ኣባል መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ካናዳ ዑደት ኣካይዳ

2018-06-02 08:29:17 Written by  ሽማግለ ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ Published in EPDP News Read 3704 times

ኣባል ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ ሓላፊት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ኣብ ካናዳ ከተማ ዊኒፐግ ብዕለት 20 ጉንበት ዝተኻየደ ሰፊሕ በዓል መዓልቲ ምሕዳስ መብጽዓ ተሳቲፋ።

እዚ ልዕሊ 300 ሚእቲ መብዛሕተኦም መንእሰያት ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ድሙቕ በዓል ብህድሞና ዝበሃል ሲቪካዊ ማሕበር ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት እተዳለወ እዩ። ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ብህድሞና ብዝተገብረላ ዕድመ ክትሳተፍ እንከላ ኣብርእስኡ’ውን ምስ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዊኒፐግ ብዝዕባ ምምስራት ናጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ንምዝታይ እዩ ነይሩ።

ሰንበት 20 ጉንበት ቀትሪ ምስ ግዱሳት መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ኣኼባ ብምክያድ ስለምንታይን ብኸመይን ክንውደብ የድልየና ካብ ሕሉፍ ተመኩሮታት ተቓለስቲ ደቂ-ኣንስትዮናኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ነዊሕ ምይይጥ ኣካይዳ።

  1. ብሓፈሽኡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንመሰልና ተወዲብና ክንቃለስ መተካእታ ከምዘይብሉ ድሕሪ ምግላጽ ካብ ተጽዕኖ ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድባት ናጻ ክኸውን እቲ ቐንዲ መሰረት ናይ ዉዳበና ክኸውን ከምዘለዎ
  2. ናጻ ካብ ተጽዕኖ ናይ ዉድባት’ምበር ኣብ እንዓግበሉ ፖሊቲካዊ ዉድባት ኣባላት ክንከውን ከምዘይክልክለና
  3. መሰረት ናይ ምግሃስ መሰልና ድሕረትን ድንቁርናን ስለዝኾነ እቲ ቓልሲ ምስ ኩሉ እቲ ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ኣብ ሃገርና ዝቃለስ ሓይልታት እነካይዶ ምዃኑ
  4. ድሕረት ኣብ ባህልና ስለዘሎ ኣባና’ውን ከምዘሎን ክንቃለሶ ከምዘሎናን
  5. መሰልና በቲ ኣብ ኤርትራ ህዝብና ዝጭቁን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መዕልታዊ ሂወትና ከምዝገሃስ
  6. ኣብ ስድራቤት መሰልና ምሕላው ሰላምን ቅሳነትን እምበር ቆዮቛን ዳንኬራን ከምዘየምጽእ ኣብሪሃ።

ተሳተፍቲ ብተገዳስነት ድሕሪ ምስማዕ በቲ ኣኼባ ሕጉሳት ምዃነን ገሊጸን። ቀጻሊ ርኽክብን ምኽሪን ከምዘድሊ ተላብየን።

ብድሕሪ’ዚ ምሸት ኣብ’ቲ ህዝባዊ በዓል ተረኺባ ብተሳተፍቲ ኣድናቖት ዘትረፈ መደረ ኣቕሪባ። እቲ በዓል “መዓልቲ ምሕዳስ መብጽዓ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ እዩ ተኻይዱ። ኣሕዋት ገዛኢ ሓጎስን ማህድረን ህዝብና ብዘደንቕ ጽንዓትን ተወፋይነትን ንሰላሳ ዓመታት ተቓሊሱን ብእሻሓት ተሰዊኡን ሰንኪሉን ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንተናገፈ፡ ከምህዝቢ ገና ሓራ ስለዘይወጻእና ሎሚ መዓልቲ ህዝብና ካብ ምልኪ ተላቒቑ ፍትሕን ሰላምን ምእንቲ ከስተማቕር ቃልስና ክነሕንን መብጽዓ ንኣትወላ መዓልቲ እያ ክብሉ መደረታቶም ኣቕሪቦም። 

Winnipeg Event 2

ቀጺላ ወ/ሮ ኣስገደት ከም መቐጸልታ መደረታቶም ብፍላይ ኣብ ሕሰምን መከራን ደቂ-ኣንስትዮና ብምትኳር መግለጺ ኣቕሪባ። ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የሎን። ጓል ኣንሰይቲ ኤርትራ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ብዓቢኡ ብረት ተሓንጊጣ ኣብ ጎድኒ ኣሕዋታ ደቂ-ተባዕትዮ ተሰዊኣን ሰንኪላን፡ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ናይ ስለላ ስራሓት ኣካይዳ፡ ኣብ ገጠራት ዝነበረት ሰንኪታ ተጋደልቲ ዓንጊላን ደም ዉጉኣት ሓጺባን፡ ኣብ ስደት ዝነበረት ከዲማ ተጋዳላይ ዓንጊላ ሰውራ መዊላን። ይኹንምበር ድሕሪዚኹሉ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ፍረጻማኣ ከይረኣየት ተጠሊማ ኣደዳ ስደትን ዉርደትን ኮይና ትርከብ። እታ ተጋዳሊት’ውን ተጠሊማ ኣብክንዲ እተዕርፍ ሕጂ ኣብዕብየታ ትስደድ ኣላ። እታ ክትወልድ ዕድል ዝገበረት ድማ ደቃ ወይ ክስደዱ ወይ ክእሰሩ ትሪኢ ኣላ ድሕሪ ምባል ኣብ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መኣእ ዓለም ገኒኑ ዝርአ ዘሎ ጭቆናን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ጠንቁ ተባዕታዊ ትምክሕቲ እዩ። ትምክሕቲ ድማ ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ይብገስ። ስለ’ዚ ወጽዓና ምስ ሓደ ስርዓት ዝመጽእን ዝጠፍእን ኣይኮነን። ሕቶና ሕቶ ሰብኣዊ መሰል እዩ። እቲ ኩሉ ምእንቲ ፍትሒ እቃለስ ኣለኹ ዝብል እጃሙ ዘበርክተሉ ፍትሓዊ ቃልሲ እዩ። ዲሞክራሲን ፍትሒን ባህሊ ክሳብ እንገብሮ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ክኽበር ኣይክእልን። ፍትሒ ኣብ ሃገርና ምእንቲ ክነግስ ኣምበኣር ንፍስወከፍና ድንቁርና ብንቕሓት ክንትክእ እቲ ቃልሲ ኣብ ገዛና ክጅምር ኣለዎ። ኣብ ስደት ዘሎና ሂወትና ዝያዳ ዝኸበደ እዩ ኮይኑ።

ኣዴታትና ናይ ገዛ ሓላፍነት ጥራሕ እዩ ነይሩወን። ንሕና ግን ከማኹም ወፊርና ክንሰርሕ ንግደድ። ኣብ ገዛ ተመሊስና ድማ ምሉእ ሓላፍትነ ናይ ገዛን ቆልዑን ኣብና ይወድቕ። ዝለ’ዚ ኩሉ ደላይ ፍትሒ እየ ዝብል ኣብ ገዛይ ፍትሒን ዲሞክራሲን የተግብር ዶ ኣለኹ ኢሉ ነብሱ ክሓትት ይግባእ። ንሕና ደቂ-እንስትዮ’ውን ድሕርት ካብ ነብስና ክነወግድ ይግባእ። ላም ፍርቂ ነብሳ ኣይትሰብሕን። ድሕረት’ውን ኣብ ደቂ-ተባዕትዮ ጥራሕ ዘሎ ኣይኮነን። ሃገርና ክትምዕብልን ዲሞክራሲ ክትከልን ክዕምብብን ብማዕረ ክንነቅሕ የድሊ ብምባል ብኩሉ ኣኼበኛ ተቐባልነት ዝረኸበ መደረኣ ደምዲማ።

ቐጺሉ ድምጻዊ ሳሚ መብራህቱ በቲ ጥዑም ድምጹን ቁምነገራዊ ትሕዝቶ ደርፍታቱን ወኒ ኣኼበኛ ቀስቂሱ ዘገርም ባህላዊ ምሸት ኣምስዮ።

ንጽባሒቱ ሰኑይ ጉንበት 21 ንግሆ ምስ ኣባላት ጨንፈር ዊኒፐግ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ተደናገጽቲን ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፍናን ዝርአ ዘሎ ኣዎንታዊ ምዕብልናታትን ገሊጻ። ንዝቐረበላ ሕቶታት ድማ መሊሳ። ድሕሪ ቐትሪ፡ እንደገና ምስ ግዱሳት ደቂ-ኣንስትዮ ኣኼባ ኣካይዳ። ከመይ ንዉደብ ንዝብል ሕቶ ብዕምቆት ተዘትዩሉ። ቀጺሉ ንዝቐረበላ ሕቶታት መሊሳ። ወ/ሮ ኣስገደት፡ ኣዝያ በቲ ዝተገብረላ ኣቀባብላ ሕጉስቲ ምዃና ገሊጻ። ብናህሪን ሃገራዊ ፍቕርን፡ ዘለወን ድሌት ናይ ምውዳብን ኣዝያ ከምዝተደነቐትን ከምዝተሓጎሰትን ሞራልን ተስፋን ከምዝሃባኣን ኣብሪሃ።

 ሽማግለ ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

30 ጉንበት 2018

 

  

Last modified on Saturday, 02 June 2018 10:41