ስሩዕ ኣኼባ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ቊጽሪ ሓደ።

2019-03-03 22:49:07 Written by  ሰደህኤ ጨንፈር ቁጽሪ 1 ሽወደን Published in EPDP News Read 2415 times

ትማሊ ዕለት 2 መጋቢት 2019 ኣብ ከተማ ኡፕስላ- ሽወደን ዝተኻየደ ኣኼባ ቊጽሪ ሓደ ሽወደን፣ ነቲ ኤርትራ ሃገርናን ህዝባን ኣጓኒፍዎ ዘሎ ምፍትታን ሉዑላውነት ኤርትራ ብዓቢ ኣቓልቦ ዝትዩሉ። እዞም ን 27 ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸልማት ስእነት ሰብኣዊ መሰላት ቆሪኖም፣ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ምዕባለ ሃገር ወሳኒ ተራ ዘለዎም መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ስደት ከም ዝብተኑ ገይሮም። ንዝተረፈ ህዝቢ ዶብና ከይተሓንጸጸ ብዝብል ምስምስ ጅሆ ሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ: ብመዝሙር ”ንደመር” ሓድሽ መራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰዲዖም: ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝዓንደርሉ: ካብ ኣፍ`ቲ ዑሉል ውልቀ መራሒ ኣብ ኤርትራ: ዘስደምም ከም ክንቲት ዝፈኾሰ፣ ኣብ ታሪኽ ዝኾነ መራሒ ሓንቲ ሃገር ተሰሚዑ ዘይፈልጥ: ንናይ ሎሚ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ: ”ንስኻ ኢኻ ትመርሓና: ንቐለዓለም ዘይኮነ ናይ ብሓቂ መራሒና” ኢኻ ብምባል ንነብሱ ናይ ዘመንና ፖለቲካዊ ነውሪ ኣልቢሱ።

ኣኼባና! ነዚ ፈኲስ መራሒ: ”መሪሒነቱ” ንኻልኦት ዘረከበ ኮኒኑ: ብመስዋእቲ ኣሽሓት ደቃ ዝተረኽበት ኤርትራ ምስ ኲሎም ዜጋታት ንምሕላው ነጻ ኤርትራን ንሕጋዊ ፍትሓዊ ስርዓትን ዝተዓጥቁ ህዝባን: ንሕጋዊ መንነታ ምስ ዝድግፉ ኣህጉራውያን መሓዙትናን ኮንና: ክሳብ ምሉእ ሓርነት ከም እንራባረብ መብጸዓና ደጊምና ነራጋግጽ ዝበለ ኣኼባ ጨንፈርና፣ ውደባ መፍትሕ ዓወትና`´ዩ ኢሉ ዝኣምን ስለዝኾነ: ነዚ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዘለው ኣባላት: መሪሒነት ሰልፍና ንመጽናዕቲ ዘርጊሕዎ ዘሎ ሰነድ ንድፊ ቁዋም ንምዝታይ እቲ ካልኣይ ናይዚ ዕለተ ኣኼባ ዛዕባ ነይሩ። ነቲ 43 ገጽ ዝሓዘ ቁዋም ክፋሉ ብምጽናዕ ዝተረፈ ድማ ንዕለት 23 መጋቢት 2019 ካልኣይ ርክብ ክገብር`ዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ኣብ ዝመጽእ ሓምለ 2019 ሳልሳይን ሓድነታውን ንዝግበር ጒባኤ ንምዕዋቱ ካባና ዝጥለብ ኲሉ ንምግባር: ጨንፈር ሰደህኤ ቁጽሪ 1 ሽወደን ድልዊ ከምዘሎ ድማ ኣብዚ ኣኼባኡ ኣረጋጊጹ፣

ሓቢርና ንቃለስ ከነድምዕ

ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ።

ሰደህኤ ጨንፈር ቁጽሪ 1 ሽወደን

Last modified on Sunday, 03 March 2019 23:51