ውድድር ኣሜርካን ቻይናን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

2022-01-06 13:25:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 939 times

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ቅድሚ 9 ኣዋርሕ ብሓፈሻ ኩነታት ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኩነታት ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ ክከታተሉ ዝመደበቶም ፍሉይ ልኡኻ ኣንበሳድር ጀፍሪ ፈልትማን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2022 ብኻልእ ከም ትትከኦም ሮይተርስ ሓቢሩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና ዋንግ ዪ ካብታ ድሕሪ ኤርትራ ዝበጽሕዋ ዘለዉ ሃገረ ኬንያ ከተማ ሞምባሳ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ሃገሮም ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ከም እትምድብ ኣፍሊጦም።

ኣሜሪካዊ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ምስ ምብርታዕ ውግእ ኢትዮጵያ ዝተመዘዙ ኮይኖም ነቲ ኩነታት ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝተፈላለየ ጻዕርታትኳ ከካይዱ እንተጸንሑ ክሳብ ሎሚ ኣይተዓወቱን። ንፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ጀፍሪ ፈልትማን ዝትክእዎም ኣብ ሃገር ቱርኪ ኣምበሳደር ኣሜሪካ ዝነበሩ ኣንበሳድር ዳቪድ ሳተርፊልድ ምዃኖምን ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እኹል ኣፍልጦ ከም ዘለዎምን ከኣ ካብቲ ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሐ ዜና ተፈሊጡ ኣሎ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዝቕየርሉ ዘልዉ ዝርዝር ምኽንያትኳ ዘይተገልጸ እንተኮነ፡  ውግእ ኢትዮጵያ ደው ከብሉ ዘይምኽኣሎም ክኸውን ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ወገናት ግምት እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ዑደት ፈጺሞም ናብ ኬንያ ዘምርሑ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ዋንግ ዪ ብ6 ጥሪ 2022 ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ሃገሮም ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ሰላም ብድሆታት  ንምፍታሕ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ንክትሕግዝ ፍሉይ ልኡኽ ከም እትምድብ ኣፍሊጦም።

ዋንግ ዪ  ምስታ ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ሰራዊት ትግራይን ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ  ውግእ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ትሳተፍ ዝጸንሐት ኬንያ ብዛዕባ ውግእ ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረቡ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኬንያ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ዝጸንሐት  ጐረቤት ሃገር እያ።

እቶም ቻይናዊ ዲፕሎማት፡  ሃገሮም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተራ ፍሉይ ልኡኽ ቅርኒ ኣፍሪቃ ክትመዝዝ እትግደሰሉ ምኽንያት ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ተመያይጥካ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ንምብጻሕ ነቲ ዝግበር ጻዕርታት ንምትሕብባር ምዃኑ ገሊጾም። እቲ ዜና ሮይተርስ ኣተሓሒዙ ከም ዝገለጾ፡ ናይ ቻይና ተገዳስነት ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ በቲ ኣብታ ኣብ ውሳኒ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ወሽመጥ እትርከብ  ጅቡቲ ዘሎ ገዚፍ ሓይሊ ባሕራን  ነታ ኣፍደገ ባሕሪ ስለ ዘየብላ ኣብ ጅቡቲ እትምርኮስ ዓባይ ሃገር ኢትዮጵያ ዘለቀሓታ ዓብይ ዓቐን ገንዘብን  ምዃኑ  ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ደቡብ ሰዳን ዘለዋ  ወፍራ ነዳዲ፡ ኣብ ጐረቤት እታ ብሰፊሕ እተውፍረላ  ኬንያ፡ ዘሎ ናይ ሶማልያ ተደጋጋሚ ቅትለት ዘኸትል እስላማዊ ምንቅስቓስ   እውን ቻይና ከም መግለጺ ዘይምርግጋእ  ቀርኒ ኣፍሪቃ እትወስዶ እዩ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ምስ መራሒ ኬንያ እህሩ ከኒያታ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ኣብ ዝሃብዎ ሓባዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ  መጻኢአን ካብ ኢደን ከይወጽእ ክሰርሓሉ ይግበአን ከም ዝበሉ እቲ ዜና ኣስፊሩ።

እቶም ኣብዚ ቀረባ ከም ዝትክኡ ዝዝረበሎም ዘሎ ኣሜሪካዊ  ፍሉይ ልኡኽ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ወጻኢ  ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ድሕሪ ናይ ኤርትራ ዑደቶም ኣብ ኬንያ ዝኣተውሉ ዕለት፡ ምስ ላዕለዎት ሓላፍቲ ንምዝርራብ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣትዉ ክሕበር ቀንዩ።

Last modified on Thursday, 06 January 2022 14:29