ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ተናዊሑ

2022-10-31 11:42:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 707 times

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 25 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ብማእከልነት ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ብመሪሕነት ናይ ቅድም ፕረሲደንት ናጀርያ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያ ዝነበሩን ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበርን፡ ብተዓዛብነት ኢጋድ፡ ኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ክካየድ ዝጸንሐን 30 ጥቅምቲ ክዛዘም ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ዘተ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ክሳብ 2 ሕዳር 2022 ከም ዝቕጽል፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ዝተላዕሉ ዛዕባታት ብዝምልከት ካብቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተዋህበ ዕላዊ መግለጺ የለን። እንተኾነ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክዛተ እየ ክብል ዝጸንሐ ክነሱ ኣብ መስርሕ እቲ ዘተ ብ27 ጥቅምቲ 2022  “ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ፈቲሑ መራሕቱ ኣብ 24-72 ሰዓታት ኢዶም እንተዘይሂቦም ተኹሲ ጠጠው ክብል ኣይሰማማዕን እየ”  ዝብል ሓሳብ ብምቕራቡ እቲ ዘተ ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ቢቢሲ ዝተወከሶም ኣካላት ሓቢሮም። ብወገን ልኡኽ ትግራይ ዝቐረበ ሓሳብ ድማ፡ ቅድሚ ኩሉ ተኹሲ ጠጠው ክብል፡ ሰብኣዊ ረዲአት ብዘይገደብ ክቐርብን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን ዝብሉ ሓሳባት እዮም። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምዕራባውያንን ኣሜሪካን ብወገኖም ምስ ርኢቶ ልኡኽ ትግራይ ዝመሳሰል፡ እዚ ደም ዘፋስስ ዘሎ ውግእ ናይ ግድን ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝብል ርኢቶ ኣለዎም።

ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ ኣብ ምጅማር እቲ ዘተ ኢትዮጵያ ዝተረጋገአትን ሰላማዊትን ክትከውን ሕብረቶም ኩሉ ኣስተዋጸኦ ክገብር ቅሩብ ምዃኑ ጠቒሶም ነይሮም። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣሜሪካ ብወገኖም ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ክረጋገጽ ዝምልከቶም ኣካላት ብተገዳስነት ክርእይዎም ኣተሓሳሲቦም ነይሮም።

Last modified on Monday, 31 October 2022 13:05