ሶማሊያ መንእሰያታ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክዕለሙ ልኢኻ
2023-02-03 10:17:22 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 444 timesካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ምስሊ
ሶማልያዊ ኣማኻሪ ሓሰን ሼኽ ዓሊ፡ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ፕሮግራም እንግሊዘኛ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሓትት፡ ሃገሮም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኤርትራን ኡጋንዳን ነፍሲ ወከፈን 3 ሺሕ ከምኡ ድማ 6 ሺሕ ናብ ኢትዮጵያን ግብጽን ብድምር 12 ሺሕ መንእሰያት ንወተሃደራዊ ታዕሊም ምልኣኻ ምሕባሮም ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ። ብመሰረት ቃለ መጠይቕ ናይቶም ኣማኻሪ፡ እቲ ትልሚ ኣካል ናይቲ ክሳብ መወዳእታ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ 15 ሺሕ ሶማላውያን ወተሃደራት ናይ ምስልጣን መደቦም እዩ።
ኣብ ሶማሊያ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ ክኢላታትን ሓድሽ ሓሳብ ኣመንጨውትን ብወገኖም ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወተሃደራት ናይ ምስልጣን መደብዚ፡ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ሓላው ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ክወጽእ እንከሎ 24 ሺሕ ወተሃደራት ኣዳሊኻ ጸጥታዊ ሓላፍነት ንምርካብ ናይ ዝካየድ ምቅርራብ ኣካል እዩ። እንተኾነ እዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ዝተጋነነ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
እቶም ኣማኻሪ ሓሰን ሼኽ ዓሊ፡ ካብቶም ካብ 2019 ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ መንእሰያት ኩሎም ከይተመልሱ፡ ስለምንታይ ካለኦት ናብ ኤርትራ ምስዳድ ንዝብል እዚ ናይ ሎሚ መደብ ኣብ ግሉጽነት ዝተሰረተ እዩ ብዝብል ከም ዝመለስዎ ተሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ርእሲቶም 3ሺሕ መንእሰያት ሶማላውያን፡ ካለኦት ካብ 30 ዘይውሕዱ ኣባላት ፖሊስ ንዝለዓል ስልጠና ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኾም ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን ድማ መራሕቲ ናይተን ምስ ሶማልያ ዝዳወባን ናብታ ሃገር ሰራዊተን ዝለኣኻን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጅቡትን ብ1 ለካቲት 2023 ኣብ ዋና ከተማ ሶማሊያ መቃድሾ ኣኼባ ኣካይዶም። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ኣብቲ ሶማሊያ ኣንጻር ኣልሸባብ ተካይዶ ዘላን ክሳብ መወዳእታ 2023 ክውደኦ እየ ኢላ መደብ ዝሓዘትሉን ውግእ ዝተሓባበርሉ መንገዲ ንምድህሳስ ምዃኑ ናይተን ሃገራት ማዕከናት ዜና ገሊጸን። እዚ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ወጥሪ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።