ህግደፍ ዝመደቦ ፈስቲቫል ኔዘርላንድ ክስርዝ ህጹጽ መጸዋዕታ ቀሪብዎ

2022-08-10 10:26:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 792 times

ብስም ትካል ሰብኣዊ መሰል ንኤርትራውያን ዝተባህለ ትካል ናብ ሓለፍቲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዘሄግ ብመንገዲ ኢመይል ዝተላእከ ሕጹጽ መጸዋዕታ፡ ን13 ነሃሰ 2022 ኣብ ሪጅስዊጅክ ኔዘርላንድ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ  ፈስቲቫል ህግደፍ ክስረዝ መጠንቀቕታ ቀሪቡ። እቲ ፈስቲቫል እንተዘይተሰሪዙ ግና ስጉምቲ ከኸትል ምዃኑ ድማ እቲ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዝተዘርገሐ መልእኽቲ ኣመልኪቱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከምዚ ዓይነት መደባት ኣብ ምስራዕ ዝሳተፉ ኣካላት ህግደፍ ንመጻኢ እውን ክቑጠቡ ኣጠንቂቑ።

እቲ ነቲ መጠንቀቕታ ዝለኣኸ ትካል፡ ነቲ ናይ 13 ነሃሰ 2022 መደባት ከም ዝተኸታተሎ ጠቒሱ፡ ነቲ ፈስቲቫል ብዝምልከት ካብ ዝተዘርግሐ ጽሑፋት፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣወል ስዒድ ዝተባህለ ኣብቲ መድረኽ ከም መዳሪ ከም ዝቐርብን እቲ መደብ ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተዳለወን ከም ዝተገንዘበ ገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ናይ ፈስቲቫል መጸዋዕታ ባንደራታት መንግስቲ ኤርትራን ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ ስእሊ ዕሉል ደጋፊ ህግደፍን ጻሕታሪ ጽልእን ኣወል ስዒድን ከም ዝርከቦ ከም ዝተረደአ እውን ኣስፊሩ።

ብዛዕባዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኔዘርላንድን ኤውሮጳን ዘዳለዎ ፈስቲቫላት ምድንጋራት ንከይፍጠር፡ እቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ናብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራ ኣብ ኔዘርላንድ፡ ኣብ ብሩሰልስ ናብ ዘሎ ኤምባስን፡ ኣብ ምድላው እቲ  ኣብ ሽወደን  እተሰረዘ ፈስቲቫል ኢድ ዝነበሮ ኣቶ ሲራክ ባህልብን ናይ “እቲ ፈስቲቫል ይሰረዝ” መልእኽቲ  ከም ዝለኣኸ፡ ነቲ ትካል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝወከለ ኣካል ሓቢሩ።

እቲ ምድላው ብስም “ባህላዊ ጉዳይ” ከም ዝተመዝገበ፡ ብግሪ ግና ኣብ ካብ ኤርትራውያን ብስም ግብሪ  ዘይሕጋዊ ገንዘብ ምእካብን ምንዛሕ ናይ ጽልኢ መደረታት ዝዓብለሎ ምልዕዓልን ዘተኮረ ምዃኑ ከም ዝተቓልዐ እቲ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰል፡ ናይ ኔዘርላንድ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ እቲ ኣብ ሪጅድዊጅክ ክካየድ ዝተመበ  ፈስቲቫል ዕላማኡ ካብ ኤርትራውያን ብተጽዕኖን ድፍኢትን ዘይሕጋዊ ገንዘብ ምእካብ ምዃኑን ፈቐደኛታት ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ዘይከፍሉ ነበርቲ ኔዘርላድን ኤርትራውያን ሳዕቤን ከም ዘኸትልን ከም ዝተረደአን ገሊጹ።

ፈቓደኛታት ኮይኖም ገንዘብ ዘይከፍሉ ኤርትራውያን ነብርቲ ኔዝርላንድስ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡን ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ስድራቤቶም ተጽዕኖ ከም ዘኸትልን እውን ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኔዘርላንድ ከም ዝፍለጥ ተገሊጹ። መንግስቲ ኤርትራ በዚ ኣገባብ ዝረኽቦ ገንዘብ ናብ ውግእ ከም ዘውዕሎ እውን ተጠቒሱ።

ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ፈስቲቫል ክዛረብ ካብ ኤርትራ ዝመጸ ኣወል ስዒድ በብግዜኡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንመንግስቲ ህግደፍ ደጊፉ ዝነዝሖ መርዛም ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳን ኣዕናውነቱን ዝሕብር ኣብቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብዝርዝር ሰፊሩ። በቲ ሰፊሩ ዘሎ መሰረት ብኔዘርላንድስ ክልኩልን ከም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝውሰድን ናይ ጽልኢ መደረ ኣወል ስዒድ፡ ኣንጻር ትግራይ ዝዓለመን ንፕርፖጋንዳ ወራር ሩሲያ ዘመጉስን ምዃኑ ተጠቒሱ

ናይ ዓመተ-2022 መደባት ፈስቲቫል ህግደፍ፡ በቲ ኣብ ሃገር ሽወደን ዝጀመረ ምስራዝ ክራይ ኣደራሽን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዳላስ ዘጋጠሞ ምቁራጽ መደባትን ምስዚ ናይ ኔዘርላንድስ ሓዊስካ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣይኮነሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓቀኛ መእከቢ ገንዘብን ምንዛሕ ጽልእን ቅርሕንትን ምዃኑ ተቓሊዑ እዩ። ንመጻኢ እውን ዘኸተመ  መደብ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

Last modified on Wednesday, 10 August 2022 12:30