ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ በርሊን ዝተኻየደ  ኣገዳሲ ጉባአ ሰማዲ ተሳቲፉ

2019-12-10 08:46:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2406 times

ክልተ ዝኣባላቱ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብቲ ብ6-8 ታሕሳስ 2019 ኣብ ከተማ በርሊን ዝተኻየደ ኣገዳሲ ጉባአ መሓዛ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ (ሰማዲ) ተሳቲፉ። እዚ ነባር ሰልፊ ኣብዚ ጉባአኡ ኣቶ ኖርበርት ቫልተር-ቦርያንን ወይዘሮ ዛስከያ አስከን ዝርከብዎ  መሪሕነቱ መሪጹ። ናይቲ ሰልፊ ተሓጋጋዚ ኣቦመንበር ከኣ ኣቐዲሙ ብኣባላት ብዝተዋህበ ድምጺ ተመሪጾም።

እዚ ጉባአ ንመጻኢ ፕሮግራሙ ኣብ ዝምልከት ኣጀንዳ ተመያይጡ፡ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ቅልውላው ክሊማን ናይ ወጻእን ናይ ድሕንነትን ዛዕባታት ኣብ ዝምልከቱ ተመያይጡ ውሳነታት ኣሕሊፉ።

EPDP Delegation attends SPD Congress in Berlin 2

ናይ እዚ ልኡኽ ኣባላት ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ኣቦመንበር ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ሰዲህኤን፤ ኣቶ ጸሃየ ክብሮም ላዕለዋይ ካድርን ሓላፊ ዝምድና ሰዲህኤ ኣብ ጀርመንን እዮም። እዚ ልኡኽ ጐኒንጐኒ እቲ ተልእኮኡ ምስ ብዙሓት ኣባላት ሰማዲን ዕዱማት ኣጋይሽ ርክባትን ምይይጣትን ኣካይዱ።

ኣብ ርእሲ እዚ ልኡኽ ሰዲህኤ መልእኽቲ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ናብ መሪሕነት ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራስን ኣተሓባባሪ ገስጋሲ ምሕዝነት ንክኾኑ ዝተመርጹ ላዕለዋይ ባእታ ናይቲ ሰልፍን ኣቕሪቡ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ናብ ናይቲ ሰልፊ ግዝያዊት ኣደመንበር ዝጸንሓ ወ/ሮ ማሉ ድራየ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡  ናብ መላእ ኣባላት ናይቲ ሰልፊ ምዉቕ ሰላምታ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብዚ ጉባአኦም ዓወት ክሓፍሱ ሰናይ ተመንይሎም። መልእኽቲ ኣቦመንበር፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕያሽ ዘየርኢ ፖለቲካውን ሰብኣውን ኩነታት’ውን ጠቒሱ። ኣብ መጻኢ ብዛዕባዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምስ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ተቐራሪካ ምይይጥ ክግበረሉ ከምዘድሊ ኣስፊሩ።

 እቲ ካልእ ልኡኽ ዘብጸሖ መልእኽቲ፡ ናይ ኣቶ ብርሃነ ደበሱ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሰዲህኤ፡ ናብ’ቶም ኣብ ናይ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣተሓባባሪ ክኾኑ ተመዚዞም ዘለዉ ኣቶ ኮኒ ሮይተር ነይሩ። ኣቶ ብርሃነ ኣብዚ መልእኽቱ እቶም ላዕለዋይ ሓላፊ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ነዚ ሓላፍነት ብምምዛዞም ሓጐሱ ገሊጽሎም። ኣስዒቡ ከኣ ኣብ ስደት ዝርከብ ሰዲህኤ፡ ንኤርትራዊ ወገን ወኪሉ ተሳትፎኡ ኣብ ቀጻሊ ርካባት ምሕዝነት ገስገስቲ ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጹ። ኣስዒቡ ሰዲህኤ ከም ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ብ2013 ኣብ ጀርመን ሓደ ካብ መስረትቲ ምሕዝነት ገስገስቲ ከም ዝነበረ ኣብዚ መልእኽቱ ጠቒሱ።

Last modified on Tuesday, 10 December 2019 09:52