ግብጺ 31 ኤርትራውያን ብሓይሊ ጠሪዛ፡ ንተወሳኺ ከኣ ትዳሎ ኣላ

2022-03-24 10:28:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 816 times

“መድረኽ ስድተኛታት ኣብ ግብጺ / Refugees Platform in Egypt/” ዝተባህለ ትካል፡ ግብጻውያን ሓለፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 31 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣገዲድካ ናብ ኣስመራ ናይ  ምጥራዝ ገበን ከም ዝፈጸሙ ብ22 መጋቢት 2022 ሓቢሩ። ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ክትርእን ክትሰምዕን ዘይትኽእል ኣካለ-ጐደሎ ኣደ ምስ በዓል ቤታን ክልተ ደቃን ከም ዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ እዛ ዘይትሰምዕን ዓይነስውርትን ኣደ፡ ኣብ ማእሰርቲ እንከላ ከም ዝወለደትን ውላዳ ኣብቲ ዝወለድትሉ ሆስፒታል ከም ዝሞተትን ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን ከኣ ካብቶም ግዳያት 5 ደቂ ኣንስትዮ፡ 6 ህጻናትን 2 ትሕቲ 17 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝርከበኦም ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

እቲ  ትካል ኣተሓሒዙ፡  ናይቶም ኣብ ኣብ መዳጐኒ ማእከል ግዝኣት ኣስዋን ዝነበሩ ግዳያት ኣብ ደቡብ ካይሮ ናብ ዝርከብ መበል 15 መደብር ሀልዋን ምምጻኦምን ናብ ኤርትራ ዝስጐጉሉ ኩነታት ንምድላው ምዃኑ ንዓኣቶምን ንቤተሰቦምን  ከም ዝተሓበሮም ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ዙርያ ምጥራዝ ብ16 መጋቢት 2022 ከም ዝተፈጸመን ኣብዚ ዙርዚ ኣደታትን ህጻናትን ናይ ሓደ ቤተሰብ ዝርከብዎም 24 ኤርትራውያን ግዳይ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ። ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ካብ እሙናት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ እዞም 24 ሰባት ኣብ ኣስመራ ምስ በጽሑ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ከም ዝተወስዱን  ቤተሰቦም ብዛዕባ ሃለዋቶም ከምዘይፈልጡን ተረጋጊጹ።

እዞም ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ግብጺ ኣቲኹም ተባሂሎም ንዝተፈላለዩ ግዝያት ዝተኣስሩ ኮይኖም፡ ደሓር ካብቲ ዝተኣስርዎ ቦታ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክወስዱ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ከም ዝተወስዱን እቲ ኤምባሲ ካብ ቤተሰቦም ንነፍሲ ወከፍ 30 ዶላር ከም ዝወሰደን ተፈሊጡ።

እቲ 2ይ ዙርያ ምጥራዝ ብ17 መጋቢት 2022 ከም ዝተፈጸመን ኣብዚ ዙርዚ ድማ 5 ደቂ ትበዕትዮን 2 ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝተጠረዙ ተፈሊጡ። እቲ ሓበሬታ ዝሃበ ትካል መድረኽ ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ብተመሳሳሊ ኣገባብ 53 ኤርትራውያን እሱራት ንተመሳስሊ ምድላው፡ ካብቲ ኣብ ግዝኣት ኣስዋን ዘሎ መዳጐኒ ማእከል ናብቲ ኣብ ደቡብ ካይሮ ዝርከብ መበል 15 መደበር ተወሲዶም ኣለዉ።

እዞም ግዳይ ምጥራዝ ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ግብጺ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝኣተዉ ወይ ኣብታ ሃገር ሕጋውነት ዘይብሎም ክነሶም ኣብኡ ዝጸንሑ ታባሂሎም ዝተኣስሩ፡ ብዛዕባ ጉዳዮም ከረድኡ ኩሉ ሕጋዊ  መሰላት ዝተነፍጎም እዮም።

እቲ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ጸብጻብ ዘቕርበ መድረኽ ስደተኛታት ኣብ ግብጺ፡ ነቲ ተግባር ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ሓለፍቲ ግብጺ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ህጉራዊ ሕግታት ከም ዝጠሓሱ ኣብ ግምት ብምእታው ኮኒንዎ።

Last modified on Thursday, 24 March 2022 11:31