ኣሜሪካን ሩስያን፡  ኣኼባታት ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ

2022-07-28 07:48:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1569 times

America and Russia 1ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሃገሮም ኣኼባ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ናይ ምትእንጋድ መደብ ከም ዘለዋ ብ20 ሓምለ 2022 ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምሕባሮም፡ ካብ ዋሽንግተን ተገሊጹ። ሩሲያ ብወገና ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩስያን ኣፍሪቃን ንምስንዳእ ላዕልን ታሕትን ትብል ኣላ።

እቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ኣብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ 13-15፡ 2022 ዝካየድ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ካብ ጸገም ውሕስነት መግቢ ጀሚርካ፡ ክሳብ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ንፍሪቃ ዝጋጥምዋ ዘለዉ ብደሆታት  ከም ዝዝቲ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡  መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቀጻሊ ተገዳስነት ዘርኢ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ቀጻሊ ዝምድናን ምትሕብባርን ክሊቲኡ ኣህጉራት ዘመልክት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ኣብ  ኣህጉራዊ መዳይ ዝህልዉ ሓባራዊ ቀዳምነታት ምትሕግጋዝ ንምልላይ ዘኽእል ምዃኑ  ጠቒሶም።

ብኻልእ ወገን ድማ ሩሲያ ነቲ ኣብ ወርሓት ሕዳር ወይ ታሕሳስ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ንምድላው ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ምስ መገሻ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ናብ ኣፍሪቃ ተተሓሒዙ ተሓቢሩ። ላቭሮቭ ኣብዚ ሃገሮም ምስ ምዕራባዊ ዓለም ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ ዝፈጸምቶ ወራር ኣብ ሕማቕ ዝምድና ዘለወትሉ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘለዉ ርክብ ሃገሮም ኣብቲ ፍታሕ ንኣፍሪቃ ብኣፍሪቃ ዝብል መትከል ከም እትኣምንን ሰፊሕ መደብ ቁጠባዊ ወፍሪ ከም ዘለዋን ይገልጹ ኣለዉ። ቀዳማይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 እዩ ተኻይዱ። ላቭሮቭ ኣብዚ ጉዕዘኦም ኣብ ግብጺ ምስ መራሕቲ ዓረብ ሊግ እውን ተራኺቦም እዮም።

እዚ ንርከበሉ  ዘለና እዋንዚ ምስቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ዓለምና ውዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ሓድሽ ኣሰላልፋ ሓያላት ኣካላትን ብሓፈሻ ናብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ቆላሕታ ዘርእይሉ ዘለዉ እዩ። ብዙሓት ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ቀጸለውቲ ኣካላት  ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉያት ልኡኻት ይመዙ ምህላዎምን ኣኼባታት ኣሜሪካን ሩስያን ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከኣ ነዚ  ዘርኢ እዩ።

ኤርትራ ኣብ ወራር ዩክረይን ብወግዒ ምስ ሩሲያ ዝወገነት እንኮ ሃገር ኣፍሪቃ ክንሳ፡ ኣብ ዝርዝር እተን  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ዝበጽሕወን ዘለዉ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ኡጋንዳ ረፑብሊክ ኮንጎን ኣይተጠቕሰትን።

Last modified on Thursday, 28 July 2022 09:55