ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት: ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ተሳጊሮም

2022-03-31 20:10:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 779 times

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብ29 መጋቢት 2022፡ 119 ዝኣባላቱ ጉጅለ ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዘሰጋገረ ረሊፍ-ወብ (RELIEF-WEB) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እዞም ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ተባዕትዮን ክሳብ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጽናታን ዝርከብዎ ኮይኖም፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ደቡብ ሱዳናውያንን ሱማላውያንን ከም ዝኾኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ጉጅለ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ፡ መደበር ህጹጽ መሰጋገሪ ጋሾራ ምስ ዘለዉ 269 ስደተኛታትን ሓተቲ እዩ ተጸንቢሩ። ኣብዚ ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ መደበር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ነቶም ስደተኛታት፡ ናይ መጽለሊ፡ መግቢ፡ ሕክምናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ምርግጋእ ኣገልግሎትን ናይ ቋንቋ ትምህርትን ይህብ። ኣብ ሊቢያ ናይቲ ኮሚሽን ግዝያዊ ሓላፊ ድጃማል ዛሞውም ነቲ ምስግጋር ኣብ ዝምልከት ከም ዝገለጽዎ እዚ ስጉምቲ ነቶም ኣብ ሊቢያ ተሪፎም ዘለዉ ስደተኛታት’ውን ተስፋ ዝህብ እዩ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ናይዞም ስደተኛታት መጻኢ ዕድል ብልግስን ምትሕብባርን ሓለፍቲ ሊቢያን ሩዋንዳን ዝውሰን እዩ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ስደተኛታት ቀጻሊ መፍትሕን ዘተኣማምን መጣየስን ዝረኽብሉ መደብ ንምቅልጣፍ ናይ ካለኦት ሃገራት ሓገዝን ምትሕብባርን እውን ከም ዘደሊ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣስፊሩ።

እዞም ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥያስ፡ ብድሌትካ ናብ ሃገርካ ምምላስ እንተተኻኢሉ’ውን  ምስ ህዝቢ ሩዋንዳ ሓቢርካ ምንባር ዝርከብዎ ቀጻሊ መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ኣብቲ ኣትየምዎ ዘለዉ መደብር ክጸንሑ እዮም።

ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ኣሕመድ ኣባባ ፎል ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ጸገም ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ብዝብል ብኸምዚ ኣገባብ ጸገም ህጻናትን ኣደታትን መፍትሒ ክረክብ ምርኣይና ዕድለኛታት ኢና ክብሉ ገሊጸምዎ። ኣሕመድ ኣባባ ኣተሓሒዞም ነዚ ዝተጸንዐ መደ ኣብ ምዕዋት ንዘበርከቱ፡ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ገብርቲ ሰናይ ትካላትን ዘለዎም ናእዳ ጠቒሶም ኮሚሽኖም ድማ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ክግበር ቅሩብ ምዃኑ ሓቢሮም።

ህጹጽ መስርሕ ምስግጋር ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ብስምምዕ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብገንዘባዊ ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ መፋርቕ 2019 እዩ ጀሚሩ። ክሳብ ሕጂ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ብ8 በረራታት ዝሰገሩ 900 ስደተኛታት ክኾኑ እንከለዉ ካብኣቶም 67% ናብ ሳልሳይ ሃገር ከም ዝተጣየሱ ተፈሊጡ። ነዞም ዳሕረዎት ናብ ሩዋንዳ  ዝሰገሩ 119 ወሲኽካ ካብ 2017 ጀሚርካ ብጠቕላላ ካብ ሊቢያ ናብ ካለኦት ሃገራት ዝተሳገሩ ስደተኛታት 8,143 ምዃኖም እቲ ዜና ሓቢሩ።

Last modified on Thursday, 31 March 2022 22:18