ኣብ ፓሪስ ኤርትራዊ ስደተኛ ብሓደጋ ባቡር ሞይቱ

2022-03-30 08:47:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 790 times

ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ  ኤርትራዊ ስደተኛ ብ25 መጋቢት 2022 ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ መደበር ባቡር ቨለንሲነስ፡  ዘሊሉ ናብ ናይ ጽዕነት ባቡር ክድይብ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ብዝተፈጥረ ናይ ኤልክትሪክ ባርዕ ተታሒዙ ከም ዝሞተ ረይልፍረይት ዝተባህለት  መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ክልተ ምስቲ መዋቲ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ሓደ ሰራሕተኛ ናይታ ናይ ጽዕነት ባቡርን ክልተ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓውን በቲ ሓደጋ ከም ዝቖሰሉ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እታ ናይ ጽዕነት ባቡር ካብቲ ኣብ ሰሜን ፓሪስ ዝርከብ መደበር  ነቒላ ናብቲ ኤውሮጳን ዓባይ ብሪታንያን ዘራኽብ ካላይስ ናይ ትሕተ-ባሕሪ ገለርያ መንቀሊ ተምርሕ ዝነበረት እያ። ካላይስ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪታንያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንምስጋር ስደተኛታት ከም መንጠሪ ዝጥቀሙላ  ቦታ እያ።

ድሕርቲ ኣብዞም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሰባት ሓደጋ ምግጣሙ፡ ንጽባሒቱ 50 ዝኾኑ ካብ ማሕበራትን ስደተኛታትን ዝተወከሉ ሰባት ኣብ ካላይስ እቲ ሓደጋ ንከይድገም ንምጥቃቕን  ንግዳያት ቫለንሲነስ ንምዝካርን ናይ ጽሞና ስነ ስርዓት ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ብዙሓት ኣካላት ስደተኛታት ከምዚ ዓይነት ዘይውሑስ ስጉምቲ ከይወስዱ ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ሓሊፎም መንገዲ ባቡራት ናይ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ጠንቂ ከይኮኑ ቀዋሚ  ሓለዋ ንምግበር ዘኽእል ናይ ተመኩሮ ምልውዋጥ ሓሳብ ዘቕረቡ ወገናት ከም ዝነበሩ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021፣ ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝፈተኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ተደፋፊኦም ናብ መንገዲ ባቡር ብምእታው፣ ሓደ ኤርትራዊ ብባቡር ተረጊጹ ክመውት እንከሎ፣ ሰለስተ ከምዝቖሰሉ  ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

Last modified on Wednesday, 30 March 2022 10:50