ክፉት ኣኼባ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

2018-09-24 07:57:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3053 times

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብ23 መስከረም 2018 ኣብ መድረኽ (paltalk) ዘተ መንእሰያት ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ፡ ኣብዚ ኣኼባኡ “ገምጋም ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን እማመ ሓባራዊ ስራሕ ሰዲህኤን” ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ፡

ኣብቲ መብርሂኡ ብሓፈሻ ሰዲህኤ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ወጥሪ ሃዲኡ ህዝቢ ክልቴን ሃገራት ክራኸብ ምኽኣሉ ከምዝድግፎ ኣስፊሑ ገሊጹ። እንተኾነ እቲ ብዲክታተር ኢሳይያስ ዝቕለስ ኤርትራዊ ወገን ኣብቲ መስርሕ ምሕዳስ ዝምድና ዝኽተሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ፣ ዘይመትከላውን ዘይግሉጽን ኣገባብ ተቓውሞ ከም ዘለዎ ብኣብነታት ብምስናይ ገሊጹ። ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ናይ ህዝብና ጽምኣት ሰላምን ሕሱም ተነጽሎን ተበሊጹ ህግደፍ ይወስዶም ናይ ዘሎ ስጉምትታትን ውሽጦም ዘይፍለጥ ስምምዓትን፣ መስርሕ ምርግጋጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዘደናጉዩ ጥራይ ዘይኮኑ፣ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ዝህድዱ ምልክታት ይረኣዩ ምህላዎም እውን ጠቒሱ።

ኣቶ መንግስተኣብ እዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ንድሌትን ህልዊ ኩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ዝጓሰየ ምዃኑ፥ ምስ ዘርዘረ፣ እስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ዘብሃጎም ናይ ግዳም ሓይልታት ዘርእይዎ ዘለዉ ምስ ጉጅለ ኢሳይያስ ናይ ምትዕርራኽ ምልክታት ህዝብና ብጽሞና ክከታተሎ ከም ዝግባእ ኣተንቢሁ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ንኩነታት ኤርትራ ከም ዝጸልዎ ዝጠቐሰ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፣ ኣተሓሒዙ ኣካይድ ዲክታቶር ኢሳይያስ ናይ ህልኽን ቂምን እምበር ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ ኣብ ግምት ዘእተወን ኣርሒቑ ዝጠመተን ከምዘየለ ገሊጹ።

ኣቶ መንግስተኣብ ኣብቲ ንህጹጽነት ሓቢርካ ምስራሕ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺ፥ ሰዲህኤ ኣውጺኡ ይሰርሓሉ ብዛዕባ ዘሎ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ማለት፥ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፣ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ከምኡ እውን ኣብ ምትካል ብዙሕነታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ምውሓስ ኩሉ መሰረታዊ መሰላትን ዘትከለ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ፥ ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት እዚ እማመ ምስ ዝተወሰና ውድባት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምቅርራብ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ሓቢሩ፣ ሰዲህኤ ምስቶምቅሩባት ኮይኑ ንመጻኢ’ውን ክደፋሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ እማመ ከከም ደረጃኡ ካብ ብሓባር ምስራሕ ጀሚሩ ክሳብ ፍጹም ምትሕንጻፍ ዝኸይድ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብዚ ገለጻኡ፣ ሎሚ ኪኖ ምውሓስ ዲሞክራሲ ምዕቃብ ኤርትራን ክብራን እውን ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ብደሆ ምዃኑ ብምጥቃስ ዳግማይ መጸዋዕታ ንሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣቕሪቡ፣

ኣቶ መንግስተኣብ ድሕሪቲ ሰፊሕ መግለጺኡ፣ ንዝቐረቡ፣ “ንደመር ዝብል ኣብ ኢትዮጵያ ዝቃላሕ ዘሎ ጭረሖ ንመን ይምልከት?፣ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣበይ ወዲቑ?፣ ሃንደበታዊ ዝምድና ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ጅቡትን እንታይን መን ዝደረኾን እዩ?፣ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ጉጅለ ዲክታቶር ኢሳይያስ ዝመሓዘዉ ዘለዉ ወገናት ሕቡእ ኣጀንዳዶ ይህልዎምዶ?፣ ህልዊ ዝምድና ኤርትራዊ ተቓውሞን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ? ዝብሉ ዝርከብዎም ሕቶታት ግዜ ወሲዱ ብዝርዝር መሊሱ፡

ኣብ መወዳእታ ኣኼባኡ ንምጥቕላል ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ወሳኒ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ከም ዘለና ጠቒሱ ካብዚ ዘለናዮ ብዓውት ንምውጻእ ንውሱናት ወገናት ዝግደፍ ዘይኮነ ንኹሉ ኤርትራዊ ዝምልከት ሃገር ናይ ምድሓን ዕማም ምዃኑ ጠቒሱ፣ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ፈታዊ ህዝቡን በብዓቕሙ ክረባረብ ጸዊዑ። ህዝቢ ኤርትራ ንሓቢሪካ ምስራሕ ከተባብዕን ካብዚ መተካእታ ዘየብሉ ምርጫ ንዝርሕቁ ወገናት ከኣ ተጽዕኖኡ ንኽገብርን ከኣ ጸዊዑ።

Last modified on Wednesday, 26 September 2018 00:38