ሶማሊያ ሓድሽ ፕረሲደንት መሪጻ

2022-05-16 07:48:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 835 times

(ካብ 2012 ክሳብ 2017 ሶማሊያ ዝመርሑን ኣብ ናይ 15 ጉንበት 2022 ምርጫ ዝተዓወቱን ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ)

.ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ኣብቲ ኣባላት ፓርላማን ሰነይትን ጥራይ ዘድመጽሉ፡ ብ15 ጉንበት 2022  ኣብ ከተማ መቃድሾ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ዙር ምርጫ ከም ዝሰዓሩ ሮይተርስን ካለኦት ማዕከናት ዜናን ሓቢረን። ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ነቶም ካብ 2017 ጀሚሮም ሶማሊያ ክመርሑ ንዝጸንሑ መሓመድ ዓብደላሂ ፎርማጃ ብምስዓር እዮም ተዓዊቶም።

ኣብዚ ናይ ሶማሊያ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ናይ ምምራጽ መሰል ዝነበሮም ከካብ ዓሌቶም ዝተወከሉ 328   ምዃኖም እቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ምርጫ ኣብ ውሱናት ኣባላት ፓርላማን ሰነይትን ጥራይ ከም ዝክድረት ዝተገብረ ብሰንኪ ጽጥታዊ ጉዳይ ኮይኑ፡  ኣቐዲሞም ዝተሰማምዕሉ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቶም ናብ ናይ መወዳእታ ዙርያ ምድማጽ ሓሊፎም ዝነበሩ 4 ሕጹያት ኣብ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ውድድር ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ 214 ድምጺ ረኺቦም ክዕወቱ እንከለዉ፡ ዓብዱላሂ ፈርማጆ ከኣ 110 ድምጺ ብምርካብ እዮም ተሳዒሮም። እቲ መስርሕ ምርጫ ናይ ሶማሊያ ኩነታት ጸጥታን ዲሞክራሲያዊ ተሓታትነትን ዘመልክት ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እዚ ክሳብ 3ይ ዙርያ ዝበጸሓ፡ ናይ ቅድም መራሒ ሶማሊያ ናብ ቦታኦም ዝመለሰን ብዝለዓለ ናህሪ ዝተኻየደን መርጫ ካብቲ ክካየደሉ ዝግበኦ ዝነበረ ግዜ 15 ኣዋርሕ ደነጉዩ ዝተተግበረ እዩ።

እቶም ሓድሽ ፕረሲደንት ሶማልያ ናይ ምዕዋቶም ውጽኢት ምስ ተነግረ፡ ሽዑንሽዑ መጻኢ 4 ዓመታት ንክመርሑ ቃለ-መሓላ ከም ዝፈጸሙን ደገፍቶም ኣብ ከተማ መቃድሾ ብተኹሲ ብዝተሰነየ ሓጐሶም ከም ዝገለጹን ተፈሊጡ። እዚ ምርጫ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ መቃድሾ ኣብ ዝርከብ ብሰራዊት ዓቃብ ሰላም ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ሰፊሕ ኣዳራሽ እዩ። ዘኸተሎ ጉድኣትኳ እንተዘየለ ምርጫ እንዳተኻየደ፡ ኣብ ከባቢቲ ድምጺ ዝተዋህበሉ ተኹሲ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።

ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝሰማምዕሉ እዞም ሓድሽ ፕረሲደንት ሶማሊያ ኣብ ቅድሚኦም ክልተ ዓበይቲ ብደሆታት ይጽበዮም። እቲ ሓደ ብጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ወዲቕሉ ዘሎ ደርቂ እዩ። እቲ ካለኣይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ጉጅለ ኣልሸባብ ዘሎ ከባብታት ናጻ ምውጻእ።

እዞም ኣብዚ ምርጫ ተሳዒሮም ዘለዉ ፕረሲደንት ነበር መሓመድ ፈርማጆ፡ ኣብቲ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ካብ 2018 ጀሚሮም  ፈጢረምዎ ዝነበሩ እሞ ዝፈሸለ፡ ኣብ ዞባና ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር ጉለ ተዋሳኢ ዝነበሩ እዮም። ካብዚ ዝነቐለ መንእሰያት ሶማሊያ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ናብ ኤርትራ ልኢኾም ከም ዝነበሩን ኣብ ውግእ ትግራይ ድማ ንኢሳያስ ኣፈወርን ኣብይ ኣሕመድን ንምሕጓስ  ክሳብ 5 ሺሕ ወታደራት ከም ዘሰለፉ ይንገረሎም። ብሰንክዚ ተግባሮም ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞም ድማ ይዝከር።

Farmajo somaly 15.05.2022

እዛ ካብ 1969 ንደሓር ህዝባ ቀጥታዊ መርጫ ዘየካየደላ ሶማሊያ፡ ኣስታት 18 ሺሕ ብሕቡራት ሃገራት ዝሕገዝ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሰፊሩላ ዘላ ሃገር እያ።

Last modified on Monday, 16 May 2022 10:46