ርክብ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ

2021-10-13 10:29:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1120 times

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብ12 ጥቅምቲ 2021 ምስ ኦሉሰንጎ ኣባሳንጆ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ተዘራሪቦም። ኣብ ዝርርቦም ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፈልትማን እውን ከም ዝተሳተፊ፡ ንወሃቢ ቃል ነድ ፕሪሰ ብምጥቃስ ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝወጸ ዜና ይሕብር።

ኣብዚ ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ ኦባሳንጆ ዝተኻየደ  ርክብ፡ ኣቦመንበር ኢጋድን ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳንን ዓብደላ ሃምዶክ፡ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ጆሰፕ ቦረል፡ ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያ ዓባይ ብሪታንያ ኤልዛበት ትሩስ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጀርመን ኒልስ ኣንነን ናይ ፈረንሳ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍረድሪክ ክላቪየርን  ተሳቲፎም። እዞም ኣብዚ ርክብ ስተሳተፉ ወገናት ነቲ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘርእይዎ ዘለዉ ምውህሃድ ተቐቢለምዎ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ዓብይ ብሪታንያን፡ ኣካላት ናይቲ ውግእ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓመጽ  ጠጠው ከብልዎን ናብ ተኹሲ ምቁራጽ ዘብጽሕ ዘተ ክኣትዉን፡ በዚ  ኣቢሎም ከኣ  ሰፊሕን ንኹሉ ዘሳትፍን ምይይጥ ዘብጽሕን ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ሰላም ዘብጽሕን ሓድነት ሃገረ ኢትዮጵያ ዘውሕስን ባይታ ክፈጥሩ ጸዊዖም።

 እዞም ተሳተፍቲ ናይቲ ርክብ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ናይቲ ውግእ ተሳተፍቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ተቐቢሎም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም  ኣካላት ሰብኣዊ ረዲአት ንክበጽሕ ክምእዘዙ ጸዊዖም።

Last modified on Wednesday, 13 October 2021 12:33