ህግደፍ ሎሚ’ውን ኩነታት እሱራት ክሕብር ተሓቲቱ

2024-02-29 10:32:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 373 times

ኣብ መበል 55 ምድማጽ ናይ ቃል ጸብጻብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ጸብጻብ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ሱዳናዊ  መሓመድ ዓብደልሰላም በቢከር፡ ምስማዕ፡ ሎሚ እውን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣዝዩ ከም ዘሻቕሎ ምግላጹ ናይቲ ባይቶ ክፍሊ ሓበሬታ ብ28 ለካቲት 2024 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ካብቶም ኣሻቓሊ ኢሉ ዝጠቐሶም፡ ናይ ሰባት ጃምላዊ ማእሰርትን ጉዱድ ምስዋርን ከም ዝርከብዎ ድማ ኣስፊሩ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ  ብሓፈሻ ኩሎም ተኣሲዎምን ተሰዊርዎን ዘሎ ግዳያት ክፈትሕ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ 2008 ጀሚሮም ደሃዮም ዘይተፈልጠ 13 ወተሃደራት ጅቡቲ ብዝምልከት ጠቒሱ። ከምኡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ናይ ህጻናት ግዱድ ውትህድርናን ጾታዊ ዓመጽን ዝያዳ ኣሻቐልቲ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።

ሕብረት ኤውሮጳ መንግስቲ ኤርትራ ንመሰል ርኢቶኻ ምግላጽ፡ ምሕሳብ፡ ናጽነት እምነት፡ ምእካብን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ነብስኻ ምክልኻልን ከኽብር ብትሪ ጸዊዑ። መጸዋዕታኡ ዝያዳ ብምርጓድ ድማ፡ ሰራዊቱ መሊኡ ካብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ከውጽእ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብ ትግራይ፡  ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይተረፈ፡  ንዝተፈጸሙ  ጥሕሰታት ሰብኣዊ መስላት፡ በደላትን ዘይምኽባር ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትን፡ ፍትሒ ንምስፋን ብዘኽእል ኣገባብ ናጻን ተኣማንን መርመራ ክካየድ፡  ሓቲቱ።

ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራ ኣብ ኩሎም ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝዝዛመዱ ዓለምለኻዊ ሕግታት ክትፍርምን ከተተግብርን ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ክተሓባበር ድልዊ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣማኢት ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ኣማኢት ኣሸሓት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ እሱራት ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Thursday, 29 February 2024 11:46