ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2019-09-30 08:11:02 Written by  ሽማግለ ጨንፈር  Published in EPDP News Read 2588 times

ብዕለት 29.09.2019 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ካብ ሰዓት 14፡00 ጀሚሩ ዘካየዶ ወርሓዊ ኣኼባኡ፡ ብናይ ሰላምታን እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ብኣቦመንበር ጨንፈር ምስ ተኸፍተ ኣብቲ ዛዕባታት ተኣትዩ።

ንህልዊ ኩነታት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ስደት ዘለዉ ብሓፈሻ ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ድማ ብፍላይ ዝምልከት ሓበሬታታት ድሕሪ  ምልውዋጥ፡ ኣኼባ ድሕሪ ዓመታዊ ፈስቲቫል ይኹን ሰልፋዊ ጉባአ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ ብምዃኑ ብዛዕባዚ ክልተ ዓበይቲ ተረክቦታት እዝን ተሳትፎን ግደን ኣባላትን ንምግምጋም ክልተ ኣጀንዳታት ሰሪዑ ቀሪቡ።

1 - ገምጋም ናይ 2019 ፈስቲቫል ምግባርን፤

2 - ገምጋም ናይ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ዝብሉ ዛዕባታት ኔሮም።

ፈስቲቫል ናይ 2019፡ ምስቲ ህዝብና ተራእዩ ብዘይፈልጥ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዘርዓደ ናይ ይኣክል ሕኑንን ርሱንን ምንቅስቓስን፤ ናይ 3ይን ሓድነታውን ጉባአናን ተሳንዩ ብምኻዱ ዝያዳ ዉዕዉዕ ከም ዝገበሮ ኣኼበኛ መዚኑ። ብተወሳኺ፡ ኣገደስቲ ሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን (መድያ) ኣካላት ብምስታፎም፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ንውሽጢ ሃገርና ከም ዝቃላሕ ክግበር ምኽኣሉ ኣኼበኛ ንናይ መዲያ ትካላት ኣሞጒሱ። ነቲ ሓው ኣማኑኤል እያሱ (ኣሰና) ዘካየዶ መሃሪ ዝኾነ ዓውደ-ክትዕን፡ ሕቶን መልስን፡ ምስ መራሕቲ ሰልፍና ዘካየዶ ቃለመሓትትን ኣኼባና ናእዳኡ ገሊጹ።

Festiva 1

ልዕሊ 10 ዝኾኑ ወከልቲ ውድባትን ማሕበራትን ሃገራውያን ምሁራትን፡ ወጻእተኛታት ጀርምርናውያን ወከልቲ ናይ ሓምላይ ፓርትን ናይ ኤፍ-ደ-ፐን፡ ናይ ሽወደን መሓዙት ሰውራ ኤርትራ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ዝሃቡዎ ምሕዝነታዊን መሃርን መግለጽታት‘ውን ንፈስቲቫልና ብዝሰፍሐ ኣገባብ ኣሳታፊ ከም ዝገበሮ ኣኼበኛ መዚኑ።

ንኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫልን ንተወፋይነት ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ጉልበታውን ገንዘባውን ኣበርክቶታት‘ውን ኣኼበኛ ንኢዱ። ኣብ ዝኾነ ናይ ደለቲ ፍትሒ ንጥፈታት እናተሳተፍና ኣበርክቶናን ጥርናፈናን ከነርኢ ኢና ብምባል ድማ ኣኼበኛ ተመባጺዑ። ንዝነበሩና ንኣሽቱ ሕጽረታት ለቒሙ ብምጥቃስ ድማ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ክንእርሞም ከም ዘሎና ኣኼበኛ ተላብዩ።

ብድሕሪኡ ድማ ብጉዳይ ሰልፋዊ ጉባአ ሓፈሻዊ መግለጺ ተዋሂቡ። እቶም ጨንፈር ዘወከሎም ኣባላት ድማ ብስፍሕ ዝበለ ንጨንፈሮም መግለጺ ከቕርቡን ጨንፈር ድማ ገምጋሙ ከቐምጥን ስለ ዝግባእ፡ ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሲድካ‘ውን ምእንቲ ክትረዳዳእ፡ ነዚ ናይ‘ዚ ኣኼባና ሕጽረት ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ኣኼባና ከም ቀንዲ ዛዕባ ኮይኑ ክዝረበሉ ኣኼበኛ ተሰማሚዑ።

እኼባ ድማ ኣብ ሰዓቱ ብሓባራዊ ምርድዳእ ተዛዚሙ።

     

Last modified on Monday, 30 September 2019 10:16