ኦክስፋም ኣብ ጉዳይ ጥሜት ትግራይ መግለጺ ኣውጺኡ

2024-02-12 10:28:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 330 times

ኦክስፋም ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ረዲአት ብ10 ለካቲት 2024 ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ጥሜት ዘጠንቅቕ መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ ትካል ኣብቲ መግለጺኡ፡ ብሰንኪ ናይ 2ተ ዓመታት ውግእን ድርቅን ኣብ ትግራይ ናይ ዘራእቲ ግዜ ስለ ዝበኾረ፡ ናብ ዓሚቕ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘውድቕ ኩነታት ከም ዝተፈጥረ ኣስፊሩ።

ወኪል ኦክስፋም ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዘሀኝ ከበደ፡ ነቲ ኩነታት፡ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ንኣብነት ዝጥቀስ ኮይኑ፡ ካብዚ ሓሊፉ ተወሳኺ ሚልዮናት ምግማቱ ካብ ዘጸግም ናይ ጥሜት ሓደጋ ንምድሓንን ናይ ዕለት መግቢ ንምርካብን ሃንቀው ዝብለሉ ዘሎ ኩነታት ክፍጠር እዩ ብዝብል ገሊጽዎ። ኣስዒቡ ድማ ነዚ ኩነታት ስቕ ኢልካ ምዕዛቡ “ፖለቲካውን ሞራላውን ውድቀት እዩ” ኢልዎ።

እቲ ናይ ኦክስፋም መግለጺ፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ዘይመጣጠን፡ ከም ኣብ ምድረበዳ ሓንቲ ንጣብ ማይ ዝቑጸር ኮይኑ፡ ዝምልከቶም ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ እኹል  እንተዘየቕሪቦም፡ እቲ ሳዕቤን ዝለዓለ ቁጽሪ ህዝቢ ዝሃልቀሉ ክኸውን እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ድማ ብደረጃ ኢትዮጵያ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሞን ዓፋርን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሓደጋ ጥሜት ምህላወን ጠቒሱ። እዚ ዝመግለጺ ኦክስፋም ዝወጸ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ዝወደቐሉ እዩ።

Last modified on Monday, 12 February 2024 11:34