ኣህጉራዊ ትካላትን ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ጠጠው ኢሉ: ዘተ ክቕጽል ጸዊዐን

2022-08-25 17:32:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 758 times

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካን ዓባይ ብሪታንያን ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተባርዐ ውግእ ኣዝዩ ከም ዝተሓሳስቦም ምግላጾም “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር/ETHIOPIS INSIDER፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ። ኣቦመንበር ኮሚሽ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ ማሃማት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ጸሓፊ  ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከንን ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ዓብይ ብሪታንያ ቪኪ ፎርድን ብ25 ነሃሰ 2022 በብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ውግእ ጠጠው ንክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቦም

እቲ ዳርጋ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ጠጠው ኢሉ ዝጸንሐ ውግእ እንደጋና ምስተጀመረ፡ ካብ በበይኑ ኩርነዓት ናይ ስግኣትን ስንባደን ድምጽታት ይስምዑ ከም ዘለዉ እቲ ዜና ጠቒሱ። ኣብ መንጎ ፈደራልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዘተ ክጅመር ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን ውግእ ምጅማሩ ንብዙሓት ከም ዘተሓሳስቦም እውን እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ መሃማት፡ ትካሎም ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክብል ነቲ ዘተ ዝመርሕ ፍሉይ ልኡኽ መዲቡ  ዝጀመሮ መስርሕ ከም ዝቕጽሎ ክጽውዑ እንከለዉ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን እቲ ውግእ ዳግማይ ብምጅማሩ ዝተሰመዖም ስንባደ ብምጥቃስ፡ መስርሕ ሰላም ክቕጽል ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ንዘድልዮም ዜጋታት ከም ዝበጽሖም ምግባር ወሳኒ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ ከም ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እቲ ውግእ ዳግማይ ምጅማሩ ከም ዘተሓሳስቦ ገሊጹ። ናይቲ ሕብረት ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ጆሰፐ ቦሬል፡ እቲ ውግእ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰላም ክፍጠር ዝነበረ ተስፋ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘሕድር ዝሓደሮም ስግኣት ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ጐንጺ ናብ ምሉእ ውግእ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ናብ ሰላማዊ ዘተ ናይ ምምላሱ ዕድሉ ሕጂ እዩ  ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እዚ ኣብዞም ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ትካላትን ሃገራትን ዝሓደረ ስግኣት፡ ኣብ መንግስታት ኣሜሪካን ዓባይ ብሪታንያን እውን ተንጸባሪቑ። በዚ መሰረት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ክልቲኦም ወገናት ናብ ብዘይቅድመ ኩነታት ተኹሲ ምቁራጽ ክመጹ ኣዘኻኺሮም። ናይ ዓባይ ብሪታንያ ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ቪኪ ፎርድ ብወገኖም ናይቲ ውግእ ዳግማይ ምጅማር ነቲ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘጋድዶ ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን “ነቲ ውግእ መን እዩ ጀሚርዎ?” ኣብ ዝብል ይካሰሱ ኣለዉ።

Last modified on Thursday, 25 August 2022 19:44