ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ካብ ስልጣኑ ለቒቑ

2022-01-03 09:20:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 857 times

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ንኣዋርሕ ክሕቆን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብ2 ጥሪ 2022 ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። እቲ ዜና ሱዳን ትሩቡን ከም ዝገለጾ፡ ሓምዶክ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ካብ ስልጣኑ ምልቃቑ ብዝምልከት ኣብ ዘስምዖ ቃል “እቲ እምነት ኣንቢርኩም ዝሃብኩሙኒ ተልእኮ እምልሰልኩም ኣለኹ” ብዝብል ናብ ህዝቢ ሱዳን መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ኣብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ውሳነኡ ዝሓበረ፡ ኣብ ከተማ  ካርቱም፣ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን ነቲ ኣብ ሱዳን መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ክቆጻጸሮ ከምዘይከኣለ ምስ ኣረጋገጸ እዩ ነቲ ስጉምቲ ወሲድዎ። ናይዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ብኸምዚ ኣገባብ ካብ ስልጣን ምልቃቕ እቲ ብ21 ሕዳር 2021 ምስ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታህ ኣልቡርሃን ዝበጽሕዎ ፖለቲካዊ ስምምዕ ከም ዝመኸነ ዘመልክት እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣብዚ ናይ ስንብታኡ ቃል፡ ንዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ናይ ክኢላታት ካቢነ ሚኒስተራት ምምስራት ናብ ዘኽእል ስምምዕ ከምጸሖም ከምዘይከለ ተኣሚኑ። ነቲ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ  ከኣ “ንሃገርና ካብ ናይ ምብትታን ሓደጋ ንምድሓን ክንዲ ዝከኣለኒ  ፈቲነ እየ” ክብል ተዛሪቡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ካብኣቶም ዝደለ ሓላፍነት ምእንቲ ክፍጽሙ ምስ ኩሎም ኣካላት ናይቲ ምስግጋር ከም ዝተዛራረበ ሓቢሩ።

እዚ ብሰንኪ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝገበሮ ስምምዕ ብህዝቢ ተቐባልነት ስለ ሰኣነ ካብ ስልጣን ከም ዝለቅቕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዓብደላ ሓምዶክ፡  ኣብዚ ናይ 2 ጥሪ 2022 ናይ ስንብታ ቃሉ፡  ህዝቢ ዝለዓለ ልኡላዊ ስለ ዝኾነ፡ ሰራዊት ሱዳን ምስ ህዝቡ ንክስለፍ  ጸዊዑ።

ካብቲ ጥቡቕ ሓሳብ ናይ ሓምዶክ ወታደራት ዘይሕወስዎ ካቢነ ሚኒስተራት ምምስራትኳ እንተነበረ፡ እንተኾነ እዚ ሓሳቡ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ብዘይካዚ ሓምዶክ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ካብ ዝገብርዎ ነጥብታት ሓደ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዕልዋ ዘካየዱ ወታደራት፡ በቲ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ግዙኣት ክኾኑ ዘይምኽኣሎም እዩ። ናይዚ መርኣያ ከኣ ምእሳር ኣብ ፖለቲካ ዝሳተፉ ንጡፋትን ሰልፍታት ንምብታን ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፈጸምዎ ግህሰታትን ምዃኑ ኣብቲ ቃሉ ከም ዘመልከተ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ሰልፊ ጉባአ ሱዳን፡ ኑር ኢልዲን ባብከር ነቲ ኩነታት ኣብ ዝምልከት ከም ዝበሎ፡ ናይ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ምስንባት ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ነታ ዝነበረቶ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ናይ ምርካብ ዕድል ዘስእኖ እዩ ክብል ገሊጽዎ። ኣስዒቡ እቲ ወሃብ ቃል፡ ሕጂ ኩነታት ሱዳን ከም ዝተነጸረን ነቲ ወተሃደራዊ ኣካል ንምውጋድ ዘኽእል ሕብረት ሱዳናውያን ኣብ ምፍጣር ከም ዝሕግዝን ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኣስታት 57 ሰባት ከም ዝሞቱን ካብኣቶም እቶም 15 ድሕርቲ ናይ 21 ሕዳር 2021 ስምምዕ ሓምዶክን ጀነራል ኣልቡርሃንን፡ ዝተቐተሉ ምዃኖምን ተሓቢሩ።

Last modified on Monday, 03 January 2022 10:31