ዶብ ሰርሓ እምባብ ዳሓን-ዛላንበሳ ተዓጽዩ

2018-12-27 07:30:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ጼና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2380 times

ድሕር’ቲ ብሓምለ 2018 ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ዝርዝራቱ ዘይፍለጥ ስምምዓት፡ ብመስመር ሰርሓምባ-ዛላንበሳ ንህዝቢ ተኸፊቱ ዝጸንሐ መስመር ብ26 ታሕሳስ 2018 ከም እተዓጽወ፡ ሓላፊ ጸጥታ ምምሕዳር ወረደ ጉሎመኸዳ፡ ኣብ ትግራይ፡  ኣቶ ግርማይ ሓድሽ ገሊጹ።

ብመሰረት መግለጺ ኣቶ ግርማይ ሓድሽ፡ እቲ ውሳኔ ምዕጻው ዶብ ብመንግስት ኤርትራ ዝተወስደ ስጕምቲ ምዃኑ ኢዩ ተረጋጊጹ።

ኣቐድም ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ዝሰገሩ ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ኤርትራውያን ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደስቲ ሰገርቲ ግን ካብ’ዚ ዕለት’ዚ ጀሚሮም ክሰግሩ ከምዘይፍቀደሎም እቲ ምንጪ ሓቢሩ።

ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ሰባት ክኣስር ከሎ ይኹን ክፈትሕ፣ ክሸይም ከሎ ይኹን ክስዕር፣ ዶባት ክኸፍት ከሎ ይኹን ክዓጹ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝህቦ ሓበሬታታት የለን። ሓበሬታ ከም መሰል ዘይከነስ ከም መቆጻጸሪ ስልቲ ገይሩ ኢዩ ዝጥቀመሉ። ስለ’ዚ ድማ ኢዩ ናጽነት ናይ ፕረስ ከም ቍሪ ኣስሓይታ ዝፈርሖ።

Last modified on Thursday, 27 December 2018 09:55