ፍልይቲ ልእኽቲ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ክራቨትዝ ብሱዳናዊ ጠበቓ ተተኪአን

2020-10-14 08:56:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2055 times

ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ መዝነተን ንዝለቐቓ ፕሮፈሶር ዳኒየላ ክራቨትዝ፡ ንክትክኡ ንሱዳናዊ ጠበቓ ከም ፍሉይ ወሃቢ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ከም ዝመዘዞም ብ8 ጥቅምቲ 2020 ጸብጺቡ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት  ኣብ መጀመርያ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ኣብ መበል 45 ርክቡ ዳኒየላ ክራቨትዝ ንሓደ ዓመት ኣብ መዝነት ክጸንሓ  ከም ዘናወሓለንን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መጋቢት 2021 ናይ ቃል ጸብጻብ ከቕርባ ትጽቢት ከም ዝነበሮን ዝዝከር እዩ።

እዘን ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ እናተኸታተላ ጸብጻብ ከቕርባ ተመዚዘን ዝጸነሓ ጓል ቺለ፡ ስለምንታይ  ካብ መዝነተን ከም ዝወረዳ ዝተገለጸ ምኽንያት የለን።

ዳኒየላ ክራቨትዝ ኮና ቅድሚአን ዝነበራ ሸይላ ኪታሩዝ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኮይነን ኩነታት ሰብኣዊ መሰል  ክከታተላ ካብ ዝምዘዛ 8 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እዘን ልኡኻት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ወጻኢ ኮይነን ክከታተላ ዝተገዳደ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጉጅለ ናብ ኤርትራ ክኣትዋ ስለ ዘየፍቀደለን እየን። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ወይ፡ ካልእ ትካል ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ዝወሰድዎ ስጉምቲ የለን።

እቲ ኣብዚ እዋንዚ መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ስኽፍታ፡ መጻኢ እንታይ ከም ዝስዕብን እዞም ተመዚዞም ዘለዉ ሱዳናዊ ጠበቓ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ዘቕርብዎ ጸብጻብ እንታይ ከም ዝኸውንን እዩ።

Last modified on Wednesday, 14 October 2020 10:59