ፖሓኤ፡ ንመርገጺ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዩክረይንን ሩሲያን ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኡ

2022-03-07 21:15:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 796 times

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ነቲ ዓመጸኛ መንግስቲ ኤርትራ ብዘሕዝን ኩነታት፡ ኣንጻርቲ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩኩረይን ዝኹንን ብ2 መጋቢት 2022 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ ውሳነ ብምቅዋምን ኣብ ጐኒ ሩሲያ ብምስላፍን ንዝወሰዶ ዘይሓላፍነታዊ መርገጽ ብምኹናን ብ5 መጋቢት 2022 መግለጺ ኣውጺኡ።  እቲ ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 141 ሃገራት ብዝደገፈኦ ዓብላሊ ድምጺ ዝተመሓላለፈ ኮይኑ፡ ኣብቲ መስርሕ 35 ሃገራት ድምጸን ክዕቅባ እንከለዋ ኤርትራን ሩሲያን ዝርከበአን 5 ሃገራት ከኣ ተቓዊመን።

እቲ ብፖሓኤ ዝወጸ መግለጺ ኣተሓሒዙ ኤርትራ ኣብቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብ4 መጋቢት 2022፡ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩክረይን ትፍጽሞ ዘላ ግህሰታት ንምኹናንን ነቲ ኩነታት ዘጻሪ ኮሚሽን ንክቐውምን ብናይ 32 ሃገራት ደገፍን ናይ 13 ሃገራት ድምጸ-ተዓቅቦን  ብዝለዓለ ድምጺ ዘመሓላለፎ ውሳነ እውን ንሩሲያ ኣሰንያ ከም ዝተቓወመት እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ እንኮ ንውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣካሉን ተቓዊማ ምስ ወራርን ግህሰትን ሩሲያ ምስላፋ ዘመልክቶ ድርቅና ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ከም ዘስፈሮ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ኣንጻር መግዛእትን ናይ ግዳም ወረርትን ብ1991 ተዓዊታ ናጻ  ዝወጸት ሓዳስ ሃገር ክነሳ፡ ኣብ ክንዲ ኣንጻር ወራር ምስላፍ፡ ንወራር ሩሲያ ዝደገፈት እንኮ ሃገር ኣፍሪቃ ምዃና ከም ዘገርም እውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። እቲ መግለጺ ምስቲ ን30 ዓመታት ንህዝብና ደም ዘንበዖ ዘሎ ባህርያት ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ዝተወስደ ዘይሓላፍነታዊ መርገጽ እትጽበዮ እዩ ኢሉ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ግና ኣብ ጐኒ  ህዝቢ ዩክረይን ኣንጻር ወራር ሩሲያ ከም ዝስለፉ እዚ መግለጺ ኣረጋጊጹ። ደጊሙ ከኣ መግንስቲ ኤርትራ ኣንጻርቲ ንወራር ሩሲያ ዘወግዝ ውሳነ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩክረይን ዝተፈጸመ ግህሰታት ዝምርምር ኮሚሽን ክቐውም ዝተበጽሐ ስምምዕን ምስላፉ ኣትሪሩ ኰኒኑ።

ኣብ መወዳእታ ፖሓኤ ንተግባራት ሩሲያ እናኾነነ ውግእ ኣብ መንጎ ሃገራት ንዘጋጥም ጐንጺ ርትዓዊ መፍትሒ ከም ዘይከውን ኣነጺሩ። ክልቲኦም ወገናት ውግእ ኣቋሪጾም ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብመንገዲ ዘተ መፍትሒ ክረኽብሉ ጸዊዑ።

Last modified on Monday, 07 March 2022 22:20