ሰዲህኤ፡ ኣብ ምርጫ ናብ ዝተዓወተ ሰማዲደ መልእኽቲ  ሓጐሱ ሰዲዱ

2019-06-09 08:08:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2325 times

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይነን ዝተመርጻ፡ ፍረደሪክሰን ኣብ ጐኒ ባንደራ ሃገረን ኣብ ህንጻ ፓርላማ ኮፐንሃገን

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ7 ሰነ 2019 ኣብ ዝለኣኾ መዘክር፡ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ደንማርክ  (ሰማዲደ) ኣብዚ ሰሙን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ስለ ዝተዓወተ ናይ ሓጐሱ መግለጺ  መልእኽቲ ሰዲዱ።

ሰዲህኤ፡ ኣብቲ ናብ ጓል 42 ዓመት ኣደመንበር ሰማዲደ ወይዘሮ መተ ፍረድሪክሰን ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ እተን ወይዘሮ ከምቲ ኣብ ናይ ቅድመ-ምርጫ ምልዕዓለን ዝገለጸኦ፡ ንፖለቲካ ዴንማርክ ሓድሽ ኣቕጣጫ ብምትሓዝ ንዝሓሸ፡ ማሕበራዊ ዕቤት፡ ትምህርቲ፡  ከባብን ብሩህ መኣጻእን ክጽዕታ እምነቱ ምዃኑ ጠቒሱ።

መልእኽቲ ሰዲህኤ፡ መጻኢ ብሰማዲደ   ዝምራሕ መንግስቲ፡ ነቲ ጌና ዘይተቐየረ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰል ኤርትራ ክርደኦን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍሉይ ቆላሕታ ክርእዮምን ዝግበኦም መሰል ከኽብረሎምን ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ። ክልቲኦም ሰልፍታት፡ መስረቲ ኣባላት ናይቲ ብ2013 ዝተደኮነ ዓለም ለኻዊ ምሕዝነት ገስገስቲ ምዃኖም ብምጥቃስ ከኣ ዝምድና ሰዲህኤን ሰማዲደን ንሱ ዝመርሖ መንግስትን ዝያዳ ክድልድል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

EPDP Congratulates Fraternal Danish Party for Victory in Elections 21

ኣብቲ ብ2017 ኣብ ኣልቦርግ ደንማርክ ዝተኻየደ ናይ ሰማዲደ ጉባአ፡ ኣማላት ማእከላይ ባይቶ ብጾት ተኽለ መለኪንን ኣማኑኤል በራኽን ዝኣባላቱ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓደ ካብቶም ካብ 75 ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ኤውሮጳን ካልእ ከባብታት ዓለምን ዝተወከሉ 75 ልኡኻት ኮይኑ ተሳቲፉ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Sunday, 09 June 2019 10:16