ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስቶክሆልም ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2019-05-12 22:18:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2650 times

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ፡ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያት፡ ሓውቲ ኣልጋነሽ ኢሳቕ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ሓው መድሃኔ ንርኣዮ ኣቦ መንበር ጨንፈር ስቶክሆልምን ከባቢኡን ዝርከብዎ መሪሕነታዊ ኣካል ብ11 ግንቦት 2019 ክፉት ናይ ህዝቢ ሰሚናር ኣካይዱ።

ሓው መድሃኔ ንርኣዮ፡ ንኣኼበኛታት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ኢዩ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ብድሕር’ዚ፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብዛዕባ፡ ህልዊ ኵነታት ሃገርናን ከባቢናን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ካብ ዝተዛረበሎም ኣርእስታት፡-

1.      ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ናይ ለውጢ መስርሕን ኣሰራቱ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታትን

2.     ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ዘይንጹር ውዕላትን ብመራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ዝተዋህቡ ንህዝቢ ዘሻቕሉ መግለጺታት

3.     ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን መንቀሊታቱን

4.    ህዝባዊ ምጥርናፋትን ኣድላዪነቱን

5.     ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይርጉእ ሃለዋትን ተራ ናይ ግዳም ሓይልታትን

ዝብል ነበረ።

MA 3

ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ግደ መንእሰያት ቀደም ከመይ ከምዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ፡ ናይ ሎሚ መንእሰያት ድማ፡ ነቲ ናይ ቃልሲ ሽግ ተቐቢሎም ኣብ’ቲ ዕላምኡ ከብጽሑ ሓላፍነት ክወስዱ ክብገሱ ከምዘለዎ ገሊጹ። ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ምስ’ቲ በትሪ እናተቐባበልካ ትወዳደረሉ ቅድድም እግሪ ብምዝማድ፡ መንእሰያት ሕጂ ኣብ’ቲ ቃልሲ ብምጽንባር  ነቲ ሓላፍነት ክወርስዎ ከምዝግባኦም ኣዘኻኺሩ። ሓው መድሃኔ ንርኣዮ ድማ፡ መንእሰያት ብኣተሓሳስብኦምን ተሳታፍነቶምን ኣብ ቃልሲ ደኣ’ምበር ብዕድመ ጥራሕ ሓላፍነት ክስከሙ ከምዘይክእሉ መብርሂ ሂቡ።

ብድሕር’ዚ ኣኼበኛታት ንግደን ራኢን ሰዲህኤን ዝካየድ ዘሎ ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳትን ዝምልከቱ ሕቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ከምኡ’ውን፡ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝዀኑ፡ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ጽላላት፡ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ኣገደስቲ ውልቀሰባትን ናይ ሚድያ ትካላትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ ሓባራዊ ስራሕ ምድላው ክድፍኣሉ ዝግባእ ህጹጽ ዕማም ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መወዳእታ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ደው ድሕሪ ምባል ኣኼበኛታት ብመንእሰይ ዓወት ተመሪሖም ይኣክል ዝብል ጭርሖ ብምቅላሕ ኣኼባ ብናይ ምርድዳእን  ሓድነትን መንፈስ ተዛዚሙ።

Last modified on Monday, 13 May 2019 00:37