ጨንፈር ኖርወይ ሰዲህኤ ዕዉት ጉባኤ

2019-10-21 18:28:21 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2399 times

ጨንፈር ኖርወይ  ሰዲህኤ  ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ከተማ ኦስሎ ንመበል 9ይ ግዜ ዕዉት ጉባኤ ኣካይዱ። 9ይ ጉባኤ ጨንፈር ኣብ ከባቢ ሰዓት 9:30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ብዝኽረ ሰማዕታት ጀሚሩ ንኣስታት 6  ሰዓታት ቀጺሉ።

ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ማሕደር ዕቁባዝጊ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ምስ ብጻያዊ ሰላምታን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃልን፣ ትርጉም ጉባኤ እንታይ ምዃኑ ኣስፊሑ ብምብራህ፣ ጉባኤኛታት ብመሪሕነት ንዝወሃቦም ዓመታዊ ጸብጻባትን ሓበረታን ክሰምዑ ጥራሕ ዘይኮነስ፣  ስለምንታይን ብኸመይን ዝብሉ ሕቶታት ብምልዓልን፣ ኣብ ስራሕ ንዝጸንሐ መሪሕነት ጉድለታት እንተደኣ ነይሩዎ ብጉድለታቱ ብምንቃፍን  ንጡፋት ተሳተፍቲ ጉባኤ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣቀዲሙ ኣዘኻኺሩ።

ብምቅጻል ኣባል ማእከላይ ባይቶ ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ፣ ንኣኼበኛታት ኣብ ምስጢር ትርጉም ቃልስን፣ ኣብ ህልው ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን፣ ቁጠባውን ኩነታት ሃገርናን፣ ዕዉት 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፍናን፣ ድሕሪ ጉባኤ ሰልፊ ኣብ ዝተመዝገቡ ዓወታትን ዝተወስዱ ስጉምትታትን፣ ኣብ ኩነታት ደምበ ደለይቲ ፍትሒን ዘተኮረ ሰፊሕ መደረ ኣስሚዑ።

ዋና ጸሓፍን ተሓዝ ገንዘብን ንብረትን ጨንፈር ብጾት ኸሊፋ ዓብደላን ሙሴ ዓማርን እውን ብቀደም ተኸተል ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን፣ ምጣኔ ሃብታውን፣ ጸብጻባቶም ብዝርዝር ኣቅሪቦም።

ኣስዒቡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እተማእክሎ 3 ዝኣባላቱ ሰክረታር ጉባኤ ብሕርያ ቆይሙ፣ ኣኼበኛታት ኣብ ዝተዋህቦም ጸብጻባትን ሓበረታን ሰፊሕ ምምይያጥ ኣካይዶም። ንኹሎ ዘልዓልዎ ሕቶታት ድማ እኩል መብሪህን መልስን ረኺቦም።

ጨንፈር ንብድሕሪ ሕጂ ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞኡ ክዓሞም ኣለዎም ንዝበልዎ ሪእቶታቶም እውን ኣመዝጊቦም።

ኣብ መወዳእታ ጉባኤኛታት ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎ 5 ዝኣባላቱ ፣መሪሕነት ጨንፈር ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም። ጉባኤ ብዓወት ተሰላሲሉ።

Last modified on Monday, 21 October 2019 20:33