ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መተሓላለፊ ገላባት ከምዝተዓጽወ ተሓቢሩ

2023-11-21 13:00:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 486 times

ምንቅስቓስ ገላባት ዘርኢ ምስሊ ካብ ጋዜጣ ኣተቕይር

ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መተሓላለፊ ኣፍደገ ገላባት ካብ 20 ሕዳር 2023 ጀሚሩ ከም ዝተዓጽወ፡ ኣተቕይር/ Altaghyeer፡ ዝተባህለት ጋዜጣ ሱዳን፡ ኣብ ዶብ ሱዳን-ኢትዮጵያ ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ብምጥቃስ ሓቢራ።  እቶም ኣዘዝቲ ናይቲ ምዕጻው ጠንቂ ኣብቲ ቦታ ሱዳናውያን ካብ ኢትዮጵያ ብዝሰግሩ ዕጡቓት ሓይልታት ይውጽዑ ስለ ዘለዉ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ጠቒሶም። ብኻልእ ወገን ከኣ  መተሓላለፊ ኣፍደገ ገለባት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሱዳን ብዝሃብዎ ፈቓድ ተዓጽዩ ምስ ጸንሐ ዝተኸፈተ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ነታ ጋዜጣ ኣረጋጊጸሙላ።

እዚ ሓድሽ ዕጽዋ ዝፍጸም ዘሎ፡ መራሒ ልኡላዊ መሰጋገሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ  ኣልቡርሃን ኢትዮጵያ በጺሑ ምስተመልሰ፡ ንጽባሒቱ ዝተፈጸመ ምዃኑ፡ እቲ ምኽንያት ቴክኒካዊ ናይ ዶብ ኩነታት ዘይኮነ፡ መግለጺ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ገይሮም ዘቕርብዎ ወገናት ኣለዉ።

ቤት ጽሕፈት ወሃብ ቃል ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ምዕጻው ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዚ ሱጉምቲ ግብረ-መልሲ ናይቲ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ሓይልታት ብምስጢር ናብ ሱዳን ንምእታው  ዝፍትንዎ እዩ ከም ዝበለ እቲ ዜና ኣስፊሩ። እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ናይቲ ከባቢ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ብ17 ሕዳር 2023 ብኢትዮጵያውያን ከም ዝተጨውየ ነታ ጋዜጣ ኣረጋጊጹላ። ብዘይካዚ 5 ሱዳናውያን ህጻናት ካብቲ ከባቢ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝተጨውዩ እውን መንነቱ ክጥቀስ ዘይደለየ ሱዳናዊ ካፒተን ነታ ጋዜጣ ሓቢርዋ።

ምስዚ ብዝተዛመደ ኣብዚ እዋንዚ ወተሃደራት ሱዳን ኣብ ገላባት፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መተማ ይተኣኻኸቡ ከም ዘለዉ ኢቲ ዜና ጠቒሱ።

እዚ ኩነታት ምስቲ ኣብዚ ከባቢ ዝረአ ዘሎ ናይ ሃገራት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ዝተሓሓዝ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን ኢስያስ ኣፈወርቅን ዝምዕብል ዘሎ ዝምድናን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዛይድ ዘሎ ምፍሕፋሕን ምትሕሓዝ ኣለዎ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ።

Last modified on Tuesday, 21 November 2023 14:11