ወለዲ ኣብ ኤርትራ ናይ ዘለዉ ወተሃደራት ሶማልያ ንመግስቶም የጨንቖዎ

2022-11-05 09:16:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 511 times

ወለዲ ናይቶም ካብ 2019 ጀሚሮም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሶማላውያን ወተሃደራት፡ መንግስቶም ናብ ሃገሮም ንክመልሶም የጨንቕዎ ከም ዘለዉ፡ ኤረና ንመርበብ ሶማሊ ጋርድያን/ Somali Guardian  ብምጥቃስ ሓቢራ። እዞም ወለዲ ብ17 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ብፕረሲደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝምራሕ መንግስቲ ሶማሊያ፡ ነቶም ንስልጠና ተባሂሎም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ 5ሺሕ መንእሰያት ቀልጢፉ እንተዘይመሊስዎም ተቓውመኦም ከም ዘዛይዱ ኣፍሊጦም።

እቶም ሶማላውያን ወለዲ፡ ነቲ ፕረሲደንት ሸኽ ማሕሙድ ንምርጫ ክወዳደር እንከሎ እንተተመሪጹ ደቆም ካብ ኤርትራ ክመልሰሎም ምዃኑ ዝኣተዎ ቃል ብምጥቃስ እዮም ተቓውመኦም  ዘስምዑ ዘለዉ። ኣብቲ ምልክታኦም ካብቶም ሶማላውያን መንእሰያት ዝሙቱ፡ ኣካሎም ዝጐደሉን ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘጋጠሞምን ከም ዘለዉ እውን ጠቒሶም።

እቲ ናይቶም ወለዲ ሻቕሎት ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ኣብ ናይ ሶማሊያ መዲያታት እቶም ሶማላውያን ወተሃደራት ምስ ኤርትራውያን ናብ ውግእ ትግራይ ኣትዮም ዝብል ዜናታት ምስ ተቓለሐ እዩ።

ፕረሲደንት ሶማሊያ ስልጣን ምስተረከበ፡ ብጉዳይ እዞም መንእሰያት ናብ ኤርትራ ከይዱ ረኺብዎም ነይሩ። ብድሕሪኡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምስ ገሸ ድማ፡ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ኩነታት ርጉእ ኣይኮነን ብዝብል ጉልባብ ናብ ዓዶም ክምለሱ ክፈቕደሎ ቅሩብ ከይዘይኮነ ጠቒሱ ነይሩ። ምስዚ ብዝተተሓዘ መንግስቲ ኣሜርካብ ኣብ ምምላስ እዞም መንእሰያት ክትተሓባበሮ እውን ተማሕጺኑስ ኣሜርካ እውን ቃል ኣትያትሉ ምንባራ ዝዝከር እዩ። ብዛዕባዚ ሓድሽ ምልዕዓል ናይቶም ወለዲ ግና ዝኾነ ነገር ከምዘይበለ እቲ ካብ መርበብ ሶማሊ ጋርድያን/ Somali Guardian  ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

Last modified on Saturday, 05 November 2022 10:22