169 ኣፍሪቃውያን ሓተቲ ዑቕባ፡ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ተሳጊሮም

2023-11-22 19:46:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 423 times

ሩዋንዳ ብ15 ሕዳር 2023፡ ኤርትራውያን፡ ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ኣብ ሊቢያ ዝጸንሑ: 169 ሓተቲ ዑቕባ ከም ዝተረከበት ማዕከን ዜና ሸንሁዋ/Xinhua ንናይ ሩዋንዳ ሚኒስተር  ምምሕዳር  ህጹጽ ጉዳያት ብምጥቃስ ካብ ኪጋሊ ሓቢራ።

እቲ ሩዋንዳዊ ሚኒስተር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዞም ሓተቲ ዑቕባ ብሰላም ኣብ ኪጋሊ ከም ዝበጽሑ ብምጥቃስ፡ ሩዋንዳ ነቶም ስደተኛታት ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ከተቕርበሎም ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ እቶም ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተሰጋገሩ፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሖም  ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሩዋንዳ ናብ ዝርከብ ማእከል መሰጋገሪ ጋሾራ ኣትዮም ኣለዉ።

እዚ መበል 15 ዙር ስጉምቲ ምስግጋር ዝተወስደ፡ ብመሰረት እቲ ብ2019 ብዛዕባ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተበጽሐ ምርድድዳእ እዩ።

ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት IOM፡ ብወገኑ፡ ኣብ ሩዋንዳ ኣብዚ ዓመት 6,600 ሰባት ናይ ምጥያስ ደገፍ ተገይሩሎም። ካብዚኣቶም 1,288 ካብቶም መጀመርያ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተሳገሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብጠቕላላ ክሳብ ዝሓለፈ 30 መስከረም 2023፡ 135 ሺሕ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ሰፊሮም ከም ዘለዉ ዓለም ለኻዊ እቲ ትካል ስደተታት   ኣፍሊጡ።   

Last modified on Wednesday, 22 November 2023 20:58