቃሊሑ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ካልእ ምክትል ኣዛዚ፡ ያሲር ኣል ዓጣ፡ ንብኩራት ተሳትፎ ሲቪላዊ ፖለቲካዊ ማሐረሰብ ብምጽራር፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ክልላዊ ኣመሓደርትን ንምምራጽ  ዘኽእላ ኮሚተታት ምድላው ከም ዝግበር ገሊጹ። ምክትል ፕረሲደት እታ ሃገር ማሊክ ኣጋር ወገኑ፡ ድሕሪ ስዕረት እቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ፡  ኣብ ሱዳ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምስረት እዩ ክብል ገሊጹ።

እዚ ኣብ ሕድሕዱ ብዛዕባ ሲቪላዊ ተሳትፎ ዝገራጮ ዘሎ ወገን ሱዳን፡ እቲ ብኤርትራ፡ ግብጽን ሳዑዲ ዓረብን ይሕገዝ ከም ዘሎ ዝንገረሉ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ፐሪየሎ፡ ድሕሪ ዒድ-ኣልፈጢሪ ብ18 ማዝያ 2024 መስርሕ ሰላም ሱዳን ምቕጻል ርክብ ከም ዝግበር ኣፍሊጡ።

Last modified on Wednesday, 27 March 2024 10:42